ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ

2023-10-21 07:21:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 773 times

ብዕለት 20.10.2023 ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣኼባ ብኦቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ዝተመርሔ ኮይኑ፣ ኣብ መኽፈቲ ቃል ናይቲ ኣኼባ ንኹሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ብምምስጋን ሰናይ ትምኒቱ ብምግላጽ እዩ ጀሚሩ።

ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ኣብ እዋናው ዛዕባታት ዘትኮረ ኮይኑ፡ ብቀንዱ ንላኣላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ዘሎ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድን፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብሓድሽ ተጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ 1993 ዓ.ም. ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ዘይተዋሕጠሎም ኢትዮጵያውያን ጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ኣዋን ጀሚሮም ከልዕልዎ ዝጸንሑ’ኳ እንተኮኑ፣ እቲ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጸን ንብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይዝኾነ ይኹን ኩነት ንምትግባሩ ቃል ዝኣተወን ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ተመሊሱ ኣብ ፓርላማ ብምስምስ ዘይሓቀኛ ታሪኽን ብዝሒ ህዝብን ናይ ይግባኣና እዩ ሕቶ ምልዓሉን፡  ናብ ዘይውዳእ ምድማይ ዘእቱ ምዃኑ ኣኼባ ፈጻሚ ተገንዚቡ።

በዚ መሰረት፡ ሰዲህኤ ወደባት  ኮነ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ልኡላዊ ኤርትራ ምዃኑ ይኣምን፡ ነዚ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ብኢሳያስ ዝተገብረ ውዑላት ኮነ ስምሞዓት ከይምዘይቕበል፡ ንተጠቃምነትን ሓባራዊ ዕብየትን ሃገራት ዝምልከት ግን፡ ብሃገራዊ፡ ዞባውን ኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ዝተማእከለ ውዑላት ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣኼባ ርእዩ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግል፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጎ ፍሊስጤማውያንን እስራኤልን ተጀሚሩ ዘሎ መወዳእትኡ  ዘይፍለጥ፣ ንህዝቢ ዘህልቕን ዘመዛብልን ዘሎ ኲናት ታሪኻዊ መንቀሊ ዘለዎን ንልዕሊ 75 ዓመታት ዝቐጸለንኳ እንተኾነ ውግእ ደው ኢሉ ናብ ዘተን ልዝብን ክኣቱ፡ በቲ ናይ 1948 ኮነ ናይ 1967 ብይን  ሕቡራት ሃገራት ክምእዘዙ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቤት ምኽሪ  ጸጥታን ግደኦም ከበርክቱ  ጸዊዑ።  (ነዚ ዝምልከት ምሉእ ትሕዝቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ክስዕብ እዩ)

Last modified on Saturday, 21 October 2023 09:24