ደንማርካዊት ጋዜጠኛ ንተግባራት ህግደፍ ኣቃሊዓ

2024-03-16 13:15:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 440 times

ምስሊ ካብ መርበብ ሓበሬታ

ኣብ ዴንማርክ ዝበዝሐ ተዓዘቢ ናይ ዘለዉዋ ተለቪዥን ዲኣርዋን/DR1 ጋዜጠኛን ናይ ሕጊ ምህርትን ትሪነ ማሪያ ኢሎሰይ፡ ንተግባራት ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ሃገራ ከም ዘቃለዐት፡ ነቲ ብቋንቋ ዴንማርክ ብ4 መጋኢት 2024 ዝዘርግሓቶ መደብ፡ ኣብ ተለቪዝን ኣሰና ናብ ትግርኛ ዝተርጐሞ ሓው ሃይለ ወልደሚካኤል ሓቢሩ።

እታ ጋዜጠኛ ነቲ መደባ ንምድላው ሰፊሕ መጽናዕቲ ከም ዘካየድትን ምስ ብዙሓት ዝርርብ ከም ዘካየደት ኣብቲ መደባ ኣስፊራ። ካብቶም ዘዛረብቶም ኣብ ደንማርክ ዝነብሩ ዘለዉ፡ ኣንበስ ኣብርሃ ብ2024ን ሄለን ድማ ብ2013 ዝተሰዱ መንእሰያት ይርከብዎም። እዞም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ካብ ሃገሮም ንክስደዱ ዘገደዶም ምኽንያት ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ህግደፍ ምዃኑ ከም ዝሓበርዋ እታ ጋዜጠኛ ጠቒሳ።

ኣብ ሃገሮም መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ከም ዘየለን ምእንቲ መሰል ዝግበርዎ ቃልሲ ኣብ ዴንማርኪ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ይቕጽልዎ ከም ዘለዉን ገሊጸሙላ። ህግደፍ ናይ ምቅላዕ ቃልሶም ብምቕጻሎም ብደገፍቲ ናይቲ ጉጅለ ክሳብ “ናይ ምቅላዕ ተግባራትኩም እንተዘየቋሪጽኩም ክንቀትለኩም ኢና” ዝብል መጠንቀቕታ ከም ዝበጽሖምን ብሰንኩ ስግኣት ከም ዝሓድሮምን ከም ዝገለጺላ  ኣቃሊዓ። እንተኾነ በዚ ሰንቢዶም ንህግደፍ ካብ ምቅላዕ ድሕር ከምዘይብሉ ምርደኣ ከኣ ሓቢራ።

ምስዚ ኣተሓሒዛ ድማ ኣብቲ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ደገፍትን ህግደፍ ዝካየድ ምትፍናን፡ ፖሊሲ ዴንማርክ ነቲ እቶም ዝቃወሙ ደለይቲ ፍትሒ ዘቕርብዎ ሓሳብ ስለ ዘይርድእዎ ተጽዕኖታት ከም ዝገብርሎምን ንሳ ከም ጋዜጠኛ እውን ነቲ ኩነታት ከምቲ ናይ ፖሊስን ትርደኦ ከም ዝነበረት ጠቒሳ። ደሓር ነቲ ኩነታት ምስ ኣጽነዓቶ ግና ናይ ፖሊስ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ ኣይነበረን ዝብል ተረድኦ ከም ዝሓደራ ኣስፊራ፡ ፖሊስ’ውን ብግቡእ ንክርድኦ ጸዊዓ። ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ከይዳ ዘዛረብቶም ደለይቲ ፍትሒ መንእሰያት ብኣተሓሕዛ ናይቲ ፖሊስ ሕጉሳት ዘይምዃኖም ከም ዝገለጹላ’ውን ሓቢራ።

ብዛዕባቲ  ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ምርጫ ዘየካየደ፡ ናጻ መድያን መስመር ኢንተርኔትን ዘይፈቅድን ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን 2% ኣገዲዱ ዘኽፍል ምዃኑ፡ ተወከልቲ ኣምኒስት ኢንርናሽን ከም ዘረጋገጹላ ከኣ ኣፍሊጣ። ኣብ ሕድሕድ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብሰንኪ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ፡ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተቓወምቲ ክሳብ ናይ ኣካል መጉዳእቲ ዘብጽሕ ማህሰይቲ ከም ዘውርዱ ካብ ዘዘራረበቶም ግዳያት ምዝረኸበቶ ሓበሬት ምርደኣ ጠቒሳ።

ወከልቲ ህግደፍ ብዛዕባዚ ጉዳያት መብርሂ ንክትረክብ ዝገበረቶ ዝተፈላለዩ ፈተነታት፡ ብሰንኪ ዘይምትሕብባሮም ክዕወት ከምዘይከኣለ ጠቒሳ፡ እቲ ናይ ምቅላዕ ተግባራት ከም እትቕጽሎ ቃል ከም ዝኣተወት ከኣ ካብ ትርጉም ናይቲ መደባ ምርዳእ ይከኣል።

Last modified on Saturday, 16 March 2024 14:38