ኡጋንዳ ኤርትራውያን፡ ንኢትዮጵያውያንን ሶማላውያንን ስደተኛታት ውሕስነት ኣይህብን ኢላ
2025-12-31 15:22:45 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 419 timesሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ኡጋንዳ
ኡጋንዳ ኣብ “ሃገራቶም ውግእ የለን” ብዝብል፡ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንዝመጽዋ ስደተኛታት ክትህቦ ዝጸንሐት ኣፍልጦን ውሕስነትን ከም እተቋርጾ፡ ጋዜጣ ዘጋርዲያን (THE GUARDIYAN) ኣፍሊጣ። ነዚ ዝገለጸት ኡጋንዳዊት ሚኒስተር ጉዳይ ስደተኛታት ሂላሪ ኦነክ ምዃና’ውን እታ ጋዜጣ ኣስፊራ።
እታ ኡጋንዳዊት ሚኒስተር ኣብ መዳይ ስደተኛታት ንዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ብፍላይ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ውግእ ስለ ዘየለ፡ ዝኾነ ይኹን ኣፍልጦ ከይህብዎም መምርሒ ከም ዝሃበት እዩ ተሓቢሩ። እዚ መግለጺ ዝተዋህባ ካብ ሓንቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኣውንታዊ ስም ዝነበራ ሃገር እዩ ክትብል እውን ጋዜጣ ዘጋርዲያን ኣፍሊጣ።
ብጸብጻብ እታ ሚኒስተር፡ ኡጋንዳ ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዓመት 240 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ትረክብ ነይራ። እንተኾነ ብዝሒ ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ልዕሊ 2 ሚልዮን ስለ ዝበጸሐን እቲ ኣብ ዓመት ዝወሃባ ዝነበረ 240 ሚልዮን ዶላር ድማ ናብ 18 ሚልዮን ዶላር ስረ ዝወረደን ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ጐደል ከም ዘጋጠመ ኣብቲ መግለጺኣ ጠቒሳ።
ኣብዛ ካብ ኣፍሪቃ በቐዳማይ ደረጃ ብዝሒ ስደተኛታት ተቐቢላ ከተጽልል ዝጸንሐ ኡጋንዳ፡ ብጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት መሰረት 56 ሸሕ ኤርትራውያን፡ 50 ሺሕ ሶማላውያንን 16 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣለዉ ተባሂሉ ይእመን። ካብዞም ግዳያት መብዛሕትኦም ኣብ ሃገራቶም ብግዱድ ውትህድርናን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጭቆናን ተደፊኦም ዝወጹ ምዃኖም ከኣ ተጠቒሱ። ካብዞም ግዳይ ከይኮኑ ዘስግኡ ዘለዉ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኣብ ከተማ ካምፓላ ዘለዉ እዮም።