ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከተማ መቐለ ተቖጻጺሩ

2021-06-29 07:18:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1521 times

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ካብ 28 ሕዳር 2020 ጀሚራ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝጸንሐት ከተማ መቐለ  ብ28 ሰነ 2021 ኣጋ ምሸት ከም ዝተቖጻጸራን መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦታኡ ከም ዝተመልሰን፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ። እዚ ዜና ብዘይካ በቲ ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዝተዋህበ መግለጺ፡ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ከይተረፈ  ተረጋጊጹ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ቅድሚ ናብ ከተማ መቐለ ምእታዉ “ወፍሪ ኣሉላ ኣባ ነጋ” ብዝብል ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓያል ወጥቃዕቲ ከካይድ ቀንዩ እዩ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ቅድሚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ናብ ከተማ መቐለ ምእታዉ፡ ካብቲ ንትግራይ ብግዝያውነት ከመሓድር  ብሰልፊ ብልጽግና ተመዚዙ ዝነበረ ዶክተር ኣብራሃም በላይ  ኣብ ትግራይ ተኹሲ ናይ  ምቁራጽ ስምምዕ ንክግበር ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ  ነቲ ጻዋዒት ተቐላጢፉ ተቐቢሉ ናይ ሓይልታት ትግራይ መልሲ ከይተጸበየ፡ በይናዊ ተኹሲ  ናይ ምቁራጽ  ስጉምቲ   ኣውጁ። ብኡ ንብኡ ከኣ  መንጎኝነት    ኤምባሲ ኣሜሪካ  ኣብ ኢትዮጵያ ምሕታቱን’ውን  ተፈሊጡ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ትግራይ መራኸብታት ኣቋሪጹ ምስ ጸንሐ ኣብ 28 ሰነ 2021 ቀቅድሚ ሓይልታት ምክልኻ ናብ ከተማ መቐለ ምእታዉ ካብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ንወገን ዓፋር ከም ዘምርሐ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ገሊጾም። ኣብዚ እዋንዚ ኩነታት ናይተን ካለኦት ከተማታት ትግራይ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ ኣይተፈለጠን። ዝተፈላለዩ ናይ ትግራይ ማሕበራዊ መራኸብታት ብወገኖም “እዚ ዓወት ምትሓዝ ከተመ መቐለ እምበር ምሕራር መላእ ትግራይ ዘመልክት ኣይኮነን” ዝብል መጠንቀቕታ ርኢቶ ይህቡ ኣለዉ። ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ ንጹር ሓበሬታ የለን።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ቅድሚ ከተማ መቐለ ኣብ ኢድ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምውዳቓ፡ ብ21 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩነታት ንምምዛን ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ ኣኼባኡ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ሂብዎ ዝነበረ ኣድህቦ ዘኪሩ፡  ስግኣት 3ይን ሓድነታውን ጕባኤና ጋህዲ ኰይኑ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ህልቀትን ስደትን፣ ሃገርና መናሃርያ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ህዝብና ድማ ግዳይ ናይ ዘይምልከቶ ውግእ ኰይኑ ኣብ ዲቕ ዝበለ ስቓይን ሓዘንን ይርከብ ኣሎ። “ ዝብል ሚዛን ኣንቢሩ። ካብዚ ሚዛኑ’ዚ ነቒሉ ኣብዚ ኣኼባኡ ካብ ዘውጸኦ 9 ነጥብታት ዝሓዘ ወግዓዊ መግለጺ ከኣ  1. ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ።”  ዝብል ከም ዝነበሮ ዝዝከር እዩ።

Last modified on Tuesday, 29 June 2021 09:21