ሓጺር ሓበሬታ ብዛዕባ ኢራን

2026-03-03 09:41:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 70 times

ኢራን ኣብዚ እዋንዚ ናይ ዓለምና ኣዛራቢት ኣጀንዳ ኮይና ዘላ፡ ኣብ ክፍለዓለም ኤስያ ካብ ዘለዋ 48 ሃገራት ሓንቲ እያ። ኢራን ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ኣሜሪካን እስራኤልን ብሓባር ኣብ ልዕሊኣ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምስ ወሰዳ፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ እተን ወተሃደራዊ መደበራት ኣሜሪካን እንግሊዝን ዘለወን ጐረባብታ ሃገራት ብዝወሰደቶ ግብረ-መልሲ ኣብ መወዳእትኡ  ዘይፍለጥ ሓደገኛ ውግእ ስለ ዘላ እያ።

ኢራን ኣስታት 1,648,195 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ስፍሓት ዘለዋ ኮይና 5,894 ኪሎሜተር መሬታዊ ወሰን ኣለዋ። ብዝሒ ህዝባድ  92,417,681 እዩ። ወዲ-ሰብ ብቐዳምነት ምንባር ካብ ዝጀመረለን ጥንታውያን ሃገራት ኮይና እትጥቀስ እውን እያ።

ብመሬት ዘዋስነኣ ሃገራት 7 ኮይነን ንሳተን ከኣ፡ ዒራቕ፡ ቱርኪ፡ ኣዘርባጃን፡ ኣርመኒያ፡ ቱርክመኒስታን፡ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን እየን። ንወገን ደቡባዊ ምዕራብ ወሽመጥ ፐርሺያ ሰጊርካ ድማ ስዑድ ዓረቢያ፡ ኮየት፡ ባህሬን፡ ቀጠር፡ ኢማራትን ዖማንን ይርከባ።

ንወሽመጣት ፐርሺያን ዑማንን ከምኡ እውን ቀላይ ዓረብ ዘራኽብ 193 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መጻብቦ ሆርሙዝ ኢራን እያ እትቆጻጸሮ። እዚ መጻብቦ ኣብቲ ዝጸበበ ክፋሉ ጐኑ 38 ኪለሜትር ኮይኑ፡  ካብ ናይ ዓለም ነዳዲ 20% ዝኸውን ዝመሓላለፈሉን እዩ  ይበሃል።

ዋና ከተማ ኢራን ትሄራን ኮይና፡  ኣስታት 8.7 ሚልዮን ህዝቢ ይነብራ። ካለኦት ዓበይቲ ከተማታት ኢራን ድማ፡ ኢስፋሃን፡ ካራጅ፡ ኣህፋዝ፡ ማሽሃድን ቆምን ይበሃላ። ነባሪ ህዝቢ ከተማ ትሄራን ካብ ህዝቢ ናይታ ሃገር   ኣስታት 11% እዩ።

ኢራን ልዕሊ 20 ምምሕዳራዊ ክፍልታት ዘለዋ ኮይና፡ ካብኣተን፡ ምብራቕ ኣዘርባጃን፡ ምዕራብ ኣዘርባጃን፡ ኣርዳቢል፡ ኢስፋሃን፡ ኢላም፡ ቦሸህር፡ ቻማሃል-ባክቲያሪ፡ ኮሮሳን፡ ከውሰስታን፡ ዛንጃን፡ ሰማን፡ ሲስታን፡ ፋርስ፡ጋዝቪን፡ ግሆም፡ ኮርደስታን፡ከርማንን ከማንሳእን ይርከበአን።

ፐርሺያ ኣብ ኢራን 63.3% ዝሽፍን ቋንቋ ኮይኑ፡ ኣዘሪ ቱርኪክ 13%፡ ኩርዲሽ 7%፡ ጊላኪ 3.6%፡ ማዛንዳሪ 3%፡ ዓረብ 1.8%፡ ዝሽፍኑን ካለኦት ንኡሳንን ቋንቋታት ይዝረቡ። ከም ናይ ወጻኢ ቋንቋታት ድማ እንግልዘኛ፡ ራሻኛን ፈረንሳይኛን ይዝውተሩ። ፐርሺያን ኩርድን ከኣ ዓብላልነት ዘለዎም ዓሌታት እዮም።

ኢራን ሓውሲ ምእኩል ፖሊሲ ኤኮኖሚ እትኽተል ኮይና፡ ብሕታዊ ጽላት ብዝለዓለ ዝዋሰኣላ እያ። ሃይድሮካርቦን፡ ሕርሻ፡ ዝተፈኣለዩ ኣገልግሎታት፡ መፍረይ ኢንዱስትሪታትን ገንዘባውን ትካላትን ከኣ ብሰፊኡ ይዝውተሩ።  ብዓብይኡ ድማ ኣብ መዓልቲ 3.3 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረየ ነዳድን 1.3 ሚልዮን በርሚል ፈሳሲ ጋዝን ናብ ዕዳጋ ናይ ምቕራብ ዓቕሚ ኣለዋ። ኣብ መዓልቲ 2.6 ሚልዮን ነዳዲ ናይ ምጽራይ ዓቕሚ ዘለዎ ትካል ከኣ ትውንን።

በዚ መሰረት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ናይ ዝፈሪ ነዳዲ ሓደ ርብዒ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ 12% ናይ ኢራን ምዃኑ ይሕበር። ምስዚ ኩሉ ግና ብሰንኪ ተደራራቢ እገዳታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ናይ ምቕራብ ዕድላ ድሩት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ምስዚ ኩሉ 80% ነዳዲ ኢራን ቻይና እያ እትዕድጎ።

Last modified on Tuesday, 03 March 2026 11:00