ኣቦ-መንበር ዝመርሖ፡ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ተኻይዱ

2020-06-07 07:46:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2920 times

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ዝመርሖ ኣኼባ ኣባላት ሰዲህኤ ብ6 ሰነ 2020 ብዘመናዊ መራኸቢ ተኻይዱ። እዚ ንኣባላት ዝተጸወዓሉ ኣኼባ ኣጀንዳታቱ ብርክት ዝበሉ ኮይኖም፡ ብዛዕባቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ህዝባዊ ዲክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ህዲምሓኤ)ን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)ን ዝተኸተመ ናብ ምሉእ ሓድነት ዘብጸሐ ስምምዕን ኣተገባብራኡ ኣብ መስርሕ ዘሎን፡ ብዛዕባቲ ሰዲህኤ ምስ ዝተፈላልዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣካላት ዘካይዶ ዘሎ ዘተታትን በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለን፡ ንጥፈታት ሰልፊ ኣብ ካለኦት መዳያትን እዋናዊ ኤርትራውን ከባብያውን ምዕባለታት መብርሂ ንምሃብ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊዚ ኣባላት ሰልፊ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ዓለም ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ንተሳተፍቲ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” ድሕሪ ምባል፡ ኩሎም ኤርትራያውያን ካብዚ ንዓለምና ኣሻቒልዋ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ-19 ኮሮናቫይረስ ደሓን ንክኾኑ ትምኒቱ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ከኣ ነቲ ሕማም ኣብ ምምካት ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ምትሕግጋዝን ንክቕጽል ጸዊዑ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብዚ እዋንዚ ጐኒንጐኒ እዚ ሓማም፡ ኣብ ዓለምና ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን ዝምልከት ሓጺር መብርሂ ሂቡ።

ነቲ ቀንዲ መእከቢ ዝኾነ ኣጀንዳ፡ ስምምዕ ምሉእ ሓድነት ህዲምሓኤን ሰዲህኤን ኣብ ዝምልከት፡  ድሕረ-ባይታ ሰዲህኤ ምእንቲ ሓድነት ዳህሲሱ፡ ነቲ ናብዚ ስምምዕ ንምብጻሕ ካብ ክልቲኡ ወገናት ዝተመዘዛ ናይ ዘተ ሽማግለታት፡ ዝተኸተለኦ ኣገባብን ዝበጸሓኦ ስምምዕን ዝምልከት ሰፊሕ ዝርዝራዊ መብርሂ ሂቡ። እቲ ስምምዕ ኣብቲ ዝድለ ክበጽሕ ዝኸኣለ ፍልልይ ስለ ዘይጸነሓ ዘይኮነ፡ ብኽልቲኡ ወገናት ዝነበረ ናይ ሓቢርካ ምቅላስ ቅሩብነትን ድልዉነትን፡ ዘይተደላዪ ግዜ ብዘይምብኻን ኣብቲ ዝተደልየ ስምምዕ ከምዝተበጸሐ ገሊጹ። ሓደ ካብቲ ስምምዓት፡ ብክልቲኡ ወገናት ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ተጀሚሩ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ብመሪሕነት እቲ ዝሰመረ ሰዲህኤ ክቕጽል ዝብል ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ነጥበ-ስምምዕዚ ካለኦት ውድባትን ሰልፍታትን እውን ምስ ሰዲህኤ ኮነ ምስ ካለኦት ዝቀራረብዎም ክሰምሩ ዝተባብዕ ኣብነት ምዃኑ ኣብቲ መብርሂኡ ጠቒሱ።

ብጻይ ተስፋይ መግለጺኡ ብምቕጻል፡ ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ኣካላት፡ ከከምቲ ናይ ኣተሓሳስባ ምቅርራብ እንተስ ናብ ምሉእ ሓድነት ንምብጻሕ ወይ ተቐራሪብካ ንምቅላስ ዘኽእል መድረኽ ንምጥጣሕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንክዕወት፡ ሰዲህኤ ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ክገብር ድልዊ ምህላዉ ኣብሪሁ። ኣብ ርእሲቲ ብኣቦመንበር ተስፋይ ዝተዋህበ መብርሂ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ህዲምሓኤን ሰዲህኤን ዝተበጽሐ ስምምዕ ኮነ፡ ነቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዘተታት ናይ ዝመርሓ ሽማግለታት ኣባላት እውን ተወሳኺ መብርህታት ሂቦም።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ንእዋናውነት ናይዚ ኣኼባ ድሕሪ ምምጓስ፡  ዝያዳ መብርሂ ኣብ ዘድልዮም ጉዳያት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ በብዝምልከቶም ኣካላት ከኣ መልስታት ተዋሂብዎም።  ድሕሪ መስርሕ ሕቶን መስልን ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ ርኢይቶታት፡  እቲ ክሳብ ሕጂ ንሓድነት ዝምልከት ዝተወስደ ስጉምትታት ኮነ ንካልእ ንጥፈታት ኣብያተ-ጽሕፈት ሰልፊ ንኢዶም፡ ንሰልፎም ብሓሳብን ብንዋትን ከሕይሉ’ውን ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ከም ናይዚ መርኣያን ተታሒዙ ዘሎ መደባት ንምዕዋትን ከኣ ሓያሎ ኣባላት ገንዘባዊ ወፈያ ገይሮም።

ኣብ መወዳእታ ኣቦመንበር ሰልፊ፡ ኣኼባ ክዛዝም እንከሎ፡  ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምትግባር መደባትን ምሕያል ሰልፍን ኣመጒሱ። እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሓድነትን ካልእ ንጥፈታት ሰልፍን ኣድማዒ ንክኸውን ኣብ መጻኢ እውን ኩለ-መዳያዊ ኣበርክቶ ኣባላት ከም ዝቕጽል ተስፋኡ ልዑል ምዃኑ ብምግላጽ ኣኼባ ተደምዲሙ።

Last modified on Sunday, 07 June 2020 09:52