ሱዳን ምንቅስቓስ ዝተፈላለያ መድያታት ዓረብ ኣንጠልጢላ

2024-04-04 08:37:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 300 times

ሚኒስተር ባህልን ዜናን ሱዳን ግራሃም ዓብደል ቃድር

ሰብ መዚ ሱዳን ምንቅስቓስ ሰለስተ ማዕከናት ዜና ዓረብ ከም ዘንጠልተሉ ናይታ ሃገር ሚኒስትሪ ባህልን ዜናን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እተን ምቅስቓሰን ዝተንጠልጠለ ማዕከናት፡ ስካይ ኒውስ ዓረቢያ/ Sky News Arabia፡ ኣል ዓረቢያ/Al Arabiyaን ኣል ሓዳስ/Al Hadathን ምዃነን ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ።

ሚኒስተር ባህልን ዜናን ሱዳን ግርሃም ዓብደል ቃደር፡ ነቲ መግለጺ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ መብርሂ፡ እታ ብኢማራት እትምወል ስካይ ነውስ ዓረቢያ ዝተንጠልጠለት፡ ጐዳእቲ ጸብጻባት ስለ እተውጽእ ምዃና ጠቒሱ። እተን ክልተ ብስዑድ ዓረቢያ ዝምወላ ዝተንጠልጠላሉ ምኽንያት ድማ ፈቓደን ብዘይምሕዳሰን ምዃኑ ኣረዲኡ።

ብፍላይ ነታ ናይ ኢማራት መድያ ስካይ ኒውስ  ብዝምልከት ኣብቲ መግለጺ ዝተጠቕሰ፡ ብዛዕባ ሱዳን ዜናዊ ጸብጻብ ከተቕርብ እንከላ፡ ኤሮ ኒወስ፡ ብዛዕባ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ኣብ ሶማሊያ ንዘውጸኣቶ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምጥቃማ ከሲስዋ። ኣብ ርእሲዚ ምንጭታት ስካይ ነውስ ዓረቢያ፡ ኣብ ናይቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ሱዳን ጽልዋ ኣብ ዘለዋ ጋዜጣ ከም ዝምርኮስ ጠቒሱ። እዚ ክሲ ምስቲ መንግስቲ ሱዳን ብ26 መጋቢት 2024 ዘውጸኦ ንኤመራት ምስቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ብምትሕብባር ዝኸሰሰሉ መግለጺ ዝዛመድ እዩ።

ማሕበር ጋዜጠኛታት ሱዳን ብወገኑ፡ ነቲ ናይ ምንጥልጣል ውሳነ ኮኒኑ፡ “ ምጥሓስ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ እዩ” ኢልዎ። ኣስዒቡ ከኣ ምዕጻው መድያታት፡ ሞያዊ ጋዜጠኝነት ኣዳኺሙ ግጉይ ሓበሬታን ናይ ጽልኢ መደረታትን ዘነግስ እዩ ኢልዎ።

Last modified on Thursday, 04 April 2024 10:44