ትካል ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ናብ ኢትዮጵያ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ

2022-03-18 20:50:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 779 times

ፕረሲደንት  ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም ናይ ስፓኛ  ፓውላ ጊል፡ ብ17 መጋቢት 2022 ኣብ ዘውጽኤኦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ነቶም ብ24 ሰነ 2021 ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ኣባላቶም ብዝምልከት ናይ ዝገበረቶ ምጽራይ ውጽኢት ዝምልከት ዝርዝር ክትህቦም ከም ዝሓተታ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ናይቶም ኣብ ትግራይ ዝተቐትሉ ሰራሕተኛታት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ስፐይናዊት ጓል 35 ዓመት ማሪያ ሄርናንደዝ፡ ተጋሩ ደቂ 31 ዓመት፡ ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን ቴድሮስ ገብረማርያም ገብረሚካኤልን ሬሳ ብ24 ሰነ 2021 እዩ  ደተርብዩ ተረኺቡ። ዝጥቀሙላ ዝነበሩ መኪና ከኣ ንጽባሒቱ 25 ሰነ 2021 ካብቲ ሬሳታት ዝወደቐሉ ቦታ 100-400 ሜትሮ  ርሒቓ  ከም ዝተረኽበት እዘን ፕርሲደት ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብ መግለጺኤን  ሓቢረን።

እቲ መግለጺ ናይቲ  ትካል ድሕሪ 6 ኣዋር ኣቀታትለኦም ንምፍላጥ፡ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ጻዕሪ ንክግበር ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጸዋዒት ኣቕሪቡ ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ብዛዕባዚ ቅትለት ምስ ብዙሓት ናይ ኢትዮጵያ ፈደራላዊ  ዲሞክራስያዊ ረፐብሊክ  መንግስቲ (ኢፈዲ ሪመ)  ሚኒስተራትን ናይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  ( ህወሓት) ኣካላትን ተራኺቦም ናይ  ዝተገብረ መርመራ ውጽኢት ክወሃቦም ከም ዝሓተቱ እውን ጠቒሶም።

ኒውዮርክ ታይምስ ዝተባህለት ጋዜጣ ብወገና፡  ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረበቶ ውጽኢት  መርመራ ናይቲ ቅትለት ተሓታትነት ንኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝምልከት ብ17 መጋቢት 2022 ኣመልኪታ። ምስዚ ብዝተጠሓሓዘ እቲ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ እቲ ትካል ኣቀታትላ ሰራሕተኛታቱ ንምፍላጥ፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዝተፈጸመን ብድሕሪቲ ተግባር መን ከም ዝነበረን ምሉእ ግንዛበ ንምርካብ ብዘይዕረፍቲ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ኣመልኪቱ። እተን ፕረሲደንት ናይቲ ትካል ባዕላቶም ብዝገበርዎ ጻዕሪ  ዝረኸብዎ ሓበሬታ ከም ዘሎን ነቲ ሓበሬታ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ከም ዘካፈልዎ ጠቒሰን፡ እንተኾነ ዝያዳ ምርግጋጽን ምንጻርን ከም ዘድልዮም ድማ ኣስፊረን።

ፕረሲደንት ፓውላ ኣብቲ ዝገበረዎ ናይ ምጽራይ ጻዕሪ፡ ብምሉእ ዓቕሞም ምእንቲ ብዛዓብቲ ቅትለት ከጻርዩ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኮነ ንሓይልታት ትግራይ ከም ዘሳተፍዎም ሓቢርን። እቲ ዝረኸብዎ ሓባሬታ ነቲ ትካል ኮነ ንቤተሰብ እቶም ግዳያት ንከካፍሉ ከም ዝሓተትዎም እውን ገሊጸን። ምስዚ ኩሉ ግና ስለምንታይ እቲ ቅትለት ከም ዝተፈጸመ ዘዕግብ ሓበሬታ ኣይተረኽበ። ብዛዕባዚ ጉዳይዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ቀጻሊ መርመራ ስለ ዘሎ፡  ውጽኢት ናይቲ  ግዜ ዘይህብ ምጽራይ ክረኽባ  ይጽበያ ምህላወን ኣብ መግለጺኤን ኣስፊረን ።

Last modified on Friday, 18 March 2022 22:25