ካብ ምስምማዕ፡ ናብ ግብራዊ ድማዕ

2020-02-17 07:16:02 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1638 times

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ደንበ “ንመጻኢ እንታይ ይሕሰብን ይበሃልን ኣሎ” ዝብል ሕቶ እንተ ኣቕሪብካ እቲ ቅድሚት ዝስራዕ እዋናዊ መልሲ “ንዝፈላልዩና ኣመሓዲርና፡ ነቲ ዘሰማመዓና ኣበሪኽና፡ ንምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን፡ ንማዕረ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራን ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላትን፡ ብሓባር ክንምርሽ ድሉዋት ኣለና” ዝብል ምዃኑ ኣብ ኩሉ መድረኻት ክቃላሕ ንሰምዖን ንዕዘቦን ዘለና እዩ።

ከም ውጽኢት ናይቲ ከነካይዶ ዝጸናሕና ብዘገምታዊውነቱ እንነቕፎ ብውረድ ደይብ ዝተሰነየ፡ ናይ ቃልሲ ጉዕዞና ኣብዚ ምብጻሕና ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ዘለናዮ ኩነታት በዚ ዓጊብና እንዛነየሉ ዘይኮነ፡ ካብ ተመኩሮና ተማሂርና፡ ኣብቲ ወሳኒ ሸቶ ንምብጻሑ ቅልጡፍን ወሳንን ቃልሲ ይጽበየና ከም ዘሎ ወርትግ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ነዚ ዘለናዮ ህዱእ ናይ ምርድዳእ ኩነታት ከም ሓደ ተስፋ ዝህብ ኣውንታዊ ስጉምቲ ወሲድካ፡ ናብቲ ቀጻሊ ዕማም ሮማዕ ኢልካ ትጐዓዘሉ ዘይኮነ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ናይ ጣማጣማ ስጉምትታት ምውሳድ ዝጠልብ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ለይትን መዓልት ክበሃል ብዝኽእል ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ዘለዉዎ ኩርነዓት ዓለም፡ ብዙሓት ኣኼባታት ይካየዱ ኣለዉ። እዞም ኣኼባታት ብብዝሒ ተሳተፍቲ እናሓደሩ ዝስስኑ ጥራይ ዘይኮኑ ናይቲ ዝዝረበሉ ዛዕባታት ብስለትን ናይቶም ተሳተፍቲ ሓልዮትን ሓላፍነትን እውን እንዳሓደረ ይዓቢ ከም ዘሎ ምዕዛብ ይከኣል። እቲ ኣብቲ በበዓይነቱ ርክባትን ኣስተምህሮታትን ዝዝረበሉ ዛዕባታት ናይ መልክዕን ኣቀራርባን እንተዘይኮይኑ፡ ብትሕዝቶ ዘይፈላለ፡ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ሓቢርካ ምቅላስ ዝማእከሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ ናይዞም ርክባት ዝወጹ፡ መግለጽታት፡ ኣዋጃትን ጋዜጣዊ ዋዕላታትን ከኣ ቅሩብነትን ድሉዉነትን ተሳተፍቲ ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ ዘንጸባርቑ እዮም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋሽንግተን ዝተኻየደ ርክብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ዘስፈሮ መልእኽትን ከኣ ነዚ ከም ኣብነት ዝጠቀስ እዩ። ኣብዚ ምስትውዓል ዘድልዮ ጉዳይ ኣብ ሓደ ጉዳይ መርገጺ ክንሕዝን ነዚ መርገጺ ክንእውጅን እንከለና፡ ናይቲ ቅድሚኡ ዝተኼደ መንገዲ መሊሱ ዘረጉድ ምዃኑን ዘይምዃኑን ምስትብሃል እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ እቲ ምምልላእ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። ምኽኝያቱ እዚ ዘለናዮ እዋን፡ እንተሃላለዀሉ ዘይኮነ እንመላለኣሉን እንደጋገፈሉን እዩ።

ናይ ክሳብ ሕጂ ትዕዝብትታትናን መጽናዕትታትናን ምስዚ ናይ ቀረባ ግዜ ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዛሚድና ክንመምዮ እንከለና፡ ኣብ ድሮ ናይቲ ዘይተርፍ ለውጢ ኢና ዘለና። እቲ ጉጅለ ህግዲፍ ብኹሉ መለክዒ ተረቲዑ ክነሱ፡ ኢሳያስ ግና ናብ ግዳም እንዳማዕደወ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጥሮ ዘሎ ብደዐን ጭቆናን ምዝያዱ፡ ከም ናይ ኣጋ ወጋሕታ ድቕድቕ ጸልማት ክምሰል ዝኽእል እዩ። እዚ በጺሕናዮ ዘለና ኣብ ናይ ሓባር ጉዳይና ናይ ምስምማዕ ኣንፈት፡ ብትብዓትን ብሓላፍነትን እንተሒዝናዮ፡ ከድምዕ ዝኽእል ኩነታት፡ ኢሳያስ ፈትዩ ዝተኾበልና ዘይኮነ፡ ውጽኢት ቃልሲ ናይቲ ደላይ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ህዝቢ ኤርትራን ውዱብ ናይ ለውጢ ኣካላቱን እዩ። እቲ መንገዲ ሎሚ ሒዝናዮ ኣለና፡ ምእንቲ ከነድምዕ ከኣ በቲ መንገዲ ንቕድሚት ብናህሪ ክንስጉም ይግበኣና።

ጉዳይ ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ከነልዕል እንከላና ምጥቃሱኳ ዘይተርፍ እንተኾነ፡ ደጊም ናቱ ሃተፍተፍ ወሲኽካ ክንድቲ ዝኣኽሎ ተቓሊዑ ስለ ዝኾነ፡ ከም ዓብይ ጉዳይ ንሻቐለሉን ካብ ግዜና ብዙሕ ንስለዓሉን ኣይኮነን። ዕንጸይቱ ከም ዝወደአ መጋርያ ሓዊ እንዳሓደረ ዝቕህም ዘሎ እዩ። ናይዚ ቀረባ ግዜ ዓዘፍዘፉ ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። ሎሚ ኢሳያስ፡ ጸረ-ልኡላውነት ኤርትራ፡ ጸረ-ክብርን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳዩ ዘየድመዐ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ኣእትዩ ሓዊ ምእጓድ ዝመረጸ፡ ብዘይ ህውከትን ዕግርግርን ክነብር ዘይክእል፡ ብድምሩ ከኣ ብኣሉታ ዝተላዕጠጠ፡ ሃሰስ ኢልካ ቅንጣብ ኣውንታ ዘይትረኽበሉ ኣዕናዊ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን ናይ ሓባር ተረድኦ ዝተታሕዘሉ እዩ።

ኢሳያስን ኣተሓሳስባኡን ክሳብ ክንድዚ ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳይ ምስኣኑ፡ ዓወትና ዘቀላጥፍ እምበር፡ ባዕሉ ዓወትና ከም ዘይኮነ ንስሕቶ ኣይኮነን። ዓወትና ዝረጋገጽ ካብዚ ዓዳጋይ ዝሰኣነ ጨቋኒ ኣካይዳ ዲክታተር ዝበረኸን ኣርሒቑ ዝጥምትን ኣተሓሳስባ ተዓጢቕና ኣብ ተግባር ክንበልጽ እንተበቒዕና ኢና ተዓዊትና እንብል። እቲ ኣብ ንመጻኢ እንታይ ክግበር ከም ዝግበኦ ምስምማዕና፡ ሓደ ኮይኑ ነዚ ብግብሪ ትካላውን ሓባራውን መልክዕ ኣትሒዝና ከነውሕሶ ክንበቅዕ ይግበኣና። እሞ ከኣ ንጽባሕ ከይበልና ሎሚ ከነመዝግቦ ንብቃዕ። ናብዚ ንምብጻሕ እቲ መተካእታ ዘየብሉ መንገዲ ብመትከል “እንካን ሃባን” ዝምራሕ ዘይስልኪ ዘተን ዘተን ጥራይ እዩ። እነካይዶ ዘተ ነቲ እንእምሞ መዋጸኦ ሓሳብ ዘህብትም ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓያል መተግበሪ ዓቕሚ እውን ዝፈጥረልና እዩ። ዘተታትና ግልጽነትን ሓላፍነትን ዘለዎ፡ ዘይተደላይ ግዜ ዘየባኽን ክኸውን ይግበኦ።

Last modified on Monday, 17 February 2020 08:22