ሶሻል ዲሞክራስያዊ ሰልፊ መአከቢ ቦታ ናይ ማሕበር ኤርትራውያን ተጠቒሙ

2016-09-16 08:28:53 Written by  አክስፕረሰን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2644 times

14 መስከረም 2016

ሶሻል ዲሞክራስያውያን ዞባ ሶልና ናይ መፈለምታ (kick off) ርክቦም ኣብ ክለብ ናይቲ ንስርዓት ኤርትራ ዝድግፍ ማሕበር ገይሮም። ብኡ ምኽንያት ድማ ይንቀፉ ኣለዉ። ኣባል ሽማግለ ተቓዋሚ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራሲ ኣብ ሶልና ዝኾነ ኣርነ አበርይ ይብል ንሕና ብጣዕሚ ተሪር ዝኾነ ነቐፌታዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ ናይ ኤርትራ ዲክታቶር ኣሎና።

ሶሻል ዲሞክራስያውያን ናይ ዞባ ሶልና ብዕለት 5 መስከረም ሰልፋዊ ኣኼባኦም ንኽገብሩ ናይ ማሕበር ኤርትራውያን መአከቢ ቦታ እዮም ተለቂሖም። ኣብቲ ኣኼባ ዝተቐረበ መግቢ በቲ ኤርትራዊ ማሕበር ኢዩ ተዳልዩ። ነዚ ኣገባብዚ ብኣባል ባይቶ ሽወደን (ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ) ዝኾነ ሓኒፍ ባሊ ተሪር ነቐፌታ ተገይሩሉ። እቲ ማሕበር ሰዓቢ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኮይኑ መሳርሒ (extended arm) ናይቲ ዲክታቶር ኢዩ ይብል ሓኒፍ።

ሽወደናዊ–ኤርትራዊ ኣርሀ ሓምድናካ፡ ሶሻል ዲሞክራስያዊ ኣባል ባይቶ ሽወደን እውን እቲ ማሕበር ደጋፊ ስርዓት ኤርትራ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። እቲ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልክዕ ከም ካልኦት ተመሳሰልቲ ማሕበራት ካብ ከተማ ሶልና ፋይናንስያዊ ሓገዝ ክግበረሉ ጸኒሑ ኢዩ። ይኹንምበር ቅድሚ መአከቢ ቦታ ምሓዝ ቁሩብ ምርምር እንተዝግበር ኔሩ ምሓሸ። እዚ ካብቶም ነቲ ስርዓት ዝነጽጉ ናይ ሶልና ብጾተይ ዝተረኽበ ስሕታን ኢዩ።

እቲ ክለብ ንዝተፈላለዩ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ዝሃበ ኢዩ

ኣባል ሽማግለ ተቓዋሚ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራሲ ኣብ ሶልና ዝኾነ ኣርነ አበርይ፣ እቲ ክለብ ብዙሕ ግዜ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክግልገለሉ ከም ዝተጸንሐ ይነግር።

እቲ ክለብ ዝተፈላለዩ ተጠቀምቲ ቀጻሊ ክግልገሉሉ ጸኒሖም እዮም። ሶሻል ዲሞክራስያውያን ንኣባላትና መግቢ ኣዚዝና። ኣባላት ኤርትራዊ ማሕበር ካብ ነቲ ዝርዝር መግቢ (menu) ምግላጽ ሓሊፎም ኣብቲ ኣኼባና ኣይተሳተፉን።

ደጊሙ  ብምምልካት ድማ ሶሻል ዲሞክራስያውያን ዞባ ሶልና ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከም ዝነጽጉ ይነግር። ዳዊት ኢሳቕ ብቕጽበት ነጻ ክልቀቕ ንዝግበር ጠለባት ከም ንድግፍ ከኣ ብሩህ ኢዩ።

ቅርሕንቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ስርዓትን ተቓወምትን

ኣብ መንጎ ደገፍቲ ስርዓትን ተቓወምትን ሰፊሕ ዘይምቅዳው ኣሎ። ብኣባሃህላ ውድባት ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ኤርትራ ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እስረኛታት ከም ዘለዉ ይግለጽ፣ ኤርትራዊ–ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ሓደ ካብኦም እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተደናገጽቲ ናይ ሰበ ስልጣን ኤርትራ ግን ደሪቖም ምጽላም ሃገር ኢዩ ይብሉ።  

Last modified on Friday, 16 September 2016 10:35