መበል 25 ዓመት ምምስራት ዲውዓቀባ ከም ዝተዘከረ ተገሊጹ

2024-02-01 19:35:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 476 times

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2024፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ኤውሮጳን ኒውዜላንድን፡ ዝርከቡ ተወላዲ ዓፋር መበል 25 ዓመት ምምስራት ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ (ዲውዓቀባ) ከም ዘኽበሩ ብፌስቡክ  ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍሊጦም።

እቲ መግለጺ ተሳተፍቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓፋር ኣብ ዝሓለፈ 32 ዓመታት ዝተፈጸመ ጭቆና ይገድድ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ህዝቢ ዓፋር ምስ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ጭቆና ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከሕይል ከም ዝጸውዑ እቲ  ብ28 ጥሪ 2024 ብሓባር ዘውጽእዎ መግለጺ ጠቒሱ።

መግለጺኦም ህዝብና ካብ ጭቆና ክሳብ ዝናገፍ ቃልስና ክንቅጽል ኢና ኢሉ፡ ሕብረሰተሰብ ዓለም ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ህዝቢ ዓፋር ናይ ጸጋታቱ ተጠቃሚ ዝኾንሉ ኩነታት ንምፍጣር ተጽዕኖኦም ከሕይሉ ንጽውዕ ኢሉ።

ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ  ክሳብ ዝላቐቕ ሓቢሩ ንክቃለስ ኣዘኻኺሩ፡ ተሳተፍቲ  ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) በጺሕዎ ዘሎ ስምምዕ ከተግብሩ ድሉዋት ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ካለኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ  እው ቃልሶም ከሕይሉ ምጽወዖም ኣስፊሩ።

ከምኡ እውን ኣብቲ መግለጺኦም ጐባብቲ ሃገራትን  ዓለም ለኻዊ  ትካላትን ኣብ ዝተፈላለየ  ቦታታት  ንዘለዉ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ዓፋር ንክሕግዙን ኣንጻር ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንክተሓባበሩን  ጸዊዖም።

ኣብ መወዳእታ መግለጺኦም ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ መንእሰያት፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ደቂ ኣንስትዮን ኣባላት ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝኣባላታት ኣብ ቀጻሊ ንዝካየድ ሰፊሕ ኮንፈረንስ እተሰናድእ ኮሚተ ከም ዝመረጹ እቲ መግለጺ ሓቢሩ፡

Last modified on Thursday, 01 February 2024 20:45