ሱዳናዊ ጀነራል ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ተቐቲሉ

2022-01-15 13:29:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 837 times

ሓይልታት ጸጥታን ፖሊሲን ሱዳን ብ13 ጥሪ 2022 ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስን ካልእ ተሳታፊ እቲ ሰልፍን ከም ዝተቐትሉ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ።

እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ከም ዝሓበሮ፡ ናይ ሱዳን ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊትን ነቲ ኣንጻር ዕልዋ ዝተኻየደ  ሰላማዊ ሰልፊ ንምብታን ድሩዓት ተሽከርከርቲ ከይተረፈ እዩ  ተጠቕሙ።

ናይ ሱዳን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ከም ዝገለጾ፡  እቲ ላዕለዋይ በዓል መዚ ፖሊስ ሱዳን ብሪጋዴር ጀነራል ዓሊ ፕራይማ ሓምዳን ኣብ ከባቢ ሓደ ሕክምናዊ መመርመሪ ትካል (መዲካል ላቦራቶሪ) ከም ዝተቐተለ ሓቢሩ። እንተኾነ ንኣቀታትላኡ ዝምልከት ዝርዝር ኣይገለጸን። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ኣብ ሱዳን ከም ልሙድ ክሳብ ክንድዚ ስልጣን ዘለዎ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ምብታን ሰላማዊ ሰልፊ ምስ ሰራዊት ኣይዋፈርን እዩ።

ማእከላይ ኮሚተ ማሕበር ሓካይም ሱዳን ብወገኑ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እቲ ካልእ ኣብቲ ኩነታት ዝሞተ ናይቲ ሰልፊ ተሳታፊ ኣብ ካርቱም ብጥይት ተወቒዑ ከም ዝሞተ ሓቢሩ። እቲ ማእከላዊ ኮሚተ ኣተሓሒዙ ብዙሓት ብመውቃዕትን ዘንብዕ ጋዝን ከም ዝቖሰሉ ጠቒሱ። በቲ ዜና መሰረት ኣንጻር ዕልዋ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት ናይ ዝሞቱ ሱዳናውያን ቁጽሪ 64 በጺሑ ኣሎ። እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ካርቱም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካለኦት ከተማታት እታ ሃገር እውን ከም ዝካየድ ተፈሊጡ።

ምትእስሳር ጋዜጠኛታት ሱዳን ብወገኑ ሓንቲ ሻመል ኣል ኑር ዝተባህለት  ጓለንስተይቲ ጋዜጠኛ፡ ብኸቢድ ከም ዝተወቕዐትን ካልእ ዑስማን ፋድለላህ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ከኣ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝምልከት ዜና እናዳለወ ብቑሩብ ካብ መጥቃዕቲ ወተሃደራዊ ተሽከርካሪት ከም ዝደሓነ ኣብቲ ዜና ተገሊጹ። ዓረብ ተለቪዥን  በወገና ኣብ ካርቱም ዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ብዕጡቓት ሓይልታት ተጠቒዑ፡ ጉጅለ ጋዜጠኛታቱ ድማ ከም ዝተኣስረ ኣፍሊጡ። እዚ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝውሰድ መጥቃዕቲ ኣካል ናይቲ  ኣንጻር ደገፍቲ ዲሞክራሲ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ንጽባሒቱ ብ14 ጥሪ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ናይቲ ፖሊስ ጀነራል መቕተልቲ ኣረጋጊጹ፡  ቀታሊ ተሓቲቱ  ብወገኑ ነቲ ጀነራል ቀቲሉ ንካልእ ኣባል ፖሊስ ምቑሳሉ ከም ዝተኣመነ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና  ኣፍሊጣ።

ሓላፊ ኮሚተ ልኡላውነት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃንን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን  ኣብ ሰነ ስርዓት ቀብሪ ናይቲ ጀነራል ናብ ቤተሰቡ  ቃል ሓዘን ከም ዘመሓላለፉ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ናይ ሱዳን ሰራዊት ወሃቢ ቃል፡ ጣህር ኣቡ ሓጃጅ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ካለኦት ስሩዓት ሓይልታትን ሱዳን ዝውሰድ መጥቃዕቲ፡ ኣንጻር ናይ ሱዳን ጸጥታን ሓድነትን ዝዓለመ እዩ ኢልዎ። ኣተሓሒዙ ከኣ “ኣብ መንጎ ገነትን ሲኦልን ካልእ ቦታ የለን። ስለዚ ናጽነት ውጽኢቱ ሞት፡ ምፍሳስ ደምን ዕንወት  እንተኮይኑ ትርጉም የብሉን” ክብል ጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ላዕለዎት ኣሜሪካውያን ዲፕሎማት ተሓጋግዚ ወጻኢ ጉዳያት ሞሊ ፊን ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳቪድ ሳተርፊልድን ካብ 17 ጥሪ 2022 ጀሚሮም፡ ናብ ሳዑዲ ዓረቢያ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተጓዒዞም ክሳብ 20 ጥሪ 2022 ኣብቲ ከባቢ ክጸንሑ እዮም።

Last modified on Saturday, 15 January 2022 14:30