ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ፡ ምውጻእ ኤርትራ ካብ ትግራይ ዝርከቦ ቅድመ-ኩነት ኣቕሪቡ

2022-12-23 20:58:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 671 times

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንኢትዮጵያ ዝመደቦ ሓገዝ ንምሃብን ዝምድናኡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት ንምሕዳስን፡ ተጻብኦታት ብቐጻልነት ጠጠው ዘብል ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘይሰግሮ ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ደጊሙ ከም ዘሕደሰ ኣፍሊጡ። ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ድማ ከም ቀንዲ ቅድመ-ኩነት ተጠቒሱ።

እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ዘቋረጸ ውግእ ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ሒደት መዓልታት ቅድሚ ምጅማሩ ክኸውን እንከሎ፡ እንደግና ሎሚ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላስ ቅድመ-ኩነት ኣስፊሩ ኣሎ። ሕብረት ኤውሮጳ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ናብ 90 ሚልዮን ዩሮ ዝጽጋዕ ናይ በጀት ደገፍን ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዩሮ ናይ ልምዓት እዩ ነይሩ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ቅድሚ ውዕል ሰላም ፕሮተርያ’ውን በተደጋጋሚ ብዛዕባቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ዝፍቀደሉ ኩነታት ዝተመያየጡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ካብ መጀመርታኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከማለኦ ይግበኦ ዝበሎ ቅድመ-ኩነት ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ ሎሚ ብባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ሓደሽ ዝቐረበ ሓድሽ ቅድመ-ኩነት፡ ነቲ ቅድም ክቐርብ ዝጸንሐ ቅድመ ኩነታ እውን ከምዘይለቐቖ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ ቅድም ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ንክወጽእ ብቐጻሊ ከም ቅድመ-ኩነት ከቕርቦ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሓድሽ ናይ 22 ታሕሳስ 2022 መግለጺኡ’ውን፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከም ቀንዲ ቅድመ-ኩነት እዩ ኣስፊርዎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት፡ ውዕል ሰላም ፕሮተርያ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ሃናጺ ግደ ክህልወን ጸዊዑ።

Last modified on Friday, 23 December 2022 22:04