ኤርትራውያን፡ 'ምሩኻት' ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ጂቡቲን ናብ ካናዳ ኣትዮም

2019-08-31 07:10:39 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1783 times

'ምሩኻት ኲናት' ዶባዊ ግጭት ኤርትራን ጂቡቲን Image copyright Elsa Chyrum

ኣብ ጂቡቲ፡ ንኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ 'ምሩኻት' ኤርትራውያን ከም ስደተኛታት ናብ ካናዳ ኣትዮም።

እቶም 19 ኤርትራውያን፡ ካብ 2008 ክሳብ 2016 ከም ምሩኻት ኲናት ን8 ዓመታት ብመንግስቲ ጂቡቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ'ዮም።

ኤርትራን ጂቡቲን ብጉዳይ ምስሕሓብ ዶብ ኣብ 2008 ናብ ኲናት ኣትየን ምንባረን ይዝከር።

ኣብቲ ዓመት ዝተኻደ ውግእ፡ ጂቡቲ ነቶም 19 ከም ዝማረኸትን፡ ኤርትራ ዝማረኸቶም ወታሃደራት ጂቡቲ ከም የዘለዉ'ውን ክትገልጽ ከምዝጸንሓት ተሓላቒት ሰባዊ መሰላት፡ ኤልሳ ጭሩም ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እንተኾነ ግን፡ ኤርትራ፡ ዝተማረኻን ዝማረኸቶን ወታሃደር ከም ዘየለን ክትገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብመንጎኝነት መንግስቲ ቐጠር [ኳታር] ኣብ 2016፡ ኣርባዕተ ወታሃደራት ጂቡቲ ፈቲሓ።

መንግስቲ ጂቡቲ ብወገኑ፡ ነቶም ከም ምሩኻት ሒዝዎም ዝጸንሐ ኤርትራውያን፡ ሃገሮም ስለዘይኣመነትሎም ኣብታ ሃገር ከም ሓተትቲ ዑቕባ ኮይኖም ክጸንሑ ፈቲሕዎም።

"ማሕበርና ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ጂቡቲ፡ ንዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር፡ ካብ 2013 ጀሚርና፡ መንግስቲ ጂቡቲ ይቐረ ኢሉ ክፈትሖምን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱን ክንጉስጉስን ክንላቦን ጸኒሕና ኢና። መወዳእትኡ ግን፡ መንግስቲ ጂቡቲ ኣብ 2016 ይቕረ ኢሉሎም፡ ካብኡ ድማ ዝወስድኦም ሃገራት ክድለየሎም ክሳብ ሕጂ ጸኒሖም፡ ኣብ መወዳእታ ካናዳ ተቐቢላቶም" ትብል ዳይረክትር ናይቲ ማሕበር ወይዘሮ ኤልሳ ጭሩም።

ኤርትራ ኣፍልጦ ስለዘይሃበቶም፡ ''ሃገር-ኣልቦ'' ኮይኖም ከም ዝጸንሑ ወይዘሮ ኣልሳ ሓቢራ።

ኣብ ጂቡቲ ከም ምሩኻት ኲናት ተኣሲሮምሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ኣብ ጋዳን ዝተባህለ ጹኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዞም ምንባሮምን፡ ንፈለማ ግዜ ብኣካል ክትረኽቦም ዝኸኣለት ኤርትራዊት ምንባራ'ውን ኤልሳ ገሊጻ።

ኤልሳ ጭሩም (የማን) ኣብ መጋባእያ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ውሕሃ 2019 Image copyright UN Web TV ናይ ምስሊ መግለጺ ኤልሳ ጭሩም (የማን) ካብ ማእሰርቲ ዝወጽእሉ መንገድታ ንምንዳይ ክትጽዕር ዝጸንሐት ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት'ያ

ኣተሓሕዘኦም ሕማቕ ብምንባሩ'ውን፡ ገለ ካብኦም ናይ ጥዕና ጸገማት ከም ዘጋጠሞምን፡ ኣብ ካናዳ፡ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ሬድኤት ይግበረሎም ከም ዘሎን ጠቒሳ።

ብሰንኪ እቲ ዶባዊ ኲናት፡ ጂቡቲን ኤርትራን ዲፕሎማስያዊ ዝመድንአን በቲኸን'የን ጸኒሐን። ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ስዒቡ ግን፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዘ ንፈለማ እዋን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ናብታ ሃገር ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ጂቡቲ ተዘራሪቡ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ዛጊት ዲፕሎማስያዊ ይኹን ካልእ ርክባተን ናብ ንቡር ኣይተመልሰን ዘሎ።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ገደብ ኣልቦ ዕስክርና፡ ሃይማኖታዊ ምስዳድ ይኹን ካልኦት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሃዲሞም ናብ ስደት ክውሕዙ ጸኒሖም'ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ጠንቂ ናይቲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ጎንጺ ዘምረሐ ዶባዊ ምስሕሓብን፡ ስደት መንእሰያትን፡ ብምዕራባውያን ሃገራት ኮነ ኢልካ ዝተወጠነን ዝተወደበን "ውዲት" ክብል የማርር።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-49531784

Last modified on Saturday, 31 August 2019 09:13