ሰዲህኤ፡ ብትብዓት ሰልፉ የሕድስ፡ መሪሕነት ቀይሩ ሃገራዊ ሓድነት ይዕቅብ

2019-08-25 07:06:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4412 times

ሓደ ካብቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ክረአ ዝጸንሐ ዘሕዝን ባህሊ፡ መራሕቲ ባእታታት ኣብ ግዜኡ ብዘይጸገም ስልጣን ክትለቁ ፈቓደኛታት ዘይምዃን እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይዚ ሕማቕ ተግባር ኣብነት እዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ እዚ ዲክታቶር፡ ካብቲ ብ1971 ውድብ ዝመስረተሉን ደሓር  ካብ 1991 ብኢደ ወነኑ ናብ ስልጣን ዝደየበሉን ወሲኽካ፡  ን48 ዓመታት ዝኣክል ግዜ  ኣብ ስልጣን ኣሎ።

ንሰዲህኤ ብዝምልከት ግና፡ ብፍሉይነት ዝረአ፡ ነዚ ምስ ምብሓት ስልጣን ዝተሓሓዝ ሕማቕ ባህሊ ኣብ ምቕያር ኣብነታዊ እዩዶ ኣይበሃልን? እስኪከ ነዚ ብዝምልከት ተስፋ ዝህብ ውሑድ ኣብነታት ንርአ፡

ዕድመ ሰዲህኤ 10 ዓምታት በጺሑ ኣሎ። ኣብዚ ሓጺር ናይ 10 ዓመታት ግዜ፡ እዚ ሰልፊ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመርጸ ሓድሽ ወሲኽካ፡ 4 ኣቦመንበራት ቀይሩ። ኣስማቶም ምስቲ ኣሳእሎም ተጠቒሱ ኣሎ።

Newly Ellected EPDP EC 1 2

ብመትከል፡ ቅዋም ሰዲህኤ ማእከላይ ባይቶ ኣብቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣቦመንበር ክመርጽ እዩ ዘፍቅድ። ነቲ ዝጸንሐ ኣቦመንበር ዳግማይ ክመርጾ እቲ ቅዋም ይፈቅድ እዩ። እቶም ዝተረፉ 8 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ እውን ኣብ ዓመት እዮም ብማእከላይ ባይቶ ዝምረጹ። ማእከላይ ባይቶ ካብቶም ዝጸንሑ ኣባላት ፈጻሚ ዳግማይ ክመርጽ ሕጋዊ እዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓደ ባእታ፡ ኣብ መንጎ ጉባአታት ንክልተ ክፍለ ግዜ (ተርም) ኣቦመንበር ኮይኑ ምስ መረሐ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንኣቦመንበርነት ሕጹይ ኮይኑ ክቐርብ ኣይክእልን እዩ። እዚ ማለት ኣቦመንበር ኣብ ዓመታዊ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶ እንዳተመርጸ ዝለዓለ ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሓሉ ግዜ 8 ዓመታት እዩ።

ሓድሽ መሪሕነት ሰዲህኤ 

ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ቪስባደን ዝተኻየደ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ እውን ነዚ ተባዕ ሰልፍን መሪሕነትን ናይ ምሕዳስ ባህሊ ቀጺልዎ እዩ።

ኣብዚ ሓድሽ ናይ ሰዲህኤ ፈጻሚ ሽማግለ፡ እቲ 6 ናይ ሓላፍነት ቦታታት ብሓደስቲ እዩ ተታሒዙ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ነቲ ሓላፍነት ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ሓድሽ እዩ፡ ሰክረተር ሰልፊ ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት ሓድሽ እዩ፡ ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት ሓድሽ እዩ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት እንተኾነ እውን ነዚ ሒዝዎ ዘሎ ሓላፍነት ሓድሽ እዩ።

ቅዋም ሰዲህኤ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመርጸ ኣቦመንበር፡ ዝርዝር ሕጹያት ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናብ ማእከላይ ባይቶ ክቕርብ እሞ፡ ድሕሪኡ ማእከላይ ባይቶ ንነፍሲ ወከፎም ከድምጽ እዩ ዝእዝዝ። እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ንክመርሕ ብጉባአ ዝተመርጸ ማእከላይ ባይቶ፡ ብኣቦመንበር ዝቐረበሉ ሕጹይ ነጺጉ ኣብ ክንድኡ ናቱ ሕጹይ ከቕርብ መሰል ኣለዎ።

ሓድሽ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ 35 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ኣባላትን 5 ናይ ምድማጽ መሰል ዘየብሎም ተጠባበቕትን ኣለዉዎ። እቶም ተጠባበቕቲ ዋላ’ኳ እንተዘየድመጹ ኣብ ኣኼባን ካልእ ንጥፈታት መሪሕነትን ዝሳተፉ እዮም። ካብዞም 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን እቶም 19 ሓደስቲ እዮም።

ዋላ’ኳ ውጽኢቱ ትሑት እንተኾነ፡ ብዙሕነት ኣብ ጉባአታት ሰዲህኤ ዝለዓለ ቆላሕታ እዩ ዝወሃቦ። ንኣብነት ኣብዚ ሓድነታዊ ጉባአ 14 ደቂ ኣንስትዮ ተሳተፍቲ ነይረን። ካብኣተን 8 ኣብ መሪሕነት ተመሪጸን።

EPDP is Fearless of Renewal and Change 1 3

ሰዲህኤንሓጻይት ሽማግለኣኡን

ሰዲህኤ ካብቲ ዝተመስረተሉ ቅድሚ 10 ዓመታት ንነጀው፡ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ንመሪሕነት ይበቅዕ እዩ ኢሎም ዝኣመንሉ ሕጹይ ናብ ጉባአ ከቕርቡ ብዘሳትፍ ሓጻዪ ሽማግለ መዚዙ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ። ኣቦመንበር ሓጻዪ ሽማግለ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ብጻይ ገብረእግዝኣብሄር ተወልደ፡ ኣብቲ መስርሕ 29 ጨናፍርን 8 ኣብ በበይኑ ከባብታት ዝርከቡ ኣባላት ሰልፍን ኣብ ምሕጻይ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ከም ዝተሳተፉ ሓቢሩ። ጉባአ ንዝወሰኾም 4 ሓዊስካ ንምርጫ ማእከላይ ባይቶ ዝቐረቡ ሕጹያት 58 ነይሮም። ጉባአ 35 ቀወምትን 5 ተጠባበቕትን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ዝመረጸ ከኣ ካብዞም 58 ሕጹያት እዩ።

እዚ ሓድነታዊ ጉባአ ሓላፍነት ሓጻዪ ሽማግለ ክብ ኣቢሉ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ዞባታትን ጨናፍርን ወሲኽካ፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ሰልፊ፡ ክትግበር ወሲኑ። ሓጸይቲ ሽማግለታት ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ናብ ምርጫ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላት ሕጹያት ከቕርባ እየን። እዚ ምዕቡል ኣቀራርባ ሕጹያት፡ ኣብ ጉባአ ሰልፍታት ኣብ ዞባ ስካንድንቪያን ካለኦት ሃገራትን ብዕዉት ዝዝውተር እዩ።

እዚ ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሰዲህኤ ናይ ዝተመርጹ ኣባላት መሪሕነት እዩ

===============  

 ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

  1. ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣቦመንበር ሰልፊ
  2. ብርሃነ ደበሱ ምክትል ኣቦመንበርን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይን
  3. መንግስተኣብ ኣስመሮም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት
  4. ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና
  5. ሃብተሚካኤል ተኽለ (ዶ/ር) ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት
  6. ፍሰሃየ ሓጐስ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት
  7. ክፍለዝጊ ገብረመድህን ሰክረተር ሰልፊ
  8. ኣድያም ተፈራ ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ
  9. ያሲን ኢብራሂም ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት

ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ (ብመስርዕ ፊደል ላቲን)

  1. ዓብዱ ሓሰን
  2. ኣድያም ሃይለ ሩፋኤል
  3. ኣክሊሉ ግርማይ (ዶ/ር).
  4. ኣልጋነሽ ይስሃቅ
  5. ኣማኑኤል በራኺ
  6. ኣስገደት ምሕረተኣብ
  7. ኣሰፋው በርሀ
  8. ድራር መንታይ
  9. ኤርትራ ኣልኣዛር
  10. ፈቨን ጊደዎን
  11. ገባር ዑቕበ
  12. ገብረህይወት መለስ
  13. ግርማይ ክፍለ
  14. ሃይለ ወልደሚካኤ
  15. እድሪስ እስማዒል
  16. መድሃኔ ህብትዝጊ
  17. ነጋሲ ሓምደ
  18. ንጉሰ ጸጋይ
  19. ረዘነ ተስፋጼን
  20. ተኽለብርሃን ሃይለ
  21. ተስፋጋብር ወልደጊዮርግስ
  22. ትዕበ ተኪኤ
  23. ጸጋይ ተስፋይ
  24. ትኩእ ተስፋይ
  25. ወልደየሱስ ዓማር
  26. ጸሃየ ኣርኣያ

ተጠባበቕቲ ኣባላት መሪሕነት

  1. መዓሾ ሰለሙን
  2. ሑመድ መሓመድ ኣሕመድ
  3. ተስፋርያም ክብረኣብ
  4. ገነት ሃብተገርግስ ወልዱ
  5. ግርማይ ተመስገን (ቀሺ)

 

 

Last modified on Sunday, 25 August 2019 21:55