ኣምኒስት ኢንተርናሽናል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምጽራይ ንክቋረጽ ዘቕርቦ ዘሎ መጸዋዕታ ክንጸግ ተማሕጺኑ

2023-03-04 11:17:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 867 times

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክምርምር ዝተመዘዘ ሰለስተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚሽን ስራሑ ንከቋርጽ ዘቕርቦ ዘሎ ሓሳብ ተቐባልነት ንከይረክብ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ነቲ መጸዋዕታ  ብ3 መጋቢት 2023 ዘቕረቦ ናብቲ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር/ETHIOPIAN INSIDER ኣፍሊጣ።

ምክትል ዳይረክተር ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል  ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍላቪያ ምዋንጎቭያ፡ ዝተፈጸመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንምጽራይ ዝተመዘዘ ኮሚሽን ስራሑ ንከቋርጽ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ሕቶ ዘተሓሳስብ እዩ ኢለን። ኣተሓሒዘን ከኣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ናይ ውግእ ገበናትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ክጻረ እሞ ዝተበደሉ ሚልዮናት ሰባት ፍትሒ ንክረኽቡ ትብዓት ከምዘየብሉ ዘርኢ እዩ ኢለነኦ።

እተን ምክትል ዳይረክተር ኣተሓሒዘን፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ በደል ከጻሪ ዝተመዘዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ናብቲ ከም ክልል ኦሮሞ ዝኣመሰለ ገበናት ዝተፈጸመሉ ከባብታት እውን ንክኣቱ ክፍቀደሉ ጸዊዐን። ኣተሓሒዘን ድማ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ መርማሪ ኮሚሽን ዘስግእ ውሳነ ኣብ ምንጻግ ክተሓባበር ኣተሓሳሲበን።

እዚ ናይ ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ውሳነ ሓሳብ፡ ናብቲ ኣብ ከተማ ጀነቫ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ጉባአ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ከም ዝቐርብ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይ ኢትዮጵያ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብዚ ቀረባ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ ኮሚሽን ስራሑ ንከቋርጽ ዘቕረብዎ ሓሳብ፡ ልዕሊ 60 ዘይመንግስታዊ ትካላት ብሓባር ብዘውጸአኦ መግለጺ ተቓውሞአን ከም ዝገለጻ  እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ምጽራይ ኣብ ኩሎም ኣብ ውግእ ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ስለ ዝካየድ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ እውን ዝምልከቶ እዩ።

Last modified on Saturday, 04 March 2023 12:20