እንቋዕ ናብ ዒድ ኣል-ፈጥር ኣብጽሓና

2025-03-29 20:03:57 Written by  ገረዝግሄር ተወልደ ኣቦ መንበር፡ ሰዲህኤ Published in المقالات العربية Read 224 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ 2025 በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ምኽንያት ብምግባር፡ ብፍላይ  ንኣመንቲ ምስልምና፡ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣብጽሓና እናበለ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።

መጻኢና፡ እቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማትን ምክልባትን ኣብቂዑ ራህዋ ዝመጸሉ፡ ውግእን ወረ ውግእን ተወጊዱ ሰላም ዝስዕረሉ፡   ከምኡ ድማ  ስደትን ጥንቁ  ኣብቂዑ ህዝብና  ዋና ልኡላዊት ሃገሩ ዝክኾነሉ ንክኸውን  ኣብዚ ክቡር በዓል “ዕድ ኣልፈጥሪ” ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ።

ጾም ሮሞዳን ብሓያል እምነትን ጽንዓትን ድሕሪ ምዝዛም፡ ናብ ምኽባር ዒድ ኣል-ፈጥሪ ብምጻሕና ከኣ ደጊምና እንቋዕ ኣብጸሓና” ብምባል ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ  ዒድ ሙባረክ።

ገረዝግሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር፡ ሰዲህኤ

Last modified on Saturday, 29 March 2025 21:17