ኣብ ዳርፎር ልዕሊ ሺሕ ኣባይቲ ብሓዊ ዓንዩ

2026-03-03 09:37:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 47 times

ገለ ክፋል ናይቲ ብሓዊ ዝሓረረ ኣባይቲ

ኣብ ሱዳን ምምሕዳር ዳርፎር ኣብ ዝርከብ ዝተመዛበሉ ዝተዓቖብሉ መደበር ካልማ ብ1 መጋቢት 2026 ልዕሊ ሓደ ሺሕ ኣባይቲ ብባርዕ ሓዊ ከም ዝዓነዉ ካብቶም ግዳያት ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ።

ካልማ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ብሰንኪቲ ብ2023 ኣብ ሱዳን ዝተባረዐ ውግእ ዝተመዛበሉ ስድራቤታት ዝዕቖብሉ ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ። እቲ ዘጋጠመ ሰፊሕ ባርዕ ኣካልቲ በብግዜኡ ዘጋጥም ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ፡ ቀንዲ መንቀሊኡ ብሰንኪ እቲ መስርሒ ኣባይቲ፡ ምስ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር ብቐሊሉ ሓዊ ስናኸስ ነገራት  ምዃኑ’ውን  ተፈሊጡ።

ናይቶም ኣብ ዳርፎር ዝርከቡ ሱዳናውያን ተመዛበልቲ ኣወሃሃዲ ኣካል ወሃቢ ቃል ኣዳም ራጃህ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ባርዕ በቲ ዕለት ንግሆ ኣብ መደበር ካልማ ካብ ዝርከቡ ንኡሳት ማእከላት ኣብ ቁጽሪ ሓደ እዩ ጀሚሩ። ብሰንኪ ልዕሊ 1000 ኣባይቲ ምዕናዎም ብዙሓት ተመዛበልቲ ብዘይመጽለሊ ከም ዝተረፉን ኣደዳ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ብኩራት ከም ዝኾኑን ከኣ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ረጃል ኣተሓሒዙ እቲ ሓዊ ካብ ሓደ ገዛ ተላዑሉ፡ በቲ ጸቢም መተሓላልፋን ተጸጋጊዑ ዝተሰርሐ ኣብይትን ቀልጢፉ ከም ዝለሓመ ኣፍሊጡ። በቲ ዝተፈጥረ ነበልባል ከኣ ኣብ ኣባይትን ኣብ መኽዘናትን ዝነበረ ንብረትን ቀረባትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ በቲ ዜና ተገሊጹ። ኣብቲ ግዜ ባርዕ ፍሉይ ጸገም ዝነበረን ኣደታት ጉድኣት ከም ዘጋጠመንን ናብ ሆስፒታል ንያላ ከም ዝተወዳን ክፍለጥ ተኻኡሉ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ወሃቢ ቃል ናይቲ መደበር፡ ሕብረተሰብ ዓለምን ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካላትን መጽለሊ፡ መግብ፡ ማይን ስኣመሰሉን መሰረታዊ ሰብኣዊ ድሌታትን ብህጹጽ ኣብ ምቕራብ ንክተሓባበሩ ጸዊዑ። ኣብ ርእሲዚ ኣብ ምህናጽ መደበርን ትሕተ- ቅርጻን ንክተሓባበሩ እውን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

Last modified on Tuesday, 03 March 2026 10:41