ምጽልላው ኤርትራን ከባቢኣን

2020-11-12 09:23:50 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1314 times

ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝብን መንግስትን ቀዳማይ ሓላፍነት፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ንሃገራዊ ዋኒንካ ቀዳምነት ምሃብ እዩ። እዚ ማለት ግና ገዛ ዓጺኻ በይንኻ ሃገር ተቐጽል፡ ተልምዕን ተህድእን ማለት ኣይኮነን። ካብዚ ንምውጻእ ከኣ ናይ ከባቢኻ ጽልዋ ኣብ ግምት ምእታው ውሕልነት እዩ። ውሽጣዊ ሃገራዊ ጉዳይን ከባቢያዊ ጽልዋን እንተዘይተመዛዚኖም ግና ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። እምብዛ ኩሉ ግዜ በይነይ እንተበልካ፡ ናብ ተነጽሎን ጽምዋን ይወስደካ። ውሽጣዊ ጉዳይካ ራሕሪሕካ ናብ ደገ ጥራይ እንተመዓደኻ ከኣ ናብ ኢድ ኣእታውነትን ተጸባይነትን ይወስደካ።

እቲ ኣብ መንጎ ምዕማም ውሽጣዊ ጉዳይካን ምስ ከባቢኻ ምትሕብባርን ዘሎ ምጽልላው ንናይቶም ዝዛመዱ ወይ ዝጸላለዉ ወገናት ናይ ሓባር ተረባሕነት፡ ብመትከል  ዝመራሐ ክኸውን እንከሎ ኣድማዕን መሰረት ሰላምን ቀጻልነትነን ይኸውን ። እዚ ሚዛንዚ ኣብ ዘይተመጣጠነሉ ግና ብኣንጻሩ ናብ ጐንጽን ምስሕሓብን ዝወስድ እዩ ዝኸውን። ከም ዲክታተር ኢሳይስ  ዝኣመሰሉ ብኣተሓሳስባ ኮነ ብግብሪ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምምራሕ ዝፈሸሉ፡ ካብ ኢዶም ዘይሓወስሉ ከባቢያዊ ምዕባለ እዮም ዝጽበዩ። ብኮንትሮባንድን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራት ከኣ ይምርሑ።  ኣብቲ ምቁማቶም ካብኣቶም ዝሓሸ ንህዝብን ሃገርን ግቡእ ክብሪ ዝህብ ከባቢ ክርአ እንከሎ ከም ስዕረቶም ኮይኑ ስለ ዝስምዖም፡ እቲ ከባቢ ተዘሪኡ፡ እንተኾነ ካብታ ከመሓዳራዋ ዝግበኦም ሃገር እሞ ዘይበቕዕዋ ኤርትራ ዝሓመቐን ዝተሓመሰን ክኸውን ይጽዕሩ። እንተወሓደ ከኣ ከምኣቶም ግዜን ዕድልን ዘምከነ ከባቢ ክርእዩ ይጽዕሩ። እዚ ተግባራት ኢሳያስ ርኢኻ ምርግጋጽ ዝከኣል እዩ። ናብዚ ንምብጻሕ ቀንዲ ዝጥቀምሉ እስትራተጅን ስልትን ህውከትን ውግእን ምፍጣርን ኣብኡ ኣቲኻ ምሕባእን እዩ። ብመንጽርዚ ኢሳያስ ኣይኮነንዶ ዝተኣጐደ ውግእ ረኺቡ፡ ውግእ ከሳውር ከይደቀሰ ዝሓድር ገበነኛ እዩ። እነሆ ከኣ በዚ ክጽበዮን ከሳውሮን ዝጸንሐ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣጒዱ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ሓዊ ተሓጒሱ ኣፍልቡ ይወቅዕ ኣሎ።

ኢሳያስ ብኣተሓሳስባ፡ ተዋሳኣይ ናይ’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ደረጃ በጺሑ ዘሎ ውግእ ምዃኑ ባዕሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክነግረና ስለ ዝጸንሐ ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነቱ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ  ዘጠራጥር የብልናን። ከምዚ ዝገብር ከኣ ዋላ ናይ ሓደ ካብዞም ዝዋግኡ ዘለዉ ኢትዮጵያዊ ኣካላት ረብሓን ዓወትን ኣገዲስዎ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእሱ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ወጻኢ ክነብር ስለ ዘይክእል፡ ወልፉ ንምርዋይን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ጥራይ እዩ። እዚ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ህውከትን ውግእን ከይጠፍእ እሞ፡ ዝስሕነሉ ህውከተኛ መጋርያ ንከይስእን፡ ኢሳያስ ናብቲ መጋርያ ነዳዲ ካብ ምውሳኽ ንድሕሪት ኣይክብልን እዩ። ብመንጽርቲ ኢሳያስ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ክመጾ ዝጸንሖ መንገዲ ተመርኲስካ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራን ዝካየድ ዘሎ መሪር ውግእ ብገለ ግንባራት ሰራዊት ኤርትራ ይሳተፍ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከም ሓቂ ምውሳዱ ዘጸገም ኣይኮነን።

ናይ ኢሳያስ ናብዚ ውግእዚ ምእታው ብኹሉ መልከዓቱ ክምዘን እንከሎ፡ ምስ ረብሓ ህዝብና ፈጺሙ ዝምድና የብሉን። ብኣንጻሩ ምስሊ ህዝብና ዝድውንን ንመጻኢ ወለዶና ኣሉታዊ ስንብራት ዝገድፍን እዩ። ከምቲ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳያትና ኣብ መንጎ ድሌት ህዝቢ ኤርትራን ኣካይዳ ጉጅለ ኢሳያስን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ዘሎ፡  ኣብ ሕድሕድ ውግእ ኢትዮጵያ ኢድ ምእታዉ እውን ርኢቶ ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግዲፍን ኣዝዩ ዝተረሓሓቕ እዩ። እቲ ካልእ ቁምነገር ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ክሳብ ሕጂ ንጉጅለ ኢሳያስን ኣተሓሳስባኡን ተቓሊስና ኣይሰዓርናዮን። ኣብዚ ኢድ ኣእታውነት እውን ጌና ኢሳያስ መኒኻ? ዝብሎ ዘይብሉ ከም ድላዩ ይዕንድርን የዳምን ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ውግእዚ ኢድ ምእታው ኣብቲ መሊኡ ዝፈስስ ዘሎ ጸገም ካልእ ጸገም ዝውስኸሉ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕን ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ጸገም ዘውጽእን ውጽኢት ከምዘይህልዎ ርዱእ ስለ ዝኾነ። ንኢሳያስ ግና ኪኖቲ ዕድመ ስልጣኑ ዘንውሓሉ እቲ ህውከተኛ ኣተሓሳስባኡ ይሰፍሓሉ ስለ ዘሎ መፍትኡ እዩ። ዕድመ እንተረኺቡ እሞ ጽባሕ ከምዚ ዓይነት ጓይላ ኣብ ካልእ ጐረቤትና ሃገር እንተተኣጒዱ  እቲ ቀንዲ ዘኹድደሉ ንሱ እዩ ክኸውን።

ኢትዮጵያውያን መራሕቲ፡ ቅድም እውን ምስ ኢሳያስ ምትዕርራኾም ሳዕቤኑ ዋጋ ከም ዘኽፍሎምን ክጥንቅቐሉ ከም ዝግበኦምን ካብ ብዙሓት ወገናት ስምዕታ ክቐርበሎም ጸኒሑ እዩ። ሎሚ ድማ ብመሰረቱ ውግእ መፍትሒ ከምዘይከውን ካብ ብዙሓት ኢዮትዮጵያውያን ወገናቶምን ሕብረተሰብ ዓለምን ኣንጻርዚ ምጽሕታር ውግእ ቀጻሊ ስምዕታ ይቐርበሎም ኣሎ። ሕሉፍሓሊፎም ኢሳያስ ናይዚ ውሽጣዊ ውግኦም ከም ናይ ሓሳብ ሓሳብ መቕረብን መዋፈሪ  ሰራዊትን ምቕባሎም  ክሳብ ክንደይ ናብ ዘይውዳእ ጸገም ከም ዝወስዶም ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ግዜ ሓልዩ ናብ ኤርትራ እውን ሰለይ ክብል እዩ ዝብል ናይ ብዙሓት ስኽፍታ እዩ። እዚ ስኽፍታ ናይ ውሱናት ተንተንቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስኽፍታ እውን እዩ። ኢሳያስ ግና ኣቐዲሙ ተጠሊዑ ኣብ ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ሓቢእዎ ዝጸንሐ ናይ ጥልመት ጉልባቡ ቀሊዑ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ውግእ ናይ ወራር መልክዕ ሒዙ ባሕሪ ርእዩ እንዳንበሃቘ ናብ ሃገርና ከይልሕም ዘሰክፍ የብሉን። ምናልባት እውን ነቲ ናይ “ሓደ ሃገርን ህዝብን ኢና” ሕልሙ ዘግህደሉ ዕድል ዝያዳ ከም ዝኸፍተሉ ኣጋጣሚ ይወስዶ ይኸውን።

ንሕና ክብሪ ሃገርናን ህዝብናን ዘገድሰና ናይ ለውጢ ሓይልታት ኤርትራውያንከ ክሳብ መዓስ ኢና ኣብ ኩሉ ዛዕባታት ብኣተሓሳስባ ኢሳያስ ክንሰዓር እንነብር። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራኸ ክሳብ መዓስ ኢኻ፡ ነቲ ሓዊ ዝኣጉዶ ዘሎ መን እዩ? ስለምንታይከ ተኣጒዱ? በዚ መጋርያ ዝነድድን ዝመውቕንከ መንእዩ? ሳዕቤኑ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናንከ እንታይ ክመስልዩ? ዝብሉ ሕቶታት ከይመርመርካ ናብዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዋናታቱ ዘለዉዎ ውግእ ዓይንኻ ኣዕሚትካ  እትጥበስ። በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ክንዲ ነቲ ምስኻ ዘሎ  ጠላም ኣወጊድካ ንብዓት ህዝብኻ እትሕብስ፡ ናብ ዘይምልከተካ ውግእ ንምእታው “ወጊድ” ክትብሎ ንምሕጸነካ ኣለና።

Last modified on Thursday, 12 November 2020 10:27