ማእሰርቲ ኤርትራውያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይቕጽል’ሎ

2024-04-05 08:03:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 287 times

ማእሰርቲ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀጻሊ ከም ዘሎ፡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ገሊጾም። እቶም ዝእሰሩ መብዛሕትኦም መንእሰያት ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ዝያዳ ዝእሰርሉ ሰዓታት ኣብ ምሸት ኮይኑ ዝያዳ፡ ሃያ ሁለት፡ መብራት ሃይልን 24ን ዝተባህሉ ኤርትራውያን ብጻዕቂ ዝርከብሉ ከባብታት ከም ዝኽዕነ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

እቲ ዝተሓዝሉ መብዛሕትኡ መዘናግዒ ቦታታት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ከም ጠንቂ ዝጥቀስ “ሕጋዊ መንበሪ ወይ መንቀሳቐሲ ወረቐት ዘየብሎም” ዝበሃል’ኳ እንተኾነ፡ ሕጋዊ ሰነድ ዘለዎም እውን ተለኪሞም ከም ዝእሰሩን ጉዳዮም ተጻርዩ  ካብ መደበራት ፖሊስን ቤት ማእሰርቲ ቃልቲን ንክወጹ ነቶም ዝሓዝዎም ኣባላት ፖሊስ ዘይሕጋዊ  ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዝግደዱ’ውን ተፈሊጡ።

እቲ ናይ ማእሰርቲ ምኽንያት፡ ሕጋዊ ሰነድ ዘይምሓዝ ጥራይ ከምዘይኮነ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ብተግባራት ፖሊስ  ምምራር ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕጋዊ ንምዃን ከማልእዎ ዝግበኦም ሰነዳት ናይ ምምላእንን] ዝንቀሳቐሰሉ ግዜን ቦታን ናይ ምግንዛብን ግደታ ከም ዘለዎም ኣብቲ ጉዳይ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣካላት የተሓሳስቡ ኣለዉ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ብዘይካ ገዝኡ ዓጽዩ ወረ ምጭንጫንን ዘይሕጋዊ ንግዲ ምክያድን፡ ነቶም ግዳያት ንክሓተሎም ቅሩብ ከም ዘይኮነ፡ ቤተሰብ እቶም ግዳያት በብግዜኡ ክገልጽዎ ዝጸንሑ  እዩ።

ኤርትራውያን ንከምዚ ዓይነት በደል ዝቃልዑ ዘለዉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምብጻሕ ካብ ዶብ ትግራይ ጀሚሮም ብዙሓት ዕንቅፋታት ሓሊፎምን ንኣሰጋገርቲ ገንዘብ ከፊሎም ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቕስዎ፡ እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ክሳብ ሎሚ ኣስታት 300 ኤርትራውያን ብዘይ ድሌቶም ተገዲዶም፡ ናይ ስደተኛ መንነት ዘለዎም ከይተረፉ፡ ናብ ኤርትራ ከም ዝተመልሱን ብዛዕባ ሃለዋት ናይዞም ግዳያት ድሕሪ ምምላሶም፡ ብምምሕዳር ህግደፍ  ዝተዋህበ ሓበሬታ ከምዘየለን ይፍለጥ።

Last modified on Friday, 05 April 2024 10:09