ሕወሓት መበል 45 ምምስራቱ ብድምቀት ኣኽቢሩ

2020-02-21 16:06:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2262 times

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብ19 ለካቲት 2020 መበል 45 ዝኽሪ ምምስራቱ ኣብ ዓለም-ለኸ ስታድየም ከተማ መቐለ “መስመርና ኣጽኒዕና ንመኸተ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ፡ ብድምቀት ኣኽቢሩ። ኣብዚ በዓል ኣባላት መሪሕነት ህወሓትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ነበርቲ ከተማ መቐለን ከባቢኣን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝኸዱ ኣካላት ፈደራላዊ ሓይልን ወከልቲ መንግስቲ ሱዳንን ተሳቲፎም።

ኣቦመንበር ሕወሓትን ምክትል ፕረሲደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ዶ/ር ደብረጽዮም ገብረሚካኤል ኣብቲ በዓል ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ እዚ ግዜ ናይ ምውሳን እዋን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ሕጋውነቱ ዝውዳእ ዘሎ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ከይዝንግዕ ኣዘኻኺሮም።

ኣብዚ በዓል ካብ ግዜ ኣኽሱም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ትግራይ ትሓልፎ ዘላ ናይ ስልጣነ፡ ጥበብን ፖለቲካን መስርሕ ዘመልክት ሰፊሕ ምርኢት ቀሪቡ። ብዘይካዚ ናይ ትግራይ ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣቕሪቦም። ብኣሸሓት ናይ ዝቑጸሩ ሰማእታት ትግራይ ኣሳእል ከኣ ብሰልፊ ቀሪቡ። ኣካለ ስንኩላት ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት እውን ተሰሊፎም።

እዚ በዓል ቅድሚ ኣዋርሕ ጀሚሩ ኣብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ክኽበር ዝጸንሐ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ድሮ እዚ በዓል ከኣ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሎሚ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንግደ ትግራይ ኣብቲ መስርሕ ዝድህስስ ኮንፈረንስ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ።

ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ነቲ በዓል ብዝምልከት ብማእከላይ ኮሚተ ሕወሓት ኣብ ዝወጸ ሰፊሕ መግለጺ፡ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት እዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ።

“ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተዋግዮምን ተጋግዮምን ከምዘይፈልጡ ትርደኦ ኢኻ። ሓቢርና ብዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ንስርዓት ደርጊ ደምሲስና ናይ ሓባር ዓወት ዓቲርና ኢና። ናይ ቃልስኻ ቀንዲ መንቀሊ ዝኾነ መሰል ርእሰ-ውሳነኻ ኣረጋጊጽካ ኢኻ። በዚ ከኣ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ይሕበኑ። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ምኽንያታዊ ኣብ ዘይኮነ ውግእን ጐንጽን ኣቲና ኩልና ኣድላይ ዘይነበረ ዋጋ ከፊልና ኢና። እዚ ዝገደፎ በሰላ ቀሊል ከምዘይኮነ ከኣ ኩልና እንግንዘቦ ሓቂ እዩ። ሎሚ ግና ናይ ሓባር ጠቕምናን ዝምድናናን ብምሕዳስ ናይ ሓባር ዕብየትና ምውሓስ ናብ ዘኽእል ከነሰጋግሮ ህወሓት ደጊሙ መጸዋዕታኡ የቕርብ።”

Last modified on Friday, 21 February 2020 17:20