መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ህዝቢ ዘደናግረሉ ጥበብ

2016-09-13 19:17:32 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2380 times
መለኽቲ ስርዓታት ንህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእትዮም፥ሕራይ” ኢሉ ከም  ዝግዘኡሎም ንምግባር ዘይፍሕትርዎ መሬትን ዘይፍንቅልዎ እምንን የለን። ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ምናልባት ብገለ ደርጃታት ይፈላለዩ ይኾኑ እምበር ዝጥቀሙሉ ሜላታት ዳርጋ ዝመሳሰል እዩ። ቀንዲ መደቦም ከኣ ህዝቢ ንክርዕድን ንኽፈርህን ሓበረታ ሰኒዖም ከም ዝንብርከኽ ምግባር ዝጥቀሙሉ ሜላ ዓመጽ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኮንዶኾን ይሓልፍ ይኸውን ብምባል ነቲ ኩሉ ኣደራዕ፡ ሽግር፡ ጸበባን ከርፋሕ ናብራን ንገለ ግዜ ክጻወርዎ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ውሽጦም ኣዝዩም ስሱዓትን ተበለጽትን ስለዝርከብዎም ከኣ ነቲ ስርዓት ተዋሳኺ ሓይሊ ኢዮም ዝኾንዎ ብኣኣቶም ኣቢሉ ከኣ ብዙሕ ክዝረግሓሉ ዝደልዮ ተንኮላት የዋፍሮም።
 
ስለዚ መለኽቲእቲ ህዝቢ ተንበርኪኹ ሕራይ ኢሉ ከም ዝኣምኖም ንምግባር ዝሕግዞም ቀዳማይ ነጥቢ ፍርሒ እዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ምስ ዝኣቱ እቲ መላኺ ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕ ቀንዲ ረቛሒ ይኸውን። ብተወሳኺ ከኣ ወግሐ ጸብሐ ናይ ጥበራ ኣገባብ እውን ይጥቀም። ንኣብነት  መላኺ ስርዓት እሰያስ ኣብ ፈቐዶ ሓጽብታትን ሕርሻታትን ንይምሰል ዝንቀሳቐሶ ንሱ ጥራሕ ነታ ሃገርን ህዝባን ዝሓሊ ኮይኑ ንኽረአ ዝገብሮ ጉርሒ እዩ። እዚ ከኣ ነቲ ኣጠማምታን ቀልብን ናይቲ ህዝቢ ንምስላብ ዝገብሮ ትያትሮ እዩ።
 
መለኽቲ ነቲ ጭቡጥ ዝኾነ ህዝቢ ብቐሊሉ ክኣምነሉ ይኽእል ኢሎም ዝግምትዎ ጉዳያት እንድዮም ሃሰስ ኢሎም ዝጥቀሙ። ንኣብነት እቲ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሓምሳታት ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ጎስያ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሻረወቶ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ውግእ ብሰንካ ምዃኑ እቲ ህዝቢ ስለዝፈልጥ ክሳብ ሎሚ ይምዝምዝዎ። ንዝኾነ እቲ ዝቃወሞ ኣካል ድማ ብእኩብ ይኹን ብውልቀ እንታይ እዩ ንዕኡ ከፍሽል ዝኽእል ብዝብል ሃሰውሰው ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘእምን ዝመስል ሓሳባት ወይ ነጥቢ የቐልቅል። ንኣብነት ሃይለ ድሩዕ ኣብቲ  ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ውግእ “ተጠላቒና” ኢሉ ኣብ እኩብ ህዝቢ ምዝራቡ፥ ኢሰያስ ነቲ ባዕሉ ዝጻሕተሮ ውግእን ሃገራት ካብቲ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ መሬት ክትለቅቅ ተባሂሉ ምእባዩን ህዝቢ ከይፈልጦ ንኽዓባብጥ፥ ግርም ገይሩ ተጠቒሙላ እዩ። በዚ ዝኣክል ከኣ ንጉጅለ 15ን ካልኦትን ከም ከዳዕቲ ሃገርን ምስጢር ንወያኔ ዝሃቡን ኣምሲሉ ኣብ ህዝቢ ከቕርቦ ከሎ ዝተወሰነ ካብ ህዝቢ ንግዜኡ  ካኣምኖ ክኢሉ እዩ።
 
ካልኣ ጉዳይ እቶም ከሎ ጋና ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ 1991 ኣትሒዞም ነቲ ስርዓት ብግቡእ ዝፈለጥዎ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን” ክብል ከሎ፥ ነቲ ህዝብና ኣብ ግዜ መግዛኣቲ ዘሕለፎ ስቓይን መከራን ሕጂ ሰላም ብምርካቡ ንሰላሙ ይዘርጉ ኣለዉ ከብል ከኣ ተጠቂምሉ። ሕጂ እሞ ከኣ ብዝገደደ መልክዑ ወዮ ንሱ ምስ ወያኔ ኮይኑ ሃገራዊ ሓይሊ ከምዘየጥፈኣን፥ ንዝቃወምዎ ባይታ ከምዘይከልአን፥ ተመሊሱ ነተን ውድባት ኣብ ኢትዮጵያ መቃለሲ ባይታ ክኾነን ዝመረጻ ከም መጋበርያ ወያነወይጦታትከዳዓት ብማለት ንሱ ዝገብሮ እኩይ ተግባራት ህዝቢ ከየስተብህለሉ ንምኽዋል፡ ነተን ውድባት ብሰንኪ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ግርም ገይሩ ንህዝቢ መተኣማመኒ ጭብጢ ተኾነኒ ኢሉ የደናግረሉ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ በቶም ንዕኡ ከም ኣምላኽ ዘምልኽዎ ዝጽሕፍዎ ጽሑፋትን ዝዝርግሕዎ ኣዕናዊ ፕሮፓግንዳን ኣቢሉ ንሓይሊ ተቓውሞ ክበታትኖ ዝገብሮ ጻዕርን ፋሕተርተርን ብዙሕ’ዩ ሓደ ካብቶም ዕሉላት ደገፍቲ እዚ ዝስርዓት ኣቶ ተስፋማርያም ሓጎስ 21-05-2016 ኣብ ተስፋ ኒይውስ ዝጸሓፎ ሓደ ብሓደ ንእንታይነት እቲ ስርዓት ኣብ ጥበራን ፈኸራን ይገብሮ ዘሎ ጽሑፍ ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ንረክብ።
 
‘’ወያነን ኣሜሪካን ሰዓብታን መዓርን ጠስምን ሒዞም ናብ ኤርትራ ከምዘይመጹ ርዱእ ኢዩ። እቲ ዝገርም ግን ናይቶም ከዳዓት መጋበርያ ጸላኢ ዝኾኑ ተቓወምቲ ዝብል ስም ዝተጠመቑ ወይጦታት እዩ እዞም ህዝቦምን መንግስቶም ዝኸሓዱ ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያነ ዝተንበርከኹ ወይጦታት እቲ ባህጎምን ትምኒቶምን ኤርትራ ከም በዓል ዒራቕን ሊብያን ክትድምሰስን ክትዓኑን ህዝባ ክሃልቕን ድዮም ዝምነዩ ዘለዉ ?’’ ኢሉ ብሕቶ መልክዕ ዝዓጸዋ ጽሕፍቲ እንተተዓዚብና ባዕሉ እቲ ስርዓት ንህዝብና ዘጽንትን ህዝብና ቀሲኑ ንኸይነብር ዝገብርን ዘሎ እቲ ምዃኑ ጠፊእዎ ዲዩ ነቲ ጉዳይ ናብ ካልኦት ከሳብቦ ዝጽዕር ዘሎ። እዝስ ከምታ ናይ ሂትለር ባዕሉ ዝኾዓቶ ጐዳጉዲ ሃዶሽዶስ ምስ በሎ ጀርመን ኣብ ዓቢ ሽግር ምስ ወደቐት ናብቶም ኣይሁድ ዘሳበቦዶ ኣይመስልን።ንሰላሳ ዓመታት ደምና ከም ውሕጅ ዛርዩ ዓድታትና ዓንዮም ህዝብና ናብ ፈቐዶ ሃገራት ከም ዝስደድ ኮይኑ። እዚ ኹሉ ብሰንኪ ኣሜሪካ እዩ። እነሆ እዚ ሰብዓ ዓመታት ኣቝጺሩ ይርከብ። ኣብዚ ሰብዓ ዓመታት ህዝብና ካብ ምዕባለ ተሓሪሙ ዕጭኡ ውግእን ሞትን ህልቂትን ስደትን ኮይኑ ተሪፉ። ዘዝተወልደን ዘዝጎበዘን ኲናትን መቝሰልትን ስንክልናን መስዋእትን ኮይኑ ዕጭኡ” ከኣ ይብል ከይሓፈረ። እዚ ከኣ እሞ ነቲ እተን ኣብ ውሽጢ 25 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ረኺበ ኢሉ ክርህዎ ዝተጸበዮ እሞ ኣብ ክንድኡ ማእሰርትን መቕተልትን ጭቆናን ራዕድን በቲ ስርዓት ክፍጸም ከሎስ መንግስቲ ኣመሪካ ዲያከምኡ ግበር” ዝብል ትእዛዝ ሂባቶ እሞ ንመንግስቲ ኣመሪካ ዝኸሳ ዘሎ፥ ፈጺሙ ምስ ሓሳባቱን ምስቲ ዘሎ ክውንነት ዝራጸም እዩ።
 
‘’መንግስቲ ኤርትራ ንርእሱ ክመስልን ጉዳይ ሃገሩ ብዘይ ናይ ማንም ተጽዕኖ ክኣልን ክመርሕን ዝደሊ ኣብ ነብስኻ ምኽኣል ዝብል ቅኑዕ መትከል ረጊጹ ንህዝቡ ለይትን ቀትርን ኣስሚሩ ዝሰርሕ መንግስቲ እዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ናይ ማንም መንግስቲ ተለኣኣኽን ከዳምን ክኸውን ኣይመረጸን እዩ። ከምዚ ዓይነት መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ንኣሜሪካን ሰዓብታን ሓደገኛ ኢቦላ ቫይረስ እዩ።” ይብል! እዚ’ሞ ኸኣ ዓቢ ናይ ሓሶት ቆፎ ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኤርትራ ያኢ ነፍስኻ ምኽኣል እናበልካ ክጠምን ናይ ቁጠባዊ ናጽነት ምኽልካልንሲ ከም ዓቢ ቁምነገር ወሲዱ ህዝቢ ንኽጥብር ዝብሎ ዘሎ እምበር፡ ህዝቢ ኣቲ ጉዳይ መሪርዎን ደም ጥዒምዎን ከምዘሎስ ብሩህ ከም ብርሃን ጸሓይ እዩ።
 
መንግስቲ ኤርትራ ዝበሎ እንተ ደኣ ሃልዩ፣ መትከልና ርእስኻ ምኽኣል፣ ነብስና እንበር ንኻልኦት ክንመስል ኣይንደልን ኢና፣ ናይ ማንም ሃገር ጽግዕተኛን ተለኣኣኽትን ክንከውን ኣይንደልን ኢና ብጽፍርና ጻሕቲርና ክንነብር እምበር ኣእዳውና ንልማኖ ኣይንዝርግሕን ኢና ዝኾነ መዘዝ ሒዙ ዝመጽእ ዓይነት ሓገዝ ኣይንደልን፣ ኣብ ናይ ማንም ሃገር ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድና ኣይነእቱን” ዝበሎ’ውን ኣሎ። እዚ ክብል ከሎስ ተስፋምርያም ንመን እዩ ከደናግርን ከዕሹን ዝሓስብ ዘሎ ፈጺሙ ኣይርደኣካን እዩ። ኣጽፋር እናኸራተምካስ ብጽፍርና እንነብር። 
መትከል ርእስኻ ምኻልዶ ነፍስኻ ምቕታል ከም ቁምነገር ድዩ ቆጺርዎ። ደሓርከ ኣብ 1994 “ንመንግስቲ ሱዳን ክንቅይሮ ኢና” ብማለት ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ሱዳንዶ ኢዱ ኣየእተወን ድዩ? እቲ ምስ የመን፥ ጂቡቲ፥ ኢትዮጵያ ዝጻሕተሮ ኲናትሲ ጣልቃ ኣታውነት ኣይኮነን ክብለና ድዩ ዝፍትን ዘሎ? እንተኾነ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓመጽ፡ ጥበራ፥ ስለያን፥ ሓሶትን ዝነብር ስርዓት ዝገበረ እንተገበረ ናብ ምህሳሳን ምስባር’ቶም ደው ኣቢሎሞ ዘለዉ ኣዕኑድ ገጹ እዩ ዘንቈልቅል ዘሎ።
 
Last modified on Tuesday, 13 September 2016 21:21