ኣብ ዓፋር፡ 5 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሞይቶም ኣሸሓት ተመዛቢሎም

2022-02-19 09:14:06 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 815 times

(ካብ መደብር በርሓለ ሃዲሞም፡ ኣብ ከተማ ሰመራ ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት)

ሕቡራት ሃገራት ብ18 ለካቲት 2022 ኣብ ዘወጸኦ፡ መግለጺ ብሰንክቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ካብ ጐረቤት ኤርትራ ዝተሰዱ ተዓቒበምሉ ዝነበሩ መደበር በርሓለ ፈሪሱ 5 ስደተኛታት መይቶም ኣሸሓት  ከም ዝተመዛበሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ መጀመርያዚ ሒዝናዮ ዘለና  ወርሒ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘጋጠመ ጉድኣት ናይቲ ብሰንክቲ 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእ ኣብ ልዕሊ ካብ 100 ሺሕ ንላዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ከጋጥም ዝጸንሐ ማህሰቲ መቐጸልታ ኮይኑ፡ እቲ ዝሓደሰ ተረኽቦ  ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ እዚ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ዘጋጠመ ሽግር ናይቲ ከም ሓድሽ ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣንጻር መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተኻየደ ውግእ ውጽኢት ምዃኑ ኣረዲኡ።

ካብቲ ኣብ መደበር ስደተኛታት ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ዝተረፉ ስደተኛታት ከም ዝገለጽዎ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ብ3 ለካቲት 2022 ናብቲ መደብር ምስ ኣተዉ፡ ብውሕዱ 5 ስደተኛታት ሞይቶም፡ ሓያሎ ከም ዝተበታተኑን ቁጽረን ዘይተፈልጠ ደቂ ኣንስትዮ ተዓፊነን ከም ዝተወስዳን እቲ መግለጺ ሓቢሩ። ከምኡ እውን ኣባላት ስድራቤታት በቲ ኩነታት ከም ዝተጠፋፍኡ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። መደብር ኤርትራውያን ስደተኛታት በርሓለ፡ ኣብ ክልል ዓፋር ናብ ዶብ ትግራይ ኣብ ዝቐረበ ኣከባቢ ዝርከብዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ሰራዊት ትግራይ ንዝሰፈሐ ክፍሊ ናይ ክልሉ ዝቆጻጸር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ዓፋር ዝኣተወሉ ምኽንያት ካብ ወገን ዓፋር መጥቃዓቲ ከም ዘጋጠሞ ምስ ኣፍለጠ እዩ። እዚ ብ18 ለካቲት 2022 ዝወጸ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉድኣት መን ከም ዝፈጸሞ ዘነጽር ሓበሬታ ኣይሃበን። እንተኾነ  ኤኤፍፒ (AFP) ዝተባህለ ማዕከን ዜና፡ ካብቲ መደበር ሃዲሞም ኣብ ከተማ ሰመራ ዝረኸቦም ስደተኛታት ኣዘራሪቡ ፈጸምቲ ሰራዊት ትግራይ እዮም ዝብል መልሲ ከም ዝረኸበ ኣስፊሩ። ኣብዚ እዋንዚ ብኣካል ናብቲ መደበር ምኻድ ስለ ዘይከኣል፡ ኣድላይ ምጽራይ ምግባር ኣይተኻእለን።

 እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ ነዚ ብዝምልከት ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ምላሽ ከምዘይረኸበ ጠቒሱ፡ ኣብ ልዕሊ መደበር ስደተኛታት ዝግበር ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ ከም ዘውግዝ ኣረጋጊጹ። እቲ ውግእ ብመንገዲ ተኹሲ ተጠው ምባል ኣቢልካ ኩሉ ህውከት ዝውገደሉ ኩነታት ንክፍጠር ዳግማይ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ።

Last modified on Saturday, 19 February 2022 10:17