በዓል ቶጎሩባ

2018-03-02 08:52:25 Written by  ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፈርትን ከባቢን Published in Community Center Read 3822 times

በዓል ሰራዊት ሓርነት (ቶጎሩባ) ኣብ ፍራንክፈርት

ንቀዳም ዕለት 17.03.2018 ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ሰዓትን ቦታን ብምኽንያት መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ቶጎሩባ)፣ ብምትሕብባር ኣብዚ ከባቢ ዘለው ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ (ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ምንቕስቃሳትን ነጻ ኣካላትን) በዓል ከነካይድ ምኻና ንሕብር።

እዚ በዓልዚ ነቲ ብዕለት 15.3.1964 ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ተጋደልቲ) ኣብ ቶጎሩባ ናይ መጀመርያ ተኺል ውግእ ምስ ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኤትዮጽያ ዘካየደሉን ዝተዓወትሉ (ብብርክት ዝተሰውእሉን) ከም ሲምቦል ዝተወስደ መዓልቲ ይኹንምበር፣ ነቲ ኩሉ ብድሕርኡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ተእምራታዊ ናይ ጅግንነት ውግኣት ዘካየደን ኣብ መጨርሻ ዲማ ነጻነት ዘምጽኤን ኩሉ ስውእን ህልውን ጅግና ሰራዊት ሓርነት ውድባት ኤርትራ ንዝክርሉ መዓልቲ እዩ።

ድሕሪ ሕጽር ዝበለ ፖሊቲካ መደብ ክሳብ እቲ ተጥቒሱ ሰዓት ባህላዊ ምሸት ክካየድ እዩ። ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ በዓልዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

ዝግበረሉ ዕለት ፡ ቀዳም ዕለት 17.02.2018

ዝካየደሉ ሰዓት ፡ ካብ 15፡00 ክሳብ 24፡00 (ፍርቂ ለይቲ)

ዝግበረሉ ኣዳራሽ ፡ ሳልባው ፈሸንሃይም

 SAALBAU TSG-Halle Fechenheim

Pfortenstrasse 55
603863 Frankfurt am Main
                                                                                                                                                                                              

ሓበረታ ብባቡር ትመጹ፡

ብሽትራሰንባን ቁጽሪ 11 (Straßenbahn 11) ናብ ፈሸንሃይም ሺስሁተን ሽትራሰ (Fechenheim Schießhüttenstraße) ገጽ ትኸይ ድሒዝኩም ኣብ ካሰሽትራሰ (Cassellastrasse) ወሪድኩም ብየማንኩም ዘሎ ጽርግያ ለኦጋንስሽትራሰ (Leo-Gans-Starsse) ክሳብ መጨርሻ (ኣስታት 700 መትሮ) ምስከድኹም ዝርከብ ናይ ዛልባው ኣዳራሽ እዩ።

ብድሓን ምጹ

ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፈርትን ከባቢን

Last modified on Friday, 02 March 2018 09:59