ኣብ ሱዳን ከባብያዊ ውግእ ክሳብ ከተማ ጀነይና ከም ዝተዘርሐ ተሓቢሩ

2022-04-28 09:46:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 819 times

ኣብ ሱዳን ግዝኣት ምዕራብ ዳርፎር ከም ብሓድሽ ብዝተፈጥረ ዓሌታዊ ጐንጺ፡ ብ25 ሚያዝያ 2022 ክሳብ ናይታ ግዝኣት ዋና ከተማ ጀነይና ከም ዝለሓመን ኣብቲ ግጨት ናይ ቀደም ዕጡቓትን ኣባላት ህጹጽ ሓይሊ ሱዳንን ከም ዝተሳተፉ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እዚ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዓረብን ማሳሊትን ካብ ዋና ከተማ ናይታ ግዝኣት 80 ኪሎ ሜተራት ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከረነይክ ከም ዝቐጸለ እውን ተፈሊጡ።

ናይ ሱዳን ሓካይም ናጻ ኣካል ማእከላይ  ኮሚተ ብ25 ማዝያ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ ግጭት ኣብ ጀነይና ከም ዝተኻየደ ኣረጋጊጹ፡ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ክኢላታት ሕክምና ንህይወቶም ክብሉ ከም ዝሃደሙ ሓቢሩ። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብ ጀነይና ነታ መርበብ ሓበሬታ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣባላት ህጽጹ ሓይልን ብካሚስ ኣብካር ዝምርሑ ኣባላት ቃልኪዳን ሓይልታት ሱዳን ከም ዝተሳተፉ ኣረጋጊጹ። ካሚስ ኣብካር ኣብ ልዕሊ ወታሃደራዊ ኣዛዝነቱ፡ ናይታ ግዝኣት ኣመሓዳሪ ኮይኑ ካብ ዓሌት ማሳሊት እዩ።

ሙሳ ሙስጠፋ ዝተባህለ ኣባል ቃልኪዳን ሓይልታት ሱዳን፡ ህጹጽ ሓይሊ ሱዳን ዓሌት ምኽንያት ብምግባር ሲቪል ከም ዝቐተለ ከሲሱ። ሙሳ መስጡፋ ኣተሓሒዙ እቲ ደባይ ሓይሊ፡ ኤሊያስ ሙስጡፋ ንዝተባህለ ናይ ዓሌቱ ወተሓደራዊ ኣዛዚ ዝነበረ ከም ዝቐተልዎ ሓቢሩ። ኣብ ዋና ከተማ እታ ግዝኣት ብዝተኻየደ ውግእ ስድራቤታት ካብታ ከተማ ክለቁ ከም ዝተገደዱ ተሓቢሩ። ሓደ ነባሪ ኣል-ጀበል፡ ኣብቲ ቦታኡ ብሰንኪ ብዕጡቓት ሚሊሻ ዝተኻየደ ደብዳብ፡ 2ተ ሰባት ሞይቶም 4ተ ከም ዝቖሰሉን ሓያሎ ኣባይቲ ከም ዝዓነወን ምስክርነቱ ሂቡ።

ፈጻሚ ዳይረቶር ከባቢ ከረነይክ ናስር ኣልዛይድ ንሱዳን ቱሪብን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡  ብመሰረት መባእታዊ ዝርዝር ኣብዚ ሓድሽ ጐንጺ 150 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ንምቁጽጻር ብዙሓት ወተሃደራት ተዋፊሮም ኣለዉ።

ናይቲ ከባቢ መራሕቲ እቲ ስጉምቲ ዝወሰደ ዕጡቓት ሓይልታት ካብ ካልኦት ግዝኣታት፡ ምናልባት እውን ካብ ከም ቻድ ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ከም ዝርከብዎ ኣቃሊዖም።

Last modified on Thursday, 28 April 2022 11:49