ብዕለት 07.02.2016 ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣኼባ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰናይ ምንዮት እዩ ኸፊቱ። ቀጺሉ ኣብዚ ኣኼባዚ ክዝረበሎም ተታሒዞም ዘለዉ እዋናዋን ዛዕባታት ኣኼባ ሓቢሩ።
- ኣብ እዋናዊ ፡ሃገራውን ሰልፋውን ዞናውን ሓበሬታታት ምልውዋጥ፤
- መንእሰያት ኣባላት ምስ ሰዲህኤ ንምልላይ ዝግበር ኣስተምህሮ፤
- ውጽኢት ሰሚናር ንኡስ ዞባ ጀርመንን ናይ ዕለት 23.01.2016ን መጻኢ መደባትን
- ናይ መጻኢ ብጨንፈር ኣብ ምምሕያሽ ዝርከቡ ናይ ኣሰራርሓ ቅጥታትን ንኡስ ዞባ ዝተለሞም ዕማማትን፡
ቀዳማይ ዘሎ ኣጀንዳ ዝያዳ ግዜ ዝወሰደ ምርድዳኣት ዝተገብረሉ ኣዃ ኣንተነበረ፡ መንግስቲ ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ዝወሰዶን ሕጂ‘ውን ዝወስዶ ዘሎ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ናይ ምእሳር ስጉምቲ፡ ብሓደ ሸነኽ፡ ንረብሓ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዘገልግል፡ ንሽግራት ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዘናውሕ ብምዃኑ፡ በቲ ካልእ መዳይ ድማ ንዝጸንሐ ዝምድናታት ክልቲኡ ኣህዛብ ዘበላሹ ብምዃኑ ዘይቅኑዕን ሃሳይን እዩ። ስለዚ እቲ ኣቦ መንበር ሰደህኤ ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም ብ4 የካቲት 2016 ዘውጽኦ መግለጽን፡ ካልኦት ኤውርትራውያን ውድባትን ህዝባዊ ትካላትን ዘውጽእዎ መግለጺታት ኣብ ቦታኡ ምዃኑ‘ውን ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ። ከምኡ‘ውን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ንኢዱ።

ኣኼበኛ፡ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ 6ይ ኣህጉራዊ ኣኼባ በርጌሳዊ ማሕበራት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እውን ኣገዳስነቱ ርእዩ። ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ውሽጣዊ ጸገማት ህዝብና፡ ብናይ ደገ ሓይልታት ዝመጸ ጌሩ ክገልጾን እንተክኢሉ ድማ ክሓብኦን ዝጸንሐ ጉዳይ፤ ሕጂ እዚ 6ይ ኣህጉራዊ በርጌሳዊ ማሕበራት ናይቲ ስርዓት ናይ መሰል ሰብ ምግሃስ ዝፈጠሮ ምዃኑ እዩ ኣቃሊዑ። ስለዚ ጉዳይ ኤርትራ ብደረጃ ክፍል-ዓለምና ኣቓልቦ ብምርካቡ፡ ንተነጽሎ እቲ ስርዓት ዘግድድ ክኸውን ከምዝኽእል እውን ተመልኪቱ። ነቲ ፍሊፖ ግራንዲ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ስደተኛታት ዓለም፡ ኣብዚ መጀመርያ ወርሒ 2016፡ ኣብቲ ኣብ ህጻት ዝተባህለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ብኣካል ከይዱ ሽግራቶም ሰሚዑ ዝሃቦ ኣተባባዒ መብጽዓታት‘ውን ኣዎንታዊ ምዃኑ ተሓቢሩ።
ብድሕሪኡ መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም፡ ንሕና መንእሰያት ተካእቲ ወለዶ ስለ ዝኾንና ሃገርናን ህዝብናን ካባና ብዙሕ እዩ ዝጽበ። ህዝብና እናጸነተ ስቕ ኢልና ምርኣይ‘ውን ዘሕትተና እዩ። ብዘይ ህዝቢ ሃገር ዝበሃል የለን፤ ሃገር ማለት ህዝቢ ማለት እዩ። ስለዚ ህዝብና ንዘጥፍእ ዘሎ ስርዓትሲ ብተወፋይነት ክንቃለሶ ኣሎና እምበር፡ ነቲ መላኺ ኢሳያስ ክህቦ ዝቐነየ ናይ ደሞዝ ምውሳኽን ካልእ መደናገሪ መደረታትን ከም ኣብነት ብምጥቓስ፤ ንሱ ብዝህቦ ናይ ሓሶት መግለጺታትን ምድንጋራትን ተታሊልና ካብ ቃልሲ ከነድሓርሕር ኣይገባእን። ናብቲ ዘጽንተና ዘሎ ተመሊስና ክንፍርምን ምስኡ ክንደናገጽን‘ውን ኣይግባእን፤ ህዝብናን ሃገርናን ካብ መላኺ ስርዓት ፈላሊና ክንርዮም ኣለና። ንረብሓ ህዝቢ ክሰርሕ ዝኽእል እንተዝኸውን ቅድሚ ሎሚ‘ውን ክንደይ ሓገዛት ረኺቡ‘ዩ ብምባል ንውሕ ዝበለ ኣዝዩ መሃሪ መግለጺታት ኣቕሪቡ። መንእሰይ ክብሮም ብዘንቀሎ መግለጺ‘ውን ብዙሓት ኣኼበኛታት በብተራ ሰፊሕ መግለጺታት ኣቕሪቦም።
ካብኡ ብምቕጻል፡ እቲ ኣኼበኛ እቲ ኣብ ሰሚናር ንኡስ ዞባ ጀርመን ብ23.01.2016 ዝተገብረ ድህሰሳን መጽናዕትን ዝተበጽሐ ናይ ስራሕ መደባትን ድሕሪ ምሕባር፡ ኣገደስቲ ሕቶታት ቀሪቦምን ግቡእ መብርሂ ድሕሪ ምቅራብ፡ ንተግባራውነቱ ብምሉኡ ተቐቢሉ፤ ንዝመጽእ ሓድሽ ኣገባብ ተኸቲሉ ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ኣኼባ ወይዘሮ መስከረም ግርማይ ዝተባህለት ኣባል፡ ኣነ ብሳላ ሰልፍን ጻዕርታት ኣባላት ናይዚ ሰልፊን ኣብ ጀርመን ናይ ምንባር ፍቓድ ረኺበ ኣለኹ፡ ኣነ ክጭነቕ ከለኹ ንዓካትኩም'ውን የሸግረኩም ነይረ ምሳይ እውን ትጭነቁ ኔርኩም፡ ሕጂ ኣብ ሓጐሰይ ድማ ምሳይ ንክትሕጐሱ፡ ነዞም ኣብዚ ኣኼባ ዘለኹም ምሳሕ ኣዳልየ ኣምጺኤ ኣለኹ፡ ክትብል ሓጎሳ ብምግላጽ፡ በብዓይነቱ መግቢ ተቀሪቡ ኣኼበኛ ተደሪሩ፡ ስለቲ ሰናይ ምግባርን ግደ ሰልፍን ጻዕርታት ኣባላቱን ክብሪ ምሃባን ብምምጓስ ኣኼባ ተደምዲሙ።
EPDP Chairman Tours UK; Party Delegation Holds Talks with Foreign & Commonwealth Office
Tuesday, 09 February 2016 23:59 Written by EPDP Information OfficeA delegation of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), headed by the party chairman, Mr. Menghesteab Asmerom, and including Mr. Goitom Mebrahtu, the party's UK branch chairman, held extensive talks with the Foreign and Commonwealth Office (FCO) of the United Kingdom in London on 2 February, 2016. The EPDP Chairman, now on two-week tour to UK, also held public and private meetings with compatriots in the country.
The delegation took the opportunity to explain the ever worsening political, economic and social situation in Eritrea, and the plight of its refugees in the Horn of Africa region and beyond. The EPDP officials stressed the urgency of improving the situation of Eritrean refugees in the Sudan and Ethiopia and also the few survivors of risks who finally succeed to reach the gates of Europe.
The EPDP chairman and his colleague in the delegation reminded the British Government that what has been documented by organs of the UN Human Rights Council, Amnesty International, Human Rights Watch Reporters Without Borders is not something to be denied by wishful thinkers in Europe and that the Eritrean people deserve to be listened to. Any technical assistance to the regime in Asmara calls for absolute scrutiny in order to make sure that at least part of it reaches the people.
The EPDP delegation also urged the UK Government to heed the call for support to Eritrean political and civil society organizations so that democratic transition could be a success in post-dictatorship Eritrea. On his part, the FCO official, Mr. K. Steers, reassured the delegation that the discussions at the meeting will be duly conveyed to higher officials in FCO and in the UK Government.
It is to be recalled that during his two-week visit to UK, the EPDP chairman, Mr. Menghesteab Asmerom, held several public and private meetings with compatriots and other interested groups.

In the public meeting of 24 January in London, he was joined by EPDP colleagues including Messrs Hamid Drar, Assefaw Berhe and Goitom Mebrahtu (see picture above).

At the London meeting, which was attended by key figures leading the struggle for democratic change in Eritrea, the EPDP chairman and his colleagues expounded in great detail in Arabic and Tigrinia the prevailing situation in Eritrea and the status of the struggle in diaspora.
In particular, they focused the recent developments that included conferences for discussion on the problems of political transition in Eritrea and what could be done as a matter of urgency. Contents of issues raised at the recent Frankfurt and Nairobi conferences were raised for further scrutiny.
On 25 January, a delegation led by the EPDP chairman attend discussions at the UK House of Lords that was organized by Baroness G Kinnock and 'All Party Parliamentary Group on Eritrea' that advocates human and political rights in our country.
In a public meeting organized on 30 January by the youthful Zereselassie Redie in Leeds, the EPDP chairman talked extensively on the political stands of his party, its day-to-day activities to expose the regime and mobilize the nation, with emphasis on the young generation which is expected to take over the responsibility of transforming and rebuilding the devastated country.

The EPDP chairman and his delegation also addressed the public meeting organized in Birmingham on 31 January and discussed all hot issues being raised at Eritrean gatherings these days.

EPDP Central Council members Assefaw Berhe and Haile Woldu also availed themselves at the public meetings of London, Leeds and Birmingham to take part in further expounding responses to different questions and political issues raised by interested meeting participants, in particular the youth.
At all gatherings, discussants appreciated the EPDP for giving them the opportunity to discuss in public all what is going on in the opposition camp and what can be done next in order to shorten the suffering of the nation as a whole.
ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፥ ሓው ሑሴን ኸሊፋን ብጻዩ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ፡ ዓብደላ ሳልሕ ሓምዶይን፤ ብ30 ጥሪ 2016 ብሰበስልጣን ሱዳን ከምእተኣስሩ ብማዕከናት ዜናን ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ሽማግለ ተሓኤን ኣሕዛንን ኣሰንባድን ዜና ሰሚዕና።
እዚ ነቲ ምእንቲ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ፍትሓን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ፍትሒ ዝዀኑ ሓይልታትን ብኣሉታ ዝጸሉ፤ነቲ ህዝብን
መንግስታትን ሱዳን ንሓርነታዊ ተጋድሎና ዝሃብዎ ደገፍ ዝብርዝን ስለዝዀነ፣ መንግስቲ ሱዳን ከይወዓለ ከይሓደረ ብቕጽበት ክፈትሖም ንጽውዕ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ: ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቑ ሱዳናውያንን ዘይሱዳናውያንን ማሕበራት፥ ተጋደልቲ ሑሴን ኸሊፋን ዓብደላ ሳልሕ ሓምዶይን ግቡእ ክንክን ክረኽቡን ብቕልጡፍ ክፍትሑን ተጽዕኖታቶም ከሐይሉ ንምሕጸን።
ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ብጽሖት ገይሩ
Wednesday, 03 February 2016 12:13 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥ ሓው መንግሰተኣብ ኣስመሮምን ኣቦ መንበር ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ፥ ሓው ጐይትኦም መብራህቱን ብሰሉስ ዕለት 2 ለካቲት 2016 ኣብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ዓባይ ብሪጣንያ (Foreign & Commonwealth Office-FCO ) ብጽሖት ገይሮም።
ልኡኽ ሰልፍና ምስ ኣቶ ከይ. ስቲርስ (K.Steers) ኣብ ዝገበሮ ርክብ ብዛዕባ ህልዊ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞናን ሰዲህኤ ብሰፊሑ ተመያይጦም። ልኡኽ ሰልፊ፡ ኣብ ጕዳይ ስደተኛታት ብምትኳር፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ከምዘሎን ናይ ኣህጕራዊ ማሕበረ ሰብ ቆላሕታ ከምዘድልዮን ጸቒጡ ተዛሪብሉ። ኣብ ኣውሮጳ ዝመጸ ኤርትራዊ ስደተኛ ብመንጽር’ቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ክርአ እንከሎ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑን ነዚ ድማ ኣውሮጳ ኣፍደግኣ ክትዓጹ ቅኑዕ ከምዘይኰነን ኣስሚርሉ።
ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ህዩማን ራይትስ ዋች፡ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታትን ኮሚሽን ምርመራ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን እተሰነደ ኣሉ ክበሃል ዘይከኣል ሓቂ ምዃኑ ልኡኽ ሰልፍና ኣረጋጊጹ። ስለ’ዚ፥ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውሃብ ሓገዝ፡ ኣብ ኣገልግሎት ምልካዊ ስርዓት ከይውዕል ቍጽጽር ዘድልዮ ምዃኑ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትውሉ ማዕጾ ክሰፍሕን ነቶም ድሮ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከቡ ስደተኛታት ድማ፡ ናይ ተቐባልነቶም መስርሕ ክቀላጠፍን ብዘይፍቓዶም ናብ ሃገሮም ከይባረሩን ኣትሓሳሲቡ።
ኣብ ርእስ’ዚ ድማ፡ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ምድጋፍን ምትብባዕን ንመስርሕ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ንምዕዛዝ ኣገዳስነቱ ዓቢ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሩ።
ኣቶ ስቲርስ እውን፡ ነቲ እተዋህቦ ሓበሬታታትን ለበዋታትን ብምምስጋን ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ከመሓላልፎ ምዃኑ ንልኡኽ ሰልፍና ሓቢሩ።
ኣብ ኣኼባ በርገሳዊ ማሕበራት መላእ ኣፍሪቃ ኤርትራ፡ ግቡእ ቆላሕታ ረኺባ
Wednesday, 03 February 2016 12:09 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤጉዳይ ኤርትራ፡ ዋላኳ ከምቲ ብኣመንበር ሰደህኤ ብ20 ጥሪ 2016 ዝቐረበ መጸዋዕታ፡ ኣብ መበል 26 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ኣጀንዳ ኮይኑ ተዘይቀረበ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኽየደ 6ይ ኣህጉራዊ ኣኼባ በርገሳዊ ማሕበራት ልዑል ቆላሕታ ረኺቡ እዩ። ናይዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋበአ ኣኼባ በርገሳዊ ማሕበራት ደምዳሚ መግለጺ፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዘለዎ ርክብ ንምድልዳል ጥራይ ዘይኮነ፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ ጉቡእ ቆላሕታ ክህብዋን ክሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ዜጋታትን ኣጽኒዑ ንክሕዞ’ውን ጸዊዑ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ኤርትራ ከም ብዞባዊ ትካላት ዝቀርብ ውሳነታትን መፍትሕታትን ብተደጋጋሚ ዝንጸጋ ሃገር ተወሲዳ፡ ጉዳያ ናብ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ክምራሕ ጸዊዑ።
ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ21-23 ጥሪ 2016 ዝተኻየደ 6ይ ኣኼባ፡ ልዕሊ 170 ካብ 5ቲኣን ጀኦግራፊያዊ ኩርነዓት ኣፍሪቃን ኣብ ውጻኢ ካብ ዝርከቡን በርገሳዊ ማሕበራት ዝተወከሉ ተሳቲፎም ነይሮም። ናይዚ ኣኼባ በርገሳዊ ማሕበራት ዕላማ ቅድሚ መበል 26 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምግባኡ፡ ድምጺ ኣፍሪቃውያን ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምምጻእን መፍትሒ ሓሳባት ንምቕራብን እዩ ነይር። እዚ 6ይ ኣኼባ ኣብ መጻኢ፡ ምዕባለታት ሰብኣዊ ኩነታት ንምጽናዕ፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘጋጥም ብደሆታት ንምክትታል ዘኽእል ዕድል ንምፍጣርን ንጹር ናይ ሓባር ርኢቶ ንምቕራብን ዝዕላምኡ ሓባራዊ ናይ በርገሳዊ ማሕበራት መድረኽ ኣቚሙ ኣሎ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እተን ፍሉይ ጸገም ከም ዘለወን ተወሲደን ዝተዘርበለን ሃገራት ኤርትራን ቡርንድን እየን።
እዚ ኣኼባ ኣብ መጻኢ ምስ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ኣባላት በርገሳዊ ማሕበራት ናይተን ጸገም ዘለወን ሃገራትን ተቐራሪቡ ክሰርሕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ካብዚ ኣሓሊፉ እቲ ናይቲ 6ይ ኣኼባ ደምዳሚ መግለጺ ንኤርትራ ብዝምልከት እዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
1፡ ጉዳይ ኤርትራ ብደረጃ ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ ክተሓዝን፡ ከምኡ’ውን እቲ ንሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝምልከት ብመርማሪ ኮሚተ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ጸብጻብ ተቐባልነት ክረክብ።
2፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ጉዳይ መሰልን ዜጋታትን ብግቡእ ክተሓዝን ኤርትራ ከም ኩሉ ዞባውን ዓለም ለኻውን ውሳነታትን ርኢቶታትን ብተደጋጋሚ ዝጠሓሰላ ሃገር ተወሲዳ ጉዳያ ናብ መራሕቲ መንግስታት ኣፍሪቃ ክቐርብ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መግለጺ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝከላኸሉ ወገናት ኣበርክቶኦም ንከበርኹ ክድግፎምን ዝያዳ ከሕይሉ ከተባበዕምን ምዃኑ ዝሕብር ሓሳብ ኣስፊሩ።

Eritrea Given Appropriate Attention at the 6th All-Africa Civil Society Conference in Addis
Wednesday, 03 February 2016 11:49 Written by EPDP Information OfficeEritrea was an issue of great concern at the 6th Citizens' Continental Conference that preceded the African Union Summit in Addis Ababa, although the 26th African Union Summit failed to include Eritrea as a separate agenda item as recommended by the citizens' conference and earlier by the EPDP Chairman's memorandum of 20 January.
A final statement of the Civil Society Conference lent not only solidarity to Eritrean justice seekers but also urged African leaders to give appropriate attention to Eritrea and asked the African Commission on Human and Peoples’ Rights "to be seized of the human rights situation in Eritrea and refer the country to the AU Summit Heads of State and Government, as a country that has continuously defied all decisions and recommendations" of regional and international organizations.
Over 170 representatives of Civil Society Organizations in Africa, working in all five geographical regions of the continent, and the diaspora, attended the conference that met from 21 to 23 January 2016, in their Sixth Citizens’ Continental Conference, to bring African voices to the African Union and share with the leaders African peoples' concerns, insights and recommendations, ahead of the 26th African Union Summit of Heads of State and Government. The conference provided a forum for civil society organizations and African citizens to critically reflect on the progress to date, current challenges, gaps and opportunities in addressing Human Rights in Africa, and to share insights on what ought to be done and provide clear concise and coordinated recommendations from civil society.
Eritrea and Burundi were among the few regions treated as specific cases that needed very close attention.
The Conference had expressed commitment to work closely with Eritrean justice seekers and other members of civil society in conflict situation countries.
The final statement added: "... On Eritrea, we call upon the African Union to: 1. Especially at the level of the Summit of Heads of State and Government, to put the human rights situation in Eritrea on the agenda and express its support to the Report of the United Nations Human Rights Commission of Inquiry on Eritrea; 2. We also call upon the African Commission on Human and Peoples’ Rights to be seized of the human rights situation in Eritrea and refer the country to the AU Summit Heads of State and Government, as a country that has continuously defied all decisions and recommendations concerning the country, made by regional and international organizations.... We commit to: 1. Lending our support to Eritrean human rights defenders in their efforts in raising awareness and ensuring promotion and protection of the rights of the Eritrean people".

ኣቶ ሑሴን ከሊፋ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣቦመንበር ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳንን ብ30 ጥሪ 2016 ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱም ከም ዝተኣስረ ተርጋጊጹ። ብዘይካዚ ኣብቲ ዕለት እቲ ብጻዩ ኣባል መሪሕነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣቶ ዓብደላ ሓምዶይ ኣብ ከሰላ ተኣሲሩ። ሰበስልጣን ሱዳን ብዛዕባ’ዚ ሃንደበታዊ ማእሰርቲ ዝሃብዎሓበሬታ የለን።
እቲ ነዚ ዝምልከት ዜና ብመጀመርያ ብ2 ለካቲት 2016 ብመርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ እዩ ተዘርጊሑ። ድሕሪ እዚ እቲ ኩነታት ከም ዝተፈጸመ ሰደህኤ ካብ ኣቶ ሓሰን ኣሰድ ምክትል ኣቦመንበር ተሓኤ መረጋገጺ ረኺቡ። ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ሱዳን ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናይ ቀረባ ዓርኪ እዩ። በዚ መሰረት እዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ኣብዚ ናይ ነጻነት ተቓለስቲ ማእሰርቲ ኢድ ከይህልዎ ስግኣት ኣሎ።
መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ወልደማርያም ባህልቢ ተክለብርሃን ተ/ጻድቕ
ምስዚ ብዝተተሓኣዘ ክዝከር ዘለዎ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ዝያዳ ንምንጻር ብ14 ለካቲት 2012 ኣቶ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣባል መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ከሰላ ሃለዋቱ ጠፊኡ እዩ። ደሓር ግና ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኤርትራ ዘለዋ 360 ኣብያተ-ማእሰርቲ ናይቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከም ዝተራእየ ዘመልክት ሓበሬታ ተረኺቡ እዩ። ኣብ ምስዋሩ ሓይልታት ሱዳን ምስ ልኡኻት ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኤርትራ ተሓባቢሮም ዝብል ክሲ ብሰፊሑ ክቀርብ ጸኒሑ እዩ።
ብተመሳሳሊ ኩነታት ቅድሚ 24 ዓመታት፡ ጸጥታ ሱዳን ኣብቲ ናይ 22 ማዝያ 1992 ጭውያ ኣባላት ፈጻሚት ኮሚተ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ኣቶ ወልደማርያም ባህልብን ኣቶ ተክለብርሃን ገ/ጻድቕን ኣብ ከሰላ ኢድ ነይርዎም እዩ። እዞም ዝተጨውዩ ኣብ ተስዓታት’ኳ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ተራእዮም እንተነበሩ፡ ድሕሪኡ ግና ኣብ ኢድ ሓለፍቲ ኤርትራ፡ ኣበይ ከም ዘለዉን እንታይ ከም ዘጋጠሞምን ዝፍለጥ የለን።
ብዙሓት ነቲ ስርዓት ዝተቓወሙ ኤርትራውያን በቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ካብ ሱዳን ክጭወዩን ኣብ ኣብያተ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ክሓቁ ከም ዝጸንሑን ዝዝከር እዩ።
Senior Eritrean Opposition Leaders Detained by Sudanese Authorities
Wednesday, 03 February 2016 11:23 Written by By EPDP Information OfficeIt is now confirmed that, Mr. Hussein Khalifa , chairman of the Eritrean Liberation Front (ELF) and also chairman of the central council of the Eritrean Democratic Alliance(EDA), was detained by the Sudanese security in Khartoum on Saturday, 30 January, 2016.
Also detained in Kassala, Sudan, later that day was his leadership colleague in the ELF, Mr. Abdalla Hamdoi. The Sudanese authorities have not disclosed any information about the reasons for the unexpected arrests.
The news was first reported on 2 February 2016 by Adoulis, a usually reliable Eritrean website, and later confirmed to the EPDP by Mr. Hassan Assad, deputy chairman of the ELF.
The Sudanese government is a close friend of the repressive dictatorship in Eritrea and fears among many Eritreans are that the Asmara regime could be behind this latest action against Eritrean freedom fighters.
It is also to be recalled that four years ago this month (on 14 February 2012, to be specific), Mr. Mohammed Ali Ibrahim, a leadership member of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP), "disappeared" in Kassala, Sudan, and was later reportedly seen in one of the 360 prisons of Eritrean regime. It was seriously alleged that Sudanese security elements collaborated with the agents of the Eritrean regime in his "disappearance”.
Mohammed Ali Ibrahim Woldemariam Bahlibi Teklebrahan G/Tsadiq
Likewise, Sudanese security personnel were behind the "disappearance" in Kassala 24 years ago - on 26 April, 1992, to be exact - of Messrs Woldemariam Bahlibi and Teklebrahan G/Tsadiq, both executive committee members at that time of the ELF- Revolutionary Council. During the 1990s, they were seen in Eritrean prisons but to this day remain without any trace as to where they are or what happened to them in the hands of the Eritrean authorities.
It is a known fact that a large number of Eritreans opposed to the dictatorship in Asmara have been kidnapped from the Sudanese and disappeared after actually having been seen in one of the Eritrean dungeons.
እቲ ኣብ ምምኽኻራዊ ኣኼባ ናይሮቢ ዝቖመ ግዝያዊ ኮሚተ ብ30 ጥሪ 2016 ኣብ በይኤርያ ናይ መጀመርያ ኣኼባ ኣካይዱ። ነዚ ኣኼባ ዝመረሐ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) እዩ። ምስኡ ድማ ኣሕዋት ሮመዳን ሳልሕ ካብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን ወልዱ ነጸረኣብ ካብ ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓደነት ኤርትራን ኣብ መድረኽ ነይሮም።
ኣብዚ ኣኼባ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ንመሰረታዊ ትሕዝቶ ኣኼባ ናይሮቢ ብውሕሉልን ልዙብን ኣገባብ ብዝርዝር ኣብሪሁ። ኣብቲ መግለጺኡ ብመድረኽ ናብቲ ኣኼባ ዝተዓደሙ 18 ተቓወምቲ ውድባት ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ክተሳተፉ ዝኸኣሉ ግና 11 ውድባት ምዃኖም ጠቒሱ። ኣብ ዝርዝር መግለጺኡ ድማ ንዕላማ ኣኼባ ናይሮቢ ኣብሪሁ። ንሱ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ንኹሎም ተቓወምቲ ጉጅለታት ማለት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርገሳዊ ማሕበራት፡ መንቅስቓስ መንእሰያት፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝነጥፉ፡ ሚዲያታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኣብ ሓደ ክቢ ጠረጴዛ ምምጻእ ምንባሩ ገሊጹ። ሓው ተስፋይ ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብ ካለኣይ ምምኻራዊ ኣኼባ ነዚ ዝተጠቕሰ ዕላማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እዚ ኮሜት ከይሰልከየ ክሰርሕ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ድሕሪ መግልለጺ ሓው ተስፋይ ደጊጋ እቲ ኣኼባ ንሕቶን መልስን ክፉት ኮይኑ። ካብቲ ኣብዚ ኣኼባ ዝቐረበ ሕቶታት፡ መድረኽ ይእመን ድዩ? ኣኼባ ናይሮቢ ንባይቶ ዝትክእ ድዩ? መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣንጻር ናይ ናይሮቢ ኣኼባ ዝቐነዐ ወፈራ ዘካይድ ስለምንታይ እዩ?፡ ዝብሉ ይርከብዎ። ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ ኣብዚ ኣኼባ ተረኺቡ ነቲ ንመድረኽ ዝምልከት ሕቶታት ንጹርን ውሕሉልን መልሲ ስለ ዝሃበ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣዝዮም ተሓጕሶም። ኣሕዋት ሮመዳንን ወልዱን ድማ ነቲ ዝተዋህበ መልሲ ዝድግፍ ኣገዳሲ ሓሳብ ወሲኾም። እቲ ምይይጥ ምቕሉልን ምክብባር ዝዓሰሎን እዩ ነይሩ።

ኣብ መደምደምታ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንዕላማታት ኣኼባ ናይሮቢ ዘለዎ ዘይተቖጠበ ደገፍ ገሊጾም፡ ኣብ መጻኢ ምስቲ ኮሚተ ክሰርሑ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም። እቲ ኣኼባ ብኹሉ መለክዒ ዕዉት እዩ ነይሩ።
ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ከተማታት ሊድስን በርሚንግሃምን ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ
Monday, 01 February 2016 12:58 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፥ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ዝመርሖ፡ ሓው ኣሰፋው በርሀ (ኣባል ማእከላይ ባይቶ)፥ ሓወ ሃይለ ወልዱን (ኣባል ማእከላይ ባይቶ) ሓው ሓሚድ ድራርን ዝኣባላቱ ልኡኽ፡ ብ30 ጥሪ 2015 ኣብ ከተማ ሊድስ፤ ብ31 ጥሪ 2015 ድማ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ክፉት ህዝባዊ ኣኼባታት ኣካይዱ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓው ጐይትኦም መብራህቱ ሓው ዘርእሰላሰ ረድኢ ኣብ ኣኼባ ከተማ ሊድስ
ኣብ ሊድስ ኣብ እተኻየደ ኣኺባ፡ ናይ እንቁዕ ደሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋናን መልእኽቲ ዘቕረበ፡ ኣብ ምድላው ናይ’ቲ ኣኼባ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ሓው ዘርእሰላሰ ረድኢ ኢዩ። ብድሕሪኡ ሓው ጐይትኦም መብራሕቱ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ብሪጣንያ እውን ንኣኼበኛታት ዕድመ ሰልፊ ኣኽቢሮም ብምምጻኦም ደጊሙ ድሕሪ ምምስጋን ኣጀንዳ ኣኼባ ሓቢሩ።

ኣኼበኛታት ኣብ ከተማ ሊድስ
ኣብ በርሚንግሃም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ከኣ፡ ሓው ሓምድ ድራር፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን ናይ ምስጋናን መልእኽቲ ብምቕራብ ኢዩ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ። ኣኼባ በርሚንግሃም ብኽልቲኡ ወግዓዊ ቋንቋታት ኤርትራ ኢዩ ተኻይዱ።
ኣብ’ዞም ኣኼባታታት እዚኣቶም ዝተዘርበሎም ዛዕባታት፡ ካልኣይ ውድባዊ ጕባኤ ዘሕለፎም ውሳኔታት፡ ንጥፈታት ሰልፊ ድሕሪ ጕባኤ ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ድማ እቶም ንሓባራዊ ስርሓትን ሓድነትን ዝምልከቱ ጕዳያት ነበሩ። ገለ ካብኦም ከም ኣብነት ንምጥቃስ ፈስቲቫል 2015፡ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ መዳይ ዲፕሎማስያዊ፡ ህዝባውን ማሕበራውን መዳያት ዘካየዶም ንጥፈታት፡ ርክብ ሰዲህኤ ምስ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት፡ ተሓኤን ሰዲኤን፡ ዓወደ ምይይጥ (ዎርክሾፕ) ፍራንክፈርት፡ ምምኽኻራዊ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ከንያን ህዝባዊ ምጥርናፋትን ዝብሉ ይርከብዎም።

ሓው ኣሰፋው በርሀ መብርሂ እናሃበ እንከሎ
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ንውሳኔታት ጕባኤ ብዝምልከት ሰልፊ ንተራ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ንምዕባይ ብዓቢ ትዅረት ክሰርሓሉ ከም ዝወሰነ ጠቒሱ። ንሕቶ ሓባራዊ ስራሕ ኣመልኪቱ ከኣ፥ ጕባኤ ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ክጸናበሩ፤ ዝተፈላለየ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ድማ ኣብ ናይ ቀረባ ዕላማታት ሓቢሮም ክሰርሑ መትከላዊ እምነት ሰልፊ ኢዩ ኢሉ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ድማ ምስ ብዙሓት ውድባትን ሰልፍታትን ክራኸብ ከምዝጸንሐ ሓቢሩ። ኣብ ዎርክሾፕ ፍራንክፈርትን ምምኽኻራዊ ዋዕላ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ከንያን እውን ዓላማኡ ምስ ሕቶ ሓድነትን ሓባራዊ ስርሓትን ዝዛመድ ምዃኑ ብዝርዝር ኣረዲኡ።

ኣኼበኛታት ኣብ ከተማ በርሚንግሃም
ኣብ’ዚ ኣኼባታት እዚ ካብ እተላዕሉ ኣገደሲ ሕቶታት፦
- ምስ’ዚ ዘሎ ፍልልያትን ብዝሕን ናይ ተቓወምቲ ውድባት፡ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ወይ ምጥርናፋት ምግባር ዝዕወት’ዶ ይመስለኩም?
- ንመንእሰያት ኣብ ማሕበራዊ መዳይ ብተቓወምቲ ውድባት ዝግበረሎም እንታይ ደገፍ ኣሎ? ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ መንእሰያት፡ ብዘይካ እቲ ስርዓት ዝብሎምን ዝምህሮምን ብዛዕባ ተቓወምቲ ውድባት ዘለዎም ተረድኦ ድሩት ስለዝዀነ፡ ነዚ ብኸመይ ክትፈትሕዎ ትሓስቡ?
- ኣብ ዓለም ብዙሕ ዓይነት ዲሞክራሲ ኢዩ ዘሎ። ሰልፍኹምን ኣየናይ ዓይነት ዲሞክራሲ ኢዩ ዝድግፍ?
- መድረኽ ናይ መረኻኸቢ ድልድል ኢየ እናበለ ስለምንታይ ኢዩ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝራኸበ ዘሎ?
- ሃገራት ምዕራብ ኣብ ሓያላት ውልቀ መራሕቲ ኢዮም ዝምርኰስ። ስለ’ዚ፡ ሰልፍኹም ንኢሳያስ ብኻልእ ሓያል ሰብ ከይትክኦ እንታይ ስትራተጂ ኣለኩም?
- ሰዲህኤ ስለምንታይ ኢዩ ንጻውዒትት ሃገራዊ ባይቶ ነጺጉ ንጻውዒት መድረኽ ተቐቢሉ?
- ተቓወምቲ ውድባት ብሓባር ክሰርሑ ዘየኽእሎም ምኽንያታት እንታይ ኢዩ? ምስ ንዓኹም ዝመሳሰላ ውድባት እንታይ ክትገብሩ ትደልዩ? . . .ወዘተ

መንእሰይ ኣብ ኣኼባ በርሚንግሃም እናሓተተ እንከሎ
ኣባላት ልኡኽ ሰልፊ ንዝቐረበሎም ሕቶታት ተሓጋጊዞም ዝርዝር መልስታትን መብርህታትን ሂቦም። ንኣገደስቲ ብኣኼበኛታት ዝቐረቡሎም ለበዋታት ድማ ሰሚዖም።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ልኡኽ ሰልፊ ሒዝዎም ዝመጸ ኣብ ካልኣይ ጕባኤ ሰልፊ ዝጸደቐ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቪድዮ ፈስቲቫል 2015 ዘርጊሖም።