ግብጺ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህባ’ያ ተባሂሉ ዝተወርየ ሓሶት’ዩ ኢላቶ
2026-02-26 11:02:26 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 123 timesዕለታዊ ጋዜጣ ግብጺ ኣህራም፡ ኣብ ናይ 24 ለካቲት 2026 ሕታማ፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ብምጥቃስ፡ ግብጺ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዓብይ ህዳሰ ሓጽቢኢትዮጵያ ተዓጻጻፍነት እንተርእያ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ንክትረክብ ክትድግፋ’ያ ዝተባህለ ሓሶት ምዃኑ ኣፍሊጣ።
እታ ጋዜጣ ናይቲ ብመንግስቲ ግብጺ ዝተነጽገ ዜና መንቀሊ ሓሶት ምንባሩ ጠቒሳ፡ መርገጺ ግብጺ ኣብ ማያዊ ጸጥታን ኣካይዳ ኢትዮጵያን መርገጻ ከምዘይተቐየረ ገሊጻ። እቲ ነቲ ናይ ሓሶት ወረ ዝዘርገሐ ኣካል፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ዘይቅየድን ሓባራዊ ተጠቃምነት ዘይረዳእን ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ ናይተን ኣብ ታሕተዋይ ክፍሊ ሩባ ኒል ዘለዋ ክልተ ሃገራት መሰል ዘይገሃስ ምዃኑ ኣብቲ ሕታማ ኣስፊራ።
ንጋዜጣ ኣህራም ሓበሬታ ዝሃበ ላዕለዋይ በዓል መዚ ግብጺ፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣካል እስትራተጅያዊ ናይቲ ማያዊ መተሓላለፊ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ናይተን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ድሕንነት ዝተሓሓዝ እዩ ምባሉ’ውን ተሓቢሩ። ካብኡ ወጻኢ ዝኾነት ሃገር ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምምሕዳርን ምቁጽጻርን ተሳትፎ ኣይህልዋን ኢሉ።
እዚ ናይ ግብጺ ምንጻግ ዝመጸ ዘ ናሽናል ዝተባህለት ናይ ኢማራት ጋዜጣ፡ “ካብ ካይሮ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ” ብዝብል፡ ግብጺ ናብ ኢትዮጵያን ዋሽንግተንን ምስ ናይ ሕበረት ኣፍሪቃ መሳርሕታ ኮይና ንኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መደበር ንምህናጽ ዘኽእል እማመ ኣቕሪባ ዝብል ዜና ስለ ዝዘርግሐት ምዃኑ ከኣ ጋዜጣ ኣህራም ኣፍሊጣ።
.እቲ ብኣህራም ዝተዘርግሐ ዜና፡ ግብጺ ብዘለዋ ዞናዊ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓቕሚ፡ ኢትዮጵያ ናብ ውደባት ስዑዲ ዓረብ፡ ሶማሊያን ጅቡትን ዝህልዋ ሕቶ ንምድራት’ውን ከም እትሰርሕ ጠቒሱ። ብምትሕሓዝ ድማ ነዚ ዝምልከት እማመ ናብ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ትራምፕ ከም ዝቐረበትን ብዛዕባቲ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ዘሰሓሕብ ጉዳይ ሓጽቢ ሕዳሰ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናብ ዘተ እትቐረብ በዚ መንፈስ’ዚ ከም ዝኸውን ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።