ኮንፈረንስ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ- መደረ ተጋዳሊት ኣስገደት ምሕረትኣብ ካብ ካሊፎርኒያ

2020-02-18 07:39:06 Written by  Asghedet Mehreteab Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2504 times

ዋሺንግቶን ዲሲ ለካቲት 8, 2020

መእተዊ

እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ ኮንፈረንስ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ሰሜን ኣሜሪካ ለካቲት 8 ዝቐረበ እዩ። ብምኽንያት ሕጽረት ግዜ፡ ሓሳበይ ኣስፊሐ ክገልጽ ኣይከኣልኩን። ሕጂ ኣብ EPDP TV ከምኡ’ዉን ኣብ harnnet,org ክቕርቦ ከለኹ ናይ ግዜ ገደብ ስለዘይብለይ ገለ ነጥብታት ብሓደ ምሉእ ሓሳባት ጥራሕ ኣቕሪበዮ ዝነበርኩ ኣስፍሕ ኣቢለዮ ኣለኹ።

ዝኸበርክን ኣሓት ኣዳለውቲ ኮንፈረንስ፡

ዝኸበርክን ኣሓት ተሳተፍቲ፡

ዝኸበርኩም ዕዱማት ብሓበራ፡

እንቋዕ ናብቲ ኩሉ ግዜ ንሓልሞን ንብህጎን ዝነበርና ጉዕዞ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝጅምር ኮንፈረንስ ኣብቀዓና እናበልኩ ሰላምታይ አቕርብ።

ኣስዒበ ደቂ-ኣንስትዮ ዲሲን ከባቢኣን ኣብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ብነድሪ ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምብትታን ዝብለሉ ዘሎ እዋን ከም ደቂ-ኣንስትዮ ክንዉደብን ኣብ ሓርነታዊ ቅልስና ዝለዓለ ተራ ክክንጻወትን ተበግሶ ወሲድክን ሎሚ ከምንጋባእ ዝገበርክን ምስጋና ይብጻሕክን። ሓሳበይ ክገልጽ ዕድል ዝሃብክናኒ ድማ ብልቢ አመስግን።

ተዋሂቡኒ ዘሎ ኣርእስቲ “ዉደባ ደቂ-ኣንስትዮ ስለምንታይ የድሊ” ዝብል ኮይኑ ተፈቒዱለይ ዘሎ ግዜ ግን 10 ደቓይቕ ጥራሕ እዩ። እሞ ከምቲ ዝደልዮ ጌረ ክገልጾ ኣይክእልን ምዃነይ ይርዳኣኒ እዩ። ብዝተኻእለ መጠን ግን እቶም ክንሓስበሎም ዘሎና ነጥብታት ጸሚቐ ከቕርብ ክፍትን እየ።

ነስወከፍና ብፍላይ ከኣ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሕዋትና “ኣነ ንፍትሒ እቃለስ ኣለኹ እየ ዝብል እሞ ኣብ ገዛይ ከ ምስ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን ፍትሒ የተግብር ዶ ኣለኹ” ኢልኩም ነብስኹም እንተሓቲትኩም ሕጉስቲ እየ።

ሕቶና ሕቶ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ሰብኣዊ መሰል ሕቶ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዶባት ሃገርና ዝድረት ኣይኮነን። ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝሃሎና ንሃሉ ወጽዓና ሓደ እዩ። ስለዚ’ዩ ኸኣ ቃልስና ኣህጉራዊ ዝኸውን። ጸገምና ተባዕታዊ ትምክሕቲ እዩ። ጠንቂ ትምክሕቲ ድማ ድንቁርናን ድሑር ባህልታትን እዩ።

ፍርቂ ሕብረተሰብ ክነስና ተባዕታዊ ትምክሕቲን ድንቁርናን ከም ድኹማት፡ ዘይበላሕቲ፡ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ክነፍሪ ዘይንኽእል ጌሩ ይርእየና። ኣደ ዓንዲ ስድራቤት ክነሳ ኣብቲ ባህሪ ዘሰከማ ሓላፍነት ማለት ኣብ ምፍራይን ምዕባይን ቆልዑት ጥራሕ ትድረት።ብዘይካዚ ግዳይ ናይ ዘቤታዊ (Domestic Violence)፡ ኣካላዊ (Physical Violence)፡ ስነኣእሙራዊ (Psychological Violence) ከምኡውን ጾታዊ (Sexual Violence) ዓመጻት ትኸውን።

ወጽዓ ጓል ኣንስተይቲ ክኣቱን ባህሊ ኮይኑ ክሰርጽን ወሎዶታት ዝወሰደ እዩ።ሕብረተሰባት ዓለም ነቒሑ ማዕርነት ጓል ኣንስተይቲ ክረጋገጽ’ውን ከምኡ ናይ ወሎዶታት ቃልሲ ክሓትትት’ዩ። ኣምበኣር ደቂ-ኣንስትዮ ካብ’ዚ ባህሊ ኮይኑ ዘሳቕየና ዘሎ ጭቆና ክንላቐቕ ተወዲብና ክንቃለስ የድልየና። ከም ዜጋታት ኣብ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሕብረተሰብኣውን ንጥፈታት ሃገርና ተራና ክንጻወት ዉዱብ ቃልሲ የድልየና። ንመሰልና ንበይንና ደቂ-ኣንስትዮ ንቃለስ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ ፍትሒ በቶም ንፍትሒ ዝቃለሱ ሓይልታት እዩ ዝረጋገጽ። እኳ ድኣ ገለ ካባና ኣንጻር ጥቕመን ደው ክብላ ይኽእላ እየን። ንሪኦ ዶ ኣየለናን። ወላዲት ወላድ መኻን ኮይና ብመላኺ ስርዓት ህግዲፍ ደቃ ተመንዚዓ፡ ዝተረፉ ድማ ጭቆና መሪሩዎም ኣብ ፈቐድኡ ንስደትን ዉርደትን ተሳጢሖም ኣብ ዝሃለዉሉ ግዜ ገለ ደቂ-ኣንስትዮ “ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና” እናበላ ንመላኺ ከምልኻ ንርኢ ኣሎና። እዚ ተርእዮ’ዚ ኣንጻር ጥቕሙ ደው ዝብል ጭቁን ክህሉ ከምዝኽእል’ዩ ዝምህረና።

ብመሰረቱ መሰል ፍርቂ ኣካሉ ዝጓዕጸጸ ሕብረተሰብ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይክእልን። ፍርቂ ሰብኣዊ ዓቕምታቱ ዘይጥቀም ሕብረተሰብ ብቑጠባ ክምዕብል ኣይክእልን።

ምዕባለ ሓደ ሕብረተሰብ ብሃለዋት ደቂ-ኣንስትዮ እዩ ዝምዘን። ማዕረ ዕድል ኣብ ትምህርቲ፡ ማዕረ ዕድል ኣብ ስራሕ፡ መሰላት ኣደ ኣብ ግዜ ጥንሲን ሕርስን፡ ካብ እትወልዶም ክንደይ ይዓብዩ (Child Mortality) መዐቀኒ ምዕባለ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ እዩ።

ቅርጻ ሕብረተሰብ ካብ ሰድራቤት እዩ ዝጅምር። ኣቦኣ ንኣዲኣ ክሃርማ እናረኣየት ትዓቢ ህጻን ብሰብኣያ ዓመጽ ክወርዳ ንቡር ይመስላ። ኣቦኡ ንኣዲኡ ክሃርማ እናረኣየ ዝዓቢ ህጻን ንሰበይቱ ክሃርም ነውሪ ኣይመስሎን። መሰል ኣደ ዘይሕሉ ስድራቤታት ጥዕና ዘለዎ ሕብረተሰብ ክሃንጽ ኣይክእልን። ብሓጺሩ ብነንሕድሕዱ ዘይከባበር ስድራቤታት ዝቖመ ህዝቢ፡ ዲሞክራሲ ተኺሉ ክጠጥዕ ኣይክእልን። ዝለ’ዚ እምበኣር ፍትሒን ዲሞክራሲን ኣብ ስድራቤት እዩ ዝጅምር። መሰሎምን መሰል ኣዲኦምን ተሓልዩ ዝዓብዩ ቆልዑ፡ ኣብ ደገ መሰሎም ክገሃስ ኣይፈቕዱን እዮም። ኩሉ ደላይ ፍትሒ ንጨቆንቲ ስርዓታት ምንቃፍ ጥራሕ ዘይኮነ ፍትሒን ዲሞክራሲን ኣብ ስድራቤቱን መዓልታዊ ሂወቱን ከተግብር ይግባእ። ሽዑ እዩ ሓድነትን ጥርናፈን ናይ ዉጹዓት ህዝቢ ዝረጋገጽ። ሽዑ እዩ ሰላምን ፍትሒን ክሰፍን ባይታ ዝጥጥሕ።

ከም ኤርትራኣውያን ደቂ-ኣንስትዮ ናብ ፍሉይ ኩነታትና ክምለስ። ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ብረታዊ ተጋድሎና ዘበርከተቶ ዘደንቕ ግደ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ኣብ ገጠራት እንተ ግዒታ እንተ ሰንኪታ ተጋዳልቲ ዝዓንገለት፡ ደም ዉጉኣት ዝሓጸበት፡ ኣብ ከተማታት ውሽጣዊ ስርሒታት ክዕወት ዝገበረት፡ ኣብ ስደት ከዲማ ሰውራ ዝዓንገለት፡ ብዓቢኡ ኣብ ጎድኒ ኣሕዋታ ተሰሊፋ ብረት ዓጢቓ ዝተሰወአትን ዝሰንከለትን፡ ዉላዳ ንሃገር ዝወፈየት ታሪኻ ነባሪ ሓወልቲ እዩ። ድሕሪ እዚ ኹሉ መስዋእቲን ተወፋይነትን ግን ተጠሊማ እያ። ክንደይ ካብተን ሃገር ዘውሓሳ ጀጋኑ እየን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝማስና ዘለዋ? ክንደይ ንእስነተን ንሃገር ዝወፈያ እየን ኣብ ክንዲ ተኸቢረን ዝዓርፋ ዝስደዳ ዘለዋ? ዋላ እታ ስውእቲ ሓድጊ ክትገድፍ ዕድል ዝረኸበት ደቃ ኣበይ ኣለዉ? ክንደይ ደቂ ስዉኣት እዮም ኣብ ፈቐዶ ስደት ንዉርደትን ሕስረትን ተሳጢሖም ዘለዉ? ክንደይ ዉልዶ መንእሰያት እዮም ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለዉ? ክንደይ መንእሰያት ደቅና እዮም ከም ኣቕሓ ዝሽየጡ ዘለዉ። ክንደይ መንእሰያት ደቅና እየን ንሓደጋ ተሳጢሐን ክሳብ ነብሰን ኣብ ምሻጥ ወዲቐን ዘለዋ? ክንደይ መንእሰያት ደቅና እዮም ድሕሪ’ቲ ኹሉ መሪር ተመኩሮ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ምስበጽሑ ነፍሰ ቅትለት ዝፍጽሙ ዘለዉ? ክንደይ ኤርትራውያን እዮም ኣብ ፈቐድኡ ብጭንቀት ዝመጸ ናይ ሓንጎል ሕማማት ዝሳቐዩ ዘለዉ። ወሪዱና ዘሎ መከራ ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን።

እሞ ህሉዊ ሃለዋትና እዚ ካብ ኮነ፡ ጸገምና ክንፈትሕ፡ ኣብ ሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ነጊሱ ስደትን ዉርደትን ክብቅዕ እንታይ ንገብር ኣሎና?

እወ ልክዕ’ዩ ብኹሉ ኩርናዓት ዓለም ከም ህዝቢ ይኣክል ንብል ኣሎና። ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምፍንጫል፡ ይኣክል ንምንጽጻግ፡ ይኣክል ንትምክሕቲ፡ ንጠርነፍ ሓደ ኰና ንፍትሒ ሓቢርና ንቃለስ ንብል ኣሎና። እዚ ክቕጽል ኣለዎ። ብፍላይ ንሕና ደቂ-ኣንስትዮ ባህሪ ዝሃበና ጸጋታት ተጠቒምና ኣብ ምጥርናፍ ህዝብና ዓቢ ግደ ክንጻወት ኣለና። ሓብሓብቲ፡ ጸወርቲ፡ ፈቃራት ኢና። ግን ይኣክል መድረኻዊ ጭርሖ እምበር ህዝባዊ ዉደባ ኣይኮነን። ድሕሪ ዉድቀት መላኺ ስርዓት ሃገርና፡ ኣብ ምንቅስቓስ ይኣክል ዘሎ ህዝብና ነናብ ፖለቲካዊ ዝምባሌኡ ክኸይድ እዩ። ምስ ህዝብና ይኣክል እናበልና ተወዲብና ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ሓይሊ መሳርሒ ከይኮና ንመሰልና ባዕልና ክንቃለስ ይግባእ። ሕጂ እንምስርቶ ጥርናፈ ደቂ-ኣንስትዮ ኪኖ ዉድቀት ህግዲፍ ዝቕጽል እዩ። ኣብ ጎድኒ ኣሕዋትና ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣትዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምእንቲ ፍትሒ ደው ክንብል ኢና። ለበዋ ስዉኣት ነኽብሮ ኢና። ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣያቱን’ዩ። ፍሉይ ጉዳይ ግን ኣሎና። ንሕና እቲ ጭቁን ዝጭቁነና ኢና። ንዕቐትን ትምክሕትን ብኣሕዋትና፡ ብሰብኡትና፡ ብደቅና፡ ብኣኮናን ሓውቦናን ብሓፈሻ ብወዲ ተባዕታይ እዩ ዝወርደና። ብቐደሙስ ዘይሓዉና ኣበይ ረኺቡና። ትምክሕትን ጽቕጠትን እንከላይ በቶም ንፍትሒ ዝቃለሱ ኣሕዋትና እዩ ዝወርደና። ስለ’ዚ ንመሰልናን ማዕርነትናን ነብስና ወዲብና ብኣእጋርና ድው ኢልና ንቃለስ። ንኽእል ኢና። እወ ንኽእል። ከመይ ዘይንኽእል?

ዓላማና ክንዐውት ኣተሓሳስባናን ቋንቋናን ክቕየር ኣለዎ። ሰላም ናቱ ቋንቋ ኣለዎ። ዉግእ ናቱ ቋንቋ ኣለዎ። ናይ ሰላም ቋንቋ እና ተጠቐመ ዝተኻየደ ዉግእ የሎን። ብመንጽሩ ድማ ናይ ዉግእ ቋንቋ እና ተጠቐመ ዝተተኽለ ሰላም የሎን። ክንመሃረሉ እንኽእል ተመኩሮ ሕብረተሰባት ዓለም ብዙሕ እዩ ዘሎ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ሩዋንዳ ካብ ሚያዝያ ክሳብ ሓምለ 1994 ዝተፈጸመ ዘስኻሕክሕ ህልቂት ብናይ ዉግእ ቋንቋ እዩ ጀሚሩ። ሁቱን ቱትሲን (ክልተ ኣሕዋት ዓሌታት ሩዋንዳ) ብፋስ ክፈላለጹ ከለዉ ረድዮ ሩዋንዳ ብዝዘርገሖ ናይ ጽልእን ቂምን ቋንቋ እዩ ተበጊሱ። ፋሕ ኢልና ዘሎና ክንጥርንነፍን እቶም ንመላኺ ዘገልግሉ ዘለዉ ተረዲኡዎም ክጽንበሩናን ቋንቋና ዓዳሚ፡ ሓቛፊ፡ ኣሳታፊ ብሓጺሩ ናይ ፍትሒን ሰላምን ይኹን። ናይ ምፍንጫልን ቆዮቛን ቋንቋ ኔው ንበሎ። ፍትሒን ዲሞክራሲን ብናይ ቂምን ምንዕዓቕን ምንጽጻግን ቋንቋ ኣይህነጽን እዩ። ይኣክል ንብሎ ዘሎና ንኹሉ እቲ ድሑር ዝኾነ ኣተሓሳስባን ባህልን ትምክሕትን ይኹን። መሰል ደቂ-ኣንስትዮ ክኽበርን ፍትሒ ክነግስን ናይ ተባዕታዊ ትምክሕቲ ቋንቋ ብምውጋድ ንጀምር። ንኽእል ኢና! እወ ንኽእል። ከመይ ዘይንኽእል?

ኣብ ሕብረተሰብና ደቂ-ኣንስትዮ ዘቋናጽብ ኣዘራርባ ልሙድ እዩ። ንዝሓመቐ ሰብኣይ ሰበይቲ ኢሉ ይጽውዕ። ሕጂሞ ኸኣ ንመላኺ ሰርዓት ሃገርና ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክዳን ሰብይቲ ዝኸድን ስእልታት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝዘውር ኣሎ። ሰብኣይ እንተሓመቐ ሰበይቲ ድዩ ዝኸውን? ጨካን፡ ተንኮለኛ፡ መቃልስቱ ዝኣስርን ዝቐትልን፡ ሰብኣዊ መሰላት ህዝና ዝገሃሰን ስለዝኾነ ጓል-ኣንስተይቲ፡ እታ ኣደ፡ ፈቃር፡ ጽዋር፡ ሓብሓቢት ደቃ ይኸውን ማለት ድዩ? ንሕና ደቂ-ኣንስትዮ ኸ ሰብኡት ኔሮም ዝሓመቑ ዲና? ብኣንጻሩ ኸኣ ጓል-ኣንስተይቲ እንተ ነፊዓ ሰብኣይ ድያ ትቕየር? ዝነፍዐት “ሰብኣይ እያ” ትበሃል። እዚ ኣበሃህላታት እዚ ጓል-ኣንስተይቲ ሕማቕን ድኽምቲን እያ ካብ ዝብል ድሑር ኣተሓሳስባ ዝብገስ እዩ። ክነወግዶ ኣሎና። ብቛንቛና ንጀምር።

ሕብረተሰብና ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ጓል-ኣንስተይቲ ኣይርእይን’ዩ። ስለዝኾነ ኸኣ ኩለን ዉድባት ሓይልታት ተቓዉሞ ሕጂ ቁሩብ ይመሓየሽ እኳ እንተሃለወ ብደቂ-ተብዕትዮ ተዓብሊሉ ጸኒሑን ኣሎን። ዉሑዳት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ናይ ምምራሕ ደረጃ ክበጽሓ ንርኢ ኣሎና። ኣወንታዊ ምዕብልና እዩ። ንኣብነት ኣነ ኣብ ዘለኹሉ ሰልፊ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ሾመንተ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ማእከላይ ባይቶ ሓንቲ ድማ ኣብ ፈጻሚት ሽማግለ ኣለና። ኣብ ካልኦት ዉድባት’ውን ሓደ ሓደ ኣለዋ እየን። ግን ካብኡ ንላዕሊ ክንከይድ ኣሎና።

ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ፖለቲካዊ ቓልሲ ክትሳተፍ ድሑር ባህልና ዘይንቡር ይወስዶ። በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ ዋላ’ዉን ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝተፈልየ ርእይቶ ንዘለዋ ኣብ ክንዲ ንሓሳባ ምግጣም ጸርፍታት ብዛዕባ መልክዓን ስርሓታን ዝወርዳ። ኣገልገልቲ መላኺ ኤርትራ ዝኾኑ ደቂ-ተባዕትዮ ሓንኳላት፡ ሸውራራት ክበሃሉ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን። ንሕና ግን ብመልክዕና ንምዘን። ብቐንዱ ኸ ንመሰልና ክንቃለስ ጽቡቓት ክንከዉን ቅድመኩነት ድዩ? ሰብኣዊ መሰላት ንጽቡቓት ጥራሕ ድዩ ዝግባእ። እወ ልክዕ ከም ደቂ-ተባዕትዮ ጽቡቓት፡ ክፉኣት፡ ሓጸርቲ፡ ነዋሕቲ፡ ቆርጫጫት፡ ዛውያታት፡ ሓንኳላትን ዘይ ሓንኳላትን ኢና። መሰልና ኸኣ ብቓልስና ክነረጋግጽ ኢና። ንኽእል ኢና።

ንሕና ደቂ-ኣንስትዮ’ዉን ኩሉ ጸገማትና ን ደቂ-ተባዕትዮ ክነሰክሞም የብልናን። ድሕረት ካብ ነብስና ክንድምስስ ክንቃለስ ይግባእ። ድኹማትን ጎደሎን ከምዘይኮና ብተግባር ነርኢ። ኣብ ናይ ምምራሕ ደረጃ ክንበጽሕ ክንሳተፍን ተመኩሮ ክንድልብን ይግባእ። ብመሰረቱ መሰል ብቓልሲ ዝረጋገጽ ኣምበር ህያብ ዝወሃብ ኣይኮነን። ስለዚ ንለዓል፡ ንቃለስ፡ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትና ተጠቒምና ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ኣድማዒ ተራ ንጻወት። ነብስና ወዲብና ንመሰልና ንቃለስ። ንኽእል ኢና። ከመይ ዘይንኽእል?

ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ የቐንየለይ።

ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝትከል ዲሞክራሲ የሎን!

ምልኪ ይፍረስ!

ፍትሒ ይንገስ!

ኣስገደት ምሕረትኣብ ካብ ካሊፎርኒያ

2-8-2020

Last modified on Tuesday, 18 February 2020 08:49