ኮሚተ ሽልማት ኖበል፡ ንተግባር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነቒፉ

2022-01-16 19:16:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ፡ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 810 times

ምንጪ፡ (NTB)

NOBEL PRIZE 1ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝርከብ ኮሚተ ክቡር ሽልማት ኖበል፡ ብ13 ጥሪ 2022 ብዛዕባ’ቲ ብ10 ታሕሳስ 2019 ዝሽለሞ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ መግለጺ ከም ዘውጸአ (ኤን-ቲ-ቢ) ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ሓቢሩ። እቲ ኮሚተ ነቲ መግለጺ ከውጽእ ዘገደዶ  እቲ ኣብታ እቲ ናይ 2019 ሽልማት ኖበል ዝተዋህበ ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሓ ዘሎ ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘኸተሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ኮሚተ ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም መራሒ ሃገርን ናይ ሽልማት ኖበል ተዓዋትን፡ ነቲ ህውከት ጠጠው ኣቢሉ ሰላም ክሰፍን ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ።

በቲ መግለጺ መሰረት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ክቡር ሽልማት ኖበል ዝበቕዐ ነቲ ኣብ መንጎ ጐረቤት ኤርትራን ሃገሩን ዝነበረ ናይ ኣፍሪቃ ዝነወሐ ናይ ጐንጺ ግዜ ዝተባህለ ኩነታት ናብ ሰላም ብምምጽኡ ምንባሩ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ መግለጺ ኣብይ  ሽልማት ዝተወህበ፡ በቲ ኣብ መጀምርያ ዘበርከቶን  በቲ ኣብ 2019 ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ኩነታት መሰረት ኣብ መጻኢ ክሰርሕ እዩ ብዝብል ትጽቢት ምንባሩ ብትኹረት ክረአ ይግበኦ ክብል እቲ ኮሚተ ሓቢሩ። እንተኾነ እቲ ታሪኻዊ ኩነታት ንድሕሪት ብምምላስ፡ ዲክታተርያዊ ምምሕዳርን ሰፊሕ ዓለታዊ ጐንጽታትን ኣኸቲሉ ኢሉ።

እቲ ኮሚተ፡ ዋላኳ ዝተወሰነ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ማሕበራዊ  ቅልውላው ሓደሓደ ነጥብታት እንተጥቐሰ፡ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ጸብጻብ ምቕራብን ብዛዕባ ሓንሳብ ዝተዋህበ  ሽልማት ኖበል ተመሊስካ  ምድህሳስን ናቱ ተግባር ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

Last modified on Sunday, 16 January 2022 20:22