ዞባ ሽማግለ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ምሉእ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ
2018-02-19 06:14:28 Written by ቤት-ጽሕፈት ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2464 timesብቀዳም ዕለት 17 የካቲት 2018 ዞባ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ምሉእ ኣባላት ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ መሰረታት ካብ ኣመሪካን ካንዳን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣብዘን ዝስዕባ አርእስታት ተመያይጡን ስጕምቲ ወሲዱን፤
1.ድሕሪ ህጹጽ ጉባኤ፣ ኣብ ዞባና ቀይዲ በተኻዊ ዕንደራ ኣብቂዑ ናብ ንቡር ቦቱኡ ተመሊሱ ሓዳስ መሪሕነት ዞባ ድማ መደባታ ሰሪዓ ናብ ስራሕ ምውፋራ መሰረታት ኣሞጒሶም። ኣኼበኛ ንሓደስቲ ኣባላት መርሓባ ኢሉ ንውሳኔኦም መጕሱ። ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ብምስታፍ እጃሙ ከበርክት ከኣ ወሲኑ።
2.መሪሕነት ሰልፊ እስትራተጂካውያን ዝኾኑ መደባት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ተበጊስሎም ዘሎ ብዑምቆት ዘቲይሎም። ንምትግባሮም ውፈያታት ክገብር ውሲኑ። ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኽቡ $5,000.00 ኣዋጺኦም። ገና እቲ ናይ ውፈያ ጎሽጓሽ ክቅጽል እዩ። መሰረታት ንሰልፎምን ንመሪሕነቱን ከዕጥቑ ኣብ ዝኾነ ግዜ ቅሩባት ምዃኖም ኣስሚሮምሉ።
ናይ ህዝቢ ድሌት ኣይግታእን እዩ!
ክንዕወት ኢና!
ቤት-ጽሕፈት ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
18 የካቲት 2018