ምርጫ ክልል ትግራይ ተኻይዱ

2020-09-10 08:38:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2113 times

ኣብ ክልል ትግራይ ብ9 መስከረም 2020 “ትግራይ ትመርጽ”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ 6ይ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ። ኣብዚ ህዝቢ እታ ክልል ኣብ ኩሉ ዞባታት፡ ወረዳታታን ቀበለታትን ብዝለዓለ ኒሕ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ድምጺ ክህበሉ ዝወዓለ ምርጫ፡ 5 ኣብቲ ክልል ዝነጥፋ ውድባትን ኣርባዕተ ውልቀ ሰባትን  እዮም ተወዳዲርም። እተን  ዝተወዳደራ ውድባት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡  ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ([ሳወት)፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት)፡ ባይቶና ዓባይ ትግራይ {ባይቶና)ን ዓሲምባ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ (ዓዴፓ)ን እየን። ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንደርጊ ካብ ዝሰዓራ ውድባት መሪሕ ብጽሒት ዝነበራን ድሕሪ ደርጊ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምቛም ዓብይ ግደ ዘበርከተትን ነባር ውድብ ኮይና እተን ዝተረፋ ኣርባዕተ ውድባት ግና ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተመስረታ እየን። መብዛሕተአን እዘን ውድባት፡ “ትግራይ መሰላት ህዝባ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝተሓለወሉ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ክትቅጽል” ዝድግፋ ክኾና እንከለዋ፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት) ግና “ትግራይ ካብ ሎሚ ጀሚራ ነብሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትከውን ክቃለስ እዩ” ኢሉ ከምዝኣምን ኣብቲ  ቅድመ-ምርጫ ዝነበረ ክተዓቶም ተንጸባሪቑ እዩ።

ቦርድ ምርጫ ትግራይ ኣቐዲሙ ብዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ምርጫዚ ክሳተፍ ዝተመዝገበ መራጺ ህዝቢ 2.7 ሚልዮን እዩ። ዝተደመጸሉ መደበራት ከኣ 2672 እዩ። ነዚ ምርጫ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ምርጫታት ፍሉይ ዝገብሮ ከም ዘሎ እቲ ቦርድ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። እቲ ፍልዩነት  ብፍኑው ብዙሕ ድምጺ ዝረኸበ ተወዳዳሪ ኣባል ቤት ምኽሪ ይኸውን ዝበል ዘይኮነ “ሓንፈጽ ንጽጽራዊ” ዝብል ኣገባብ’ ምትእትታው’ዩ። በዚ መሰረት እቲ 80% ወናብር ብቐጥታ ዝለዓለ ድምጺ ብዝረኸቡ ዝተሓዝ ኮይኑ፡ እቲ 20% ግና ኣብ ዝተፈላለዩ መደበራት ዝተዋህበ እሞ ዘይተዓወተ ድምጺ ኣብ ክንዲ ዝባኽን ደሚርካ ብምምቕራሕ ኩለን ውድባት ዝውከላሉ ኩነታት ዝፍጠረሉ እዩ።

እዚ ምርጫ ካብቲ ቅድም ብዝሑ 152 ዝነበረ ኣብዚ ናይዚ ዓመት ምርጫ ግና ኣባላቱ  ናብ 190 ዝዛየደ ሓጋጊ  ቤት ምኽሪ ትግራይ ናይ መን ብኽንደይ ወንበር ተወከለ  ውድድር እዩ። ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ኮነ ናይ ክልል ትግራይ ሕገ-መንግስቲ ካብ 1995 ጀሚሩ ምርጫ ኣብ ሓሓሙሽተ ዓመት እዩ ክካየድ ጸኒሑ። እንተኾነ ማእከላይ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምልባዕ ቫይረስ ኮቪድ-19 ከም ምኽንያት ወሲዱ  ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉንበት 2020 ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊውን ክልልላውን ምርጫ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣናዊሕዎ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግና ነቲ  መናውሒ ምርጫ ኮይኑ ዝቕረበ ምኽንያት “ምኽኑይ ኣይኮነን” ብዝብልን ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ብዝመረጾ ኣካል ናይ ምምሕዳር መሰል ንምዕቃብን ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።  ስለዚ ቅድሚ ወርሒ መስከረም ሓሊፉ፡ ናይቲ ክመርሕ ዝጸንሐ ቤት ምኽሪ ሕጋውነት ምብቃዑ እዩ ነዚ ምርጫ ኣካይድዎ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ምርጫ ዝምልከቶ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡  ክልላዊ መንስቲ ትግራይ ኮሚሽን መስሪቱ ንምርጫ ዝምልከት ወግዓዊ ምንቅስቓስ ምስ ጀመረ ክቃወሞ ጸኒሑ። እዚ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን  ብፍላይ ብ6 መስከረም 2020 ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ነዚ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ ኣገባቡ ኮነ ውጽኢቱ ሕጋዊ ኣይኮነን ብዝብል ኣፍልጦ ከም ዘይህቦ ኣውጁ ኣሎ። ነዚ ተኸቲሉ ድሕሪዚ ምርጫ ኣብ መንጎ እቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያን በቲ ኣብዚ ምርጫ ዝስዕር ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝህሉ ዝምድና ከመይ ከም ዝቕጽል ሕቶታት ዘልዕል ዘሎ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ 1995 ክሳብ 2015 ምስ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ናይ 2020 ከኣ በይኑ ብዘካየዶም ምርጫታት በቲ ፍረ ቃልሱ ዝኾነ መሰል ርእሰ-ውሳነኡ፡ ብይኾነኒ ኢሉ ዘጽደቖ ሕገ-መንግስትን ብድምጹ ብዘምጸኦ ኣካልን ይመሓደር ኣሎ። እቲ ካብ ናይ ህዝቢ ትግራይ እንተዘይዛይዱ ዘይንእስ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ግና፡ እነሆ ሕድሩ ተጠሊሙ፡ ንዝሐለፈ 29 ዓመታት ብዘይፈልጦ ሕግን ብዘይመረጾ ውልቀ-መላኽን ይደሃኽ ኣሎ እሞ፡ እዚ ናይ ትግራይ ምርጫ ብሓፈሻኡ ናብ ህዝቢ ኤርትራውን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ኣየድልን እዩ ክብል ዝመደረ ዲክታቶር ኢሳያስ ግን ዓብዪ ጽፍዒት እዩ።

Last modified on Thursday, 10 September 2020 10:48