ምበኣስ ተዘይኮይኑ፡ ምትዕራቕስ ኣይናይ ኢሳያስን

2020-07-23 08:00:48 Written by  ኣዶሊስ ሴም Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1650 times

ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቅድም ናብ ኢትዮጵያ ደሓር ናብ ግብጺ ቀጺሉ ከኣ ናብ ሱዳን ክጻፋዕ ተዓዚብናዮ። ሓደ ተዓዛቢ ከም ዝጠቐሶ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ኢሳያስ ናብታ ሃገር 5 ግዜ ተመላሊሱ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ወዮ ኣብ ኤርትራ ወዲ ገዛ ክኸውን ከም ድላይካ “እቶ ውጻእ” ዝተባህለ መራሒ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ናብ ኤርትራ ከይዱ። ምስዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን ኢሳያስ፡ ምስ ዝኸዶም ኮነ ዝመጽዎ መራሕቲ ብዛዕባ ምንታይ ከም ዝተዛረበን ስለምንታይ ከም ዝዛመዶምን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ የብሉን። እቲ ዝምድናን መገሻታትን ንረብሓ ህዝቢ ከምዘይኮነ ግና እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝለሓስ ዝቕመስ ዘየብሉ  ባይታ መስካሪ እዩ።

እቲ ኢሳያስ ዝገሸሉን ኣጋይሽ ዝቕበለሉን ዘሎ ጉዳይ ካብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይነቅል ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብሰንኪ ምህናጽ ዓብይ ዲጋ ህዳሰ ዝምዕብል ዘሎ ምስሕሓብ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግምቱ ብዙሓት እዮም። ብዘይካዚ ብዛዕባቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን ገዛኢ ውድብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ፍልልይ ከም ዝኸውን እውን ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግምት እዩ።

እቲ ዘገርም ከኣ ከምቲ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝበሃል፡ ወየ ምብኣስ እንተዘይትኮይኑ ምትዕራቕ ዘይናቱ ኢሳያስ ብኡሳት ክዓርቕ  ምህቃኑ ዘገርም’ዩ። እቶም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይተዓርቀ ዝፈልጡ ክነሶም፡ ክዓርቆም ዝጽበይዎ ከኣ ዝያዳ የገርሙ። ምናልባት ኢሳያስ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ኣብቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ንምስምማዕ ብማእከልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ እሞ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ተዓዘብቲ ዝሳተፋሉ ዘለዋ መስርሕ ግምት ስለ ዘይተዋህቦ  “ኣነ እውን ኣለኹ” ንምባል ክኸውን ይኽእል።

ኢሳያስ፡ ዝኾነ ኣጀንዳ፡ እንተላይ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸዶ ዘሎ ዘይብሩህ ዝምድና ከበግስ እንከሎ፡ ህልኽን ናይዚ ከባቢ ጐብለል መሲልካ ናይ ምቕራብ ህርፋንን እምበር፡ ምእንቲ ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ጉዳይ ህዝቢ ዘገድሶ ነይሩ እንተዝኸውን እሞ ብዛዕባቲ ዝገብሮ ንህዝቢ መሓበረ። ህዝቢ ዘይምሕባሩ ከኣ መባእታዊ መረዳእታ ናይቲ ስጉምቲ ንረብሓ ህዝቢ ዘይምዃኑ እዩ። እዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ከኣ ፈጺሙ ንኤርትራ ከም ሃገር ኮነ ንረብሓ ህዝባ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። እዚ ከኣ እዩ ኢሳያስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዓርቐ ጥራይ ዘኮነ፡ ካብቶም ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሶም ዝሰዓሮም ገዛእቲ ብዘይፍለ መመሊሱ ዝድህኮ ዘሎ። እዚ ዲክታቶር ቅድሚ ናብቲ ጉዳይ ሃገሮም ህዝቦምን ዝወገኑ ወሓላሉ ሒዘምዎ ዘለዉ ዓብይ ጉዳይ ኢትዮጵያን ግብጽን ምምጥጣሩ፡ እቲ ዓበይቲ ህዝቢ ኤርትራ መፍትሒ ክረኽበሉ ዝቃለሰሉ ኣጀንዳታት ገዲፍና፡ ኣብዚ ሕማቕ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስኳ፡ “ህዝቢ እንታይ ይበልዕን ይሰትን ኣሎ?” ኢሉ ክሓስብን ክሻቐልን መተገብኦ። እንተኾነ ምስቲ ደቁ፡ ህይወቱን ንብረቱ ከፊሉ ዓወት ኣምጺኡ ኣብ ሰገነት ስልጣን ዘደየቦ ህዝቢ ኤርትራ ብኡስ ስለ ዝኾነ፡ ዋኒን ህዝቢ ዋኒኑ ኣይኮነን።

ምናልባት እቲ ንኢሳያስ ብሰንክቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዘሻቕሎ፡ ምስምማዕ ስኢኖም ኣብቶም ከባቢኦም ዘለዉ ሃገራት እውን ናይ “መርገጽካ ምስ መን ምዃኑ ኣነጽር” እዋን እንተመጺኡ ምስ መን ከም ዝኸውን ስለ ዘጸግሞ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምስ ኢትዮጵያ እንተወጊኑ፡ ካብ ግብጽን ካብተን ምስኣ ክውገና እየን ተባሂለን ዝግመታ ሃገራትን ዝለመዶ ረብሓ ከይተርፎ ከም ዝሰግእ ፍሉጥ እዩ። ምስ ግብጺ እንተወጊኑ ከኣ እቲ ብ”ጸወታ ተወዲኡ (game is over)” ዝጀመሮ እሞ ኣብ ልዑላውነት ኤርትራ ኮነ ክብሪ ህዝባ ኣሉታዊ እምበር ኣውንታዊ ጽልዋ ዘየብሉ፡ ምስ ሰልፊ ብልጽግና ኮይንካ ኣንጻር ህወሓት ሕነ ናይ ምፍዳይ ህርፋኑ ክተርፎ እዩ። በዚ ኮነ በቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ካብ ከም ናይ በዓል ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ተማሂረን ጉዳየን ብስምምዕን ናይ ሓባር ተዓዋትነትን ክዛዝማ ናይ ብዙሓት ትጽቢት እዩ። ኩነታት ከሪሩ ፍለፍለ እንተኮይኑ ግና ብዙሓት ከም ዝግምትዎ ወየ ሻረኛ ኢሳያስ ምስ ግብጺ ክውግን ይኽእል’ዩ። በዚ መሻረዊ ኣካይዳኡ ንዝህቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎ ሕሰም  ተወሳኺ መዘዝ ከየምጸሉ ከኣ ዘየስግእ ኣይኮነን።

ኢሳያስ ቅድሚ ሕጂ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ዘይኮነ ኢድና እነእትወሉ እዩ” ከም ዝበለን፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም መርኣያ ዘይውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ኣካይድኡ ገይሮም ከም ዝተረድእዎን ዝዝከር እዩ። እቲ ኢዱ ከእትወሉን ከባልሖን ዝደልዮ ዘሎ ከኣ፡ እቲ ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህወሓት ዘሎ ወጥሪ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣሰላልፋኡ ኣንጻር ህወሓት ምዃኑ’ውን ኣነጺሩ እዩ። ነዚ ኣሰላልፋዚ ዝመርጸሉ  ምኽንያት ምስቲ “ውግእ ባድመ” እንዳተባህለ ዝጥቀስን ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝረገፍሉን ውግእን  ናብኡ ዘብጸሐ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ዘይበርሀ ጠንቅን ሓደ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ብልጽግና ኢትዮጵያ ዝቀላቐል ዘሎ ምትእትታው ምእኩል ምምሕዳርን ነቲ ካብ ኣዕኑድ ዲሞክራሲ ሓደ ዝኾነ ምርጫ ዘይምግዳስን እውን ካልእ ኢሳያስ ምስ ብልጽግና ክስለፍ ዝብህገሉ እዩ።

ናይ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ እሞ በቲ መሪጽዎ ዘሎ ውግንና ምስላፉ ምናልባት ንናቱ ናይ ህልኽን ሕነምፍዳይን ጥሙሓት ምርዋይ እንተዘይኮይኑ ንኤርትራን ህዝባን ዘየርብሕ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ዝተዓጽወ ናይ ወራር ፋይል ከይከፍት ዘየስግእ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጀነራል ካሳየ ጨመዳ፡ ጀነራል ዋሲሁን ንጋቱ፡ ጀነራል ኣሰፋ ኣሕፈሮም፡ ኮሎኔል ገ/እግዚኣብሄር ዝተባህሉን ካለኦት ጡረተኛታትን   ኣብ ሚድያታት ኢትዮጵያ ቀሪቦም ክዛረቡ ቀንዮም። ንሳቶም ኣብቲ ዘረባኦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ኤርትራ “ንሓድነት ኢትዮጵያ” ኣንጻር ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተዋግኡ እንዳገለጹን ንመስርሕ ረፈንደም ኣብ ኤርትራ ብኣሉታ እንዳኳማስዑን ንመንግስቲ ብልጽግና ኢትዮጵያ ሓደራ ክብልዎ እንከለዉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ እሞ፡ ካብ ትግራይ ከይምለስዮም ዝመኽርዎ። ኢሳያስ ጥዑይ እንተዝኸውን እዚ’ውን ከተሓሳስቦ መተገብአ። እንተኾነ ነዞም ካብ ስዕረቶም ዘይተማህሩን ልኡላውነት ኤርትራ ክዝክሩ እንከለዉ ርእሶም ዝሓሙን ዘይኢሳያስ’ዩ ተጠሊዑ ኣፍልቡ እንዳወቐን ክሳብ ዝፍንጫ እናሰሓቐን ኣፍደገ ከፊትሎም።

Last modified on Thursday, 23 July 2020 10:03