ሕነ ቀራናትሲ ንጓዕማማት

2016-09-20 20:40:15 Written by  ኣ.ተ፡ ደጋፊ ሰደህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2673 times

ገለገለ ጽሓፍቲ ንመስከረም.ነት መሽረፈት.ነት ክብልዋ እሰምዕ ኢየ። ስለምንታይ ከምኡ ይብልዋ ብልክዕ ኣይፈልጦን ኢየ። ብግምት ግን፡ መጥቃዕቲ ኣንጻር ስርዓት ህግዲፍ ክብርትዕ እንከሎ፡ መስከረም.ነት ነቲ ረስኒ ንምዝሓል ይሕግዝ እዩ ዝበለቶ ገለ ሓጸርቲ ሓረጋት ኣብ ዓምዲታታ ብምስፋር ነቲ ኣድህቦ ናብ ካልእ ኣንፈት ገጻ ክትቅልብሶ ስለእተደሊ እያ ትኸውን ዝብል ትርጉም ኢየ ዝህቦ። እቲ ካልእ ትርጉም ድማ፡ ከም መሽረፈት፡ ናብዝን ናብትን ምባል ዘይትጽገም፡ ተዓጻጻፊት፡ ተበላጺት ማለቶም ይኸውን። እቲ ትርጉም ክልቲኡ ንመስከረም.ነት ዝገልጽ ስለዝኾነ ብወገነይ ቅቡል ኢዩ። ካልእ ምስኣ ዝኸይድ ስም ድማ መጣቖሲት.ነት ዝብል ኣሎ። ኩሉ ድማ ንባህርያታን ዝገልጽ ኢዩ።

 

መጣቖሲት.ነት ኣብ’ቲ ቀንዲ መኽፈቲ ገጻ፡ ዝተፈልየ ርእይቶ ዘይቅበል፡ ወይ ምሳና ኹን ወይ ትቕንጸል፡ ትርሸን: ዝብል "ተቓውሞ"  ንመቓልስቱ ብኸምዚ ካብ ቀንጸለ፡ ፍሉይ ርእይቶ፡ ተቓውሞ ንዘለዎ ካልእ ዜጋ'ዘረባ የብሉን።”ዝብል ሓረግ ኣስፊራ፡ ኣብ ትሕቲኡ ድማ፡ ኣማኒኤል ኣሰና ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ዝርከቦም ውልቀሰባትን ፓልቶክ ሩማትን ክርሸን ከሎ ዘርኢ ስእሊ ኣስፊራ ትርከብ።

 

ሰደህኤ፡ “ዝተፈልየ ርእይቶ ዘይቕበል” ተባሂሉ ዘኽስሶ ኣንጻር ኣማኒኤል ኢያሱ፡ ዋና ኣሰና.ኮም፡ ዘካየዶ ብወገነይ ዝፈልጦ መጥቃዕቲ ወይ ወፈራ የብለይን። እንተልዩ ድማ፡ ካብ መሽረፈት.ነት ክሰምዖ ምፈተኹ። ሰደህኤ፡ እትረፍ’ዶ ንመርገጹ ንጹር ዝኾነ ተቓዋማይ ኣማኒኤል ኢያሱ፡ ነቲ ኣደናጋሪ መርገጽ ዘለዎ ዋና መጣቖሲት.ነት ዝኾነ ኣለም ጎይትኦም እኳ ክዘልፍ ሰሚዐ ኣይፈልጥን እየ። ከምኡ ውን፡ ሰደህኤ፡ ንኽልቲኡ ባንዴራታት ተቐቢሉ ኣብ ኩሉ ዘካይዶ ንጥፈታቱ ከም መለለዪኡ ገይሩ ክጥቀመሉ እየ ዝርኢ። ስለዚ፡ ንኣማኒኤል ኢያሱ ካብ ምጥቃዕ ይኹን ባንዴራ ካብ ምንዳድ ሰደህኤ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?!! ብወገነይ ዝርኣየኒ ዝኾነ ይኹን ረብሓ የልቦን።

 

 

ሰደህኤ ምስ ኣማኒኤል ኢያሱ ክገራጮ ግን፡ መሽረፈት.ነትን ጎይቶታን ዝምነይዎን ዝጽበይዎን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ እያ ውን መጣቖሲት.ነት ናይ ምስሳይ ስርሓ ከይተርፋ ብጎይቶታ ዝተባህላ ክሲ ከም ዑፍ ደጋሚት (ፓፓጋሎ) ክትደግም ትርአ ዘላ። ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽክዎ፡ ዋና መጣቖሲት.ነት፡ ናይ ምስሳይ፡ ምድላል፡ ናይ ኮምፕራዶር ተራ ምጽዋት ባህርያት ከምዘለዎ ተመኩሮኡ ዝፈልጥ ሰብ ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ታሪኹ፡ ምስ ስልጣን ዘለዎ ሸነኽ ተጸጋጊዕካ ምኻድ ምዃኑ ንኹሉ ታሪኹ ዝተኸታተለ ሰብ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

 

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰደህኤ፡ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኣምን እውጅ መርገጽ ዘለዎ ውድብ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዶባት ሰጊርኩም፡ ተቓዊምኩምኒ፡ ክሒድኩምኒ እናበለ ዝቐትልን ዝርሽንን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ገዲፍካ “ሕነ ናይ ቀራናትስኢ ንጓዕማታት” ከምዝበሃል፡ ንሰደህኤ ብምርሻን ምኽሳስ እንታይ ኣምጽኦ?

 

ክሲ መጣቖሲት.ነት ኣብ ከባቢ’ቲ ጉጅለ 15ን ናጻ ጋዜጠኛታትን ዝተኣሰርሉ ዕለት 18 መስከረም 2016 ምምጻኡ ድማ፡ ካልእ ሕቶ ዘልዕል ኣገዳሲ ነጥቢ እዩ። ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ወይዘሮ ኪታ ሩት፡ ተወካሊት ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራን ካልኦት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራትን ብዛዕባ እቶም ካብ ዝእሰሩ ድሃዮም ዘይፍለጥ ኣባላት ጉጅለ 15ን ናጻ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓትሉን ዝጽሕፍሉን ዘለዉሉ ወቕቲ መሽረፈት.ነት ኣንፈት ህዝብን ዓለምን ንምልዋጥ፡ ንሰደህኤ ብዘየለ ነገር ምኽሳሳ ንሓቀኛ ናይ ምስሳይ፡ ምጥቋስን ኣንፈት ምቕያርን ባህርያታ ዘጋልጽ እዩ።

 

መጣቖሲት.ነት፡ ምኽሳስ፡ ምጽላም፡ ምጥቋስ፡ ጽሓፍን ስምን ዘይብሉ ቁርጽራጽ ሓረጋት ምልጣፍ እንተዘይኰይኑ፡ ህዝቢ ዝምሃረሉ ትሕዝቶ ንኣንበብቲ ከተቕርብ ርእየያ ኣይፈልጥን።


ኣብ መደምደምታ፡ መጣቖሲት.ነት ኣገልጋሊት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ደኣምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተሓላቒትን ቀዳመይቲ ናይ ተቓውሞ መርበበ ሓበሬታ ተባሂላ ዘጸዉዓ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ከምዘይርኣኹ ክምስክር እፈቱ። ምኽረይ ድማ፡ “ካብ ሳዕሳዕካስ ተቖጻጸ” ኢዩ እሞ፡ ኣንዳዕዲዓ ኣገልጋሊት ስርዓት ህግደፍ ምዃና ብኣዋጅ እንተትገልጽ ምሓሸ። ገመል ሰሪቕካ ጉንብሕ ጉንብሕ ግን ፋይዳ የብሉን።

 

ኣ.ተ፡ ደጋፊ ሰደህኤ

Last modified on Tuesday, 20 September 2016 22:48