ወርሒ መጋቢት 64 ተጎርባ ዓባይ ሓበን

2022-03-14 07:17:06 Written by  ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1142 times

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልስን  1991 ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና፡ ናይ መጀመርታን መወዳእታን ዕድለኛታት ጫፋት እየን። 15 መጋቢት 1964ን ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ተዘክሮ ኣንቢረን ካብ ዝሓልፋ ዕለታትን ቦታታትን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 58 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን ብምስትነዓቕ ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ዕላማን፣ ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም 80-84 ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ሓይልኳ እንተለኣኹ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ ግን ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ሰውራና  እውን  ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ክቡር ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጃላን ብጾቱን ብ15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ  ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 58 ዓመታት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ ኣብ ግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንኻልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባ ዓመት መጸት እንዝክራ።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ሕጂ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን።  ኣብ ግዜ ዓወት ተጐርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግድነት’ውን ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እዩ ዝሰጋገር። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ። ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡ እቲ ሓላፍነት ግና ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ  ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ብዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ  ሓላፍነት እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ናይ ሎሚ መንእሰይ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐበኝነትን መሰረት ገይሩ፡ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእልን ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ከም ዝኸውን ናይ ምኽኣል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።

Last modified on Monday, 14 March 2022 08:29