ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ፡ ቀጥዒ ምክፍፋል ስልጣን ኣጽዲቑ

2023-03-03 09:57:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 810 times

ኣብ ከተማ መቐለ ብ1-2 መጋቢት 2023 ዝተሳለጠ ኮንፈረንስ ኣብ ትግራይ ዝምስረት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝምረሓሉ ሰነድን ቀጥዒ ምክፍፋል ስልጣንን ከም ዘጽደቐ ብዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ኣስታት 350 ብድምጺ 50 ድማ ብዘይድምጺ ተወከልቲ፡ ካብ  ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ማሕበራት፡ ሰራዊትን ምሁራትን ከም ዝተሳተፍዎ  እቲ  11 ነጥብታት ሒዙ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።

በቲ መግለጺ መሰረት እቲ ዝቐውም ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ 17  ኣብያተ ጽሕፈትን 9 ክላስተራትን ክህልውዎ እዮም። ካብዚ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዕቤት ከተማታት፡ ገንዘብ፡ ትምህርትን ጥዕናን ዝርከብዎ 9 ኣብያተ-ጽሕፈትን 5 ክላስተራትን ብህወሓት፡  ቤት ጽሕፈት ጸጥታን 2 ክላስተራትን ብሰራዊት ትግራይ፡  ቤት ጽሕፈት ፍትሕን 1 ክላስተርን ብምሁራት፡ ጉዳያት ቱሪዝም፡ ሃብቲ ማይ፡ መንገድን ትራንስፖርትን ዝርከብዎ 6 ኣብያተ-ጽሕፈት ድማ ብተቓወምቲ ውድባት ከም ዝተሓዝ  ዩኤምዲ/UMD  ዝተባህለ ማሕበራዊ መዲያ ዝዘርግሖ ሰንጠረዥ የረድእ። ብመሰረት እቲ ንምክፍፋል ስልጣን ብዝምልከት ወጺኡ ዘሎ ሰንተረዥ ፕረሲደንት ካብ ህወሓት ዝምዘዝ ኮይኑ፡ ካብ ሰራዊትን ካብ ምሁራትን ድማ ክልተ ምክትላት ይህልዉዎ።

ካብ ኣጀማምራ እቲ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር  ክቃወሙ ዝጸንሑን ተቓወምቲ ውድባት፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነን ባይቶና ዓባይ ትግራይን ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣይተሳተፉን። ዲሞክራስያዊ ውድብ ኢሮብ ግና ተሳቲፉ።

እቶም ተቓወምቲ ውድባት ነቲ ተሓዚእሎም ዘሎ 6 ኣብያተ-ጽሕፈት ዘይቅበልዎ እንተኾይኖም፡ እቲ 4 ንሰራዊት እቲ 2 ድማ ንምሁራት ከም ዝወሃብ ድማ ካብ ተለቪዥን ኣሰና ብዝተረኽበ ሓበሬታ ተፈሊጡ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ እቶም ካብ ምሁራት ዝምዘዙ ብማሕባር ምሁራት ትግራይ ዝሕረዩ ምዃኖም እታ ተለቪዥን ሓቢራ።

እዚ ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ ውሳነ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ተቓወምቲ ውድባት ጥራይ ዘይኮና፡ ዝተፈላለያ ናይ ትግራይ ማሕበራዊ መድያታትን ፖለቲከኛታት ‘ውን ክቃወምዎ ዝጸንሑ እዩ።

Last modified on Friday, 03 March 2023 11:09