ኮሚተ ምክልኻል መሰል ጋዜጠኛታት መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
2026-02-26 22:57:09 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 173 timesበዓል መዚ ሜዲያ ኢትዮጵያ፡ ፈቓድ መርበብ ሓበሬታ “ኣዲስ ስታንዳርድ” ስለ ዝሰረሰ፡ ኮሚተ ሓለዋ መሰል ጋዜጥኛታት፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተሰረዘ ፈቓድ ናብ ንቡር ንክትመልስ ብ24 ለካቲት 2026 ካብ ኬንያ ብዘውጸኦ መግለጺ ጸዊዑ።
ዲረክተር ኣፍሪቃ ኮሚተ መሰል ጋዜጠኛታት ኣንጀላ ኩይንታል ነቲ ብኢትዮጵያ ዝተወስደ ስጉምቲ ሕጋዊ ዘይኮነ ሕነ ምፍዳይ እዩ ከም ዝበለቶ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። በዓልመዚ መዲያታት ኢትዮጵያ ብጉልባብ ሕጊ ምጥሓስን ጋዜጣዊ ስነ-ምግባር ዘይምኽባር መንግስቲ ዘይድግፉ ድምጽታት ንምዕጋት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እዩ ክትብል ድማ ኣቃሊዓ። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ እቲ ናይ ፈቓድ ምስራዝ ውሳነ ብቑልጡፍ ንክዕጸፍ፡ኳ እንተጸውዐት መልሲ ከምዘይተዋህባ ኣስሚራትሉ።
እቲ ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ብወገኑ፡ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ስነ-ምግባር ጋዜጠኝነት ዘየኽብር፡ ሓበሬታ ብምዝርጋ፥ ሃገራውን ህዝባውን ረብሓ ኣሕሊፍካ ብምሃብን ሕግታት ኢትዮጵያ ብምጥሓስን ከም ዝኸሳ ተሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ እታ ፈቓዳ ዝተሰረዘ መርበብ ሓበሬታ፡ ኣሰራርሓኣ ከተእርም ተደጋጋሚ መጠንቀቕታታት’ኳ እንተተዋህባ እንተኾነ ከተተግብር ቅርምቲ ከምዘይነበረት ብምጥቃስ ነቲ ክሲ ነጺግዎ።
ናይታ መርበብ ሓበሬት ኣካያዲ ስራሕ ዮናስ ከበደ በወገኑ፡ እቲ ትካል መዲያታት ኢትዮጵያ፡ እታ መርበብ ዝኾነ ሕጊ ትጥሕስ ከምዘላ ዘመልክት ስምዕታ ከምዘይበጸሓ ገሊጹ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ዝበሃል ዘሎ ሓሶት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሕጋዊ መስርሕ ዘካይድሉ ኣገባብ ይደልዩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።
እቲ በዓል መዚ መዲያታት ኢትዮጵያ፡ ኣቐዲሙ እውን ዘይመንግስታዊ ጋዜጠኛታት ናብ ትግራይ ከይከዱ ከልኪሉ ፈቓዶም ከምዘይሕደስ ከም ዝገበረን ዋዜማ ናይ ዝተባህለት ቦታዊ ናይ ብሕቲ ሬድዮ ፈነወ ፈቓድ ከም ዝኣገደን ከኣ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ቅድሚ ሕጂ’ውን ብዝተፈላለዩ መንግስታዊ ኣካላት ዕንቅፋት ከጋጥማ ከም ዝጸሐ ኣብቲ መግለጺ ትካል ሓለዋ መሰል ጋዜጠኛታት ሰፊሩ።