2ይ ዙርያ ልዝብ ናይሮቢ፡ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተዛዚሙ

2022-12-23 07:09:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 693 times

ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ኬንያ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ 2ይ ዙርያ ልዝብ ሰላም ብዓወት ከም ዝተዛዘመ፡ እቶም ኣዛተይቲ ሓቢሮም። እቲ 2ይ ዙርያ ዘተ ናይሮቢ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ዝገሉጹን ናብ ምሉእ ትግባረ ንምብጻሕ ተስፋ ከም ዘለዎን ዘረድኢን፡ ሓደ ካብቶም ኣዛተይቲ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሃገረ ኬንያ እሁሩ ከኒያታ እዮም።

ፕረሲደንት ኬንያ ነበርን ኣዛታይ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እሁሩ ከኒያታ፡ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም 21ን 22ን ታሕሳስ 2022 ተራኺቦም ዝዘተዩ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣዛተይትን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ  መቐለ ከም ዝራከቡ ሓቢሮም። ስለምንታይ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከምዘይተረኸቡ ግና ብዘይካቲ ኣብ ጽዑቕ ዘተ ምጽንሖም ካልእ ዝሃብዎ መብርሂ ኣይነበረን።

እሁሩ ከኒያታ ኣብቲ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ስለምንታይ በቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ካብ ትግራይ ዘይወጸ?” ብዝብል፡ ንዝተላዕለ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡  “ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ እዮም ተባሂሉ ስለ ዘሎ ክወጹ እዮም። ኣስማት ምጥቃስ ኣየድልን እዩ” ዝብል መልሲ ሂበምሉ።

ኣብ ርእሲዚ ከኒያታ፡ "ክልቲኦም ወገናት፡ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምክትታልን ንምቁጽጻርን ተኸታታሊ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምልከት ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብሩ ተሰማሚዖም ኣለዉ"  ኣብ ርእሲ ምባሎም፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፡ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሰላም ዓመት ክኾነሎም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርዝር ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ጐንጺ ደው ከብሉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቐጻሊ ክኣቱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ክምለሱን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን፡ ማዕረማዕረኡ ድማ ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ኣካላትን ካብ  ክልል ትግራይ ክወጽ ምስምምዖም ይዝከር።

Last modified on Friday, 23 December 2022 08:21