ጨናፍር ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ሃገር ሽወደን ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይደን

2020-05-24 18:43:05 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1584 times

ብዕለት 23.05.2020 ዓ.ም.ፈ. ምሉኣት ኣባላት ሰ.ዲ.ህ.ኤ.  ጨንፈር  ቁ, 1ን  ቁ. 2ን ብኤለትሮኒካዊ  መራኸቢ ብዙሓን ኣገዳሲ ሙዉቕን ኣኼባ ኣካይዶም። ኣኼባ ብክልተ ኣቦ መምበራት ክልቲኡ ጨናፍር ተኸፊቱን ተማእኪሉን ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዝተኻየደ   ማለት፡  ዓቢ ብስራት ስምረት ሰዲህኤን  ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ  ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራን (ህ.ዲ.ም.ሓ.ኤ.)  በዓል ዒድ ኣልፈጠርን  ዝኽሪ በዓል ነጻነት ፍትውቲ ሃገርና መበል 29 ዓመት ብምዃኑ  ፍሉይን ኣገዳስን ይገብሮ።  እዚ ማለት ቀንዲ ኣጀንዳኡ  ኣብ ህልዊ ኩነታት ጨናፍርን ሰልፍን ዘተኮረ ሰፊሕን ዓሚቑን ሃብታም ሓበሬታን ልዝብን ዝትሕዝቶኡ ኮይኑ ን3ተ ሰዓታት ዝወሰደ ነይሩ።  ጨናፍር ሰዲህኤ ሃገር ሽወደን ብክልተ ኣባላት ፈጻሚት  ሽማግለን 3ተ ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ዝሓቆፈ ብምዃኑ ብዝያዳ ፍሉይ  ይገብሮ። ኣኼባ ብዝተረኽበ ዓወት  ስምረት ምስ  ህ.ዲ.ም.ሓ.ኤ. ዮሃና ንተቓላሳይ  ህዝብና ሞጎስን ምስጋናን  ንተባዕ መሪሕነት ሰልፍን  ብምድናቕ  ሃየ መርሹ  ቀጽሉ ብምባል ኣስሚሮምሉ።  ብተወሳኺ  ኣኼባ እዚ ሎሚ ንዓለምና ኣሻቂሉ ዘሎ ተላባዲ ሕማም  ክሳብ  ሕጂ ድሓን ብምህላውና ኣመስጊኑ ንቀጻሊ ብዘይ ምጭናቅ  ግና ብልዑል ምጥንቃቕን  መምርሕን ምኽርን  ናይ ዝምልከቶም  ሰበ ስልጣን ህዝባዊ ጥዕና  ምኽታል ከም ዘድሊ ብምዝኽኻር ከምዚ   ኣገባብ ኣኼባ  ስሩዕን ቀጻልን  ክኸውን  ተሳማሚዕም ።

ብድጋመ ርሑስ በዓል ዒድ ኣልፈጠር !!!

ርሑስ  ዝኽሪ መበል 29  ዓመት በዓል ናጽነት ሃገርና !!!

መርሓባ ስምረት ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ  ምንቅስቃስ ሓርነት ኤርትራን  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን !!!

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉእትና !!!

ዉድቀት ንጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ።

Last modified on Sunday, 24 May 2020 20:50