ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዶብ ትግራይ ጸገም የጋጥሞም’ሎ

2024-02-12 15:38:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 365 times

ብሰንክ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ተደጋጋሚ ግፋ ስግኣት ዝሓደሮም ኤርትራውያን መንእሰያት ናብ ትግራይ ክሰግሩ እንከለዉ ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎ ዝተፋላለያ ካብ ወጻኢ ዝፍነዋ ማሕበራዊ መድያታት ኤርትራ ሓቢረን። ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ ዘእቱ ዶባት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዛላንበሳን ራማን እቶም መንእሰያት መግስቲ ትግራይ ብዘይፈልጦም ሰባት እናተጨውዩ፡ ምስቲ ናይ ሊቢያን ሲናይን ብዝመሳሰል ኩነታት፡ ኣሸሓት ዶላራት ክኸፍሉ ከም ዘገድድዎም እቶም ምንጭታት ገሊጾም።

እቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ድማ፡ እቶም ኣብ ዶባት መንእሰያት ጅሆ ሒዞም ገንዘብ ዘኽፍሉ ዓመጸኛታት ምስ ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ደለልቲ ምትእስሳር ዘለዎም ምዃኑ ኮይኑ፡ እቲ ግዱድ ምኽፋል ዶላራት ከኣ ኣብቲ ዶብ ሓደ ግዜ ጥራይ ዝፍጸም ዘይኮነ እንደጋና ናብ ካለኦት ደለልቲ ተረኪቦም ዳግማይ ክኸፍሉ ዝግደዱ ምዃኖም እዩ። እቲ ሰንሰለት ጭውያን ምኽፋል ገንዘብን ኣብ ትግራት ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ ብማእከል ኢትዮጵያ ኣቢሉ ክሳብ ኬንያን ኡጋንዳን ዝዝርጋሕ ሓደገኛ ሰንሰለት ብምዃኑ ከኣ ዝያዳ የተሓሳስብ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ድሕሪቲ ውግእ ትግራይ ኣብ መደበር ስደተኛታት ማይዓይኒ ተሪፎም ዝነበሩ ሒደት ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኩነታት ከቢድዎም ካብ መደበር ኣለምዋጭ/ዳባት ናብኡ ዝተመልሱን  ኣብዚ እዋንዚ ብዘይዝኾነ ይኹን ሓገዝን ሓለዋን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ መንነቶም ብዘይፍለጡ ለይቲለይቲ ብዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከም ዘሎ ባዕላቶም ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

Last modified on Monday, 12 February 2024 16:52