ፖለቲካዊ ውሳኔታት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰዲህኤ

2019-08-05 04:28:36 Written by  3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3109 times

1. ህልዊ ኩነታት ኤርትራ

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህግዲፍ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ከኹድደሉ ዝጸንሐ ጸቢብ ህግዲፋዊ ዓንኬሉ እውን ጠሊሙ ናብ ህልም ዝበለ ከሕደት ስለዝተሸመመ ምስ ህዝብና ዘለዎ ኩሉ መዳያዊ ዝምድናታቱ ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍኤ ደረጃ ከምዝበጽሐ ጉባኤና ገምጊሙ። መራሒ ህግዲፍ ናብ ስልጣን ኣብ ዝደየበሉ ግዜ ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይንፈቅድን ብማለት ኤርትራ ብሓደ ሰልፊ ዝምራሕ መላኺ መንግስቲ ጥራይ ክህልዋ ምዃኑ ኣንጊሁ ኢዩ ኣሚቱ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈጠረ ገለ ፖለቲካዊ ለውጥታት ተጐዝጒዙ ንስዉር ዕላማታቱ በጨቕ ከብል ተራእዩ ኢዩ። “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኣይኮነን ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ ኣዩ፣ ኣይከሰርናን ኩሉ ዝኸሰርናዮ መሊስናዮ ኣለና” …ወዘተ ኢሉ ብምድንጋር ነዛ ብመስዋእቲ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ዝተረኽበት ሃገር ህልውና ክኸልኣ ይጓየ ከምዘሎ ጉባኤ ገምጊሙ። ብኣንጻሩ ህዝብና ነዚ ኩነታት እዚ ተረዲኡ ካብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንላዕሊ መሰሉን ህልውና ሃገሩን ከኽብር ብሓደ ድምጺ ክልዓዓል ዝስትውዓለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ድማ ተመልኪቱ።

ጉባኤ፡ ንህግዲፍን ናይ ጭቆና ምሓውሩን ንምውጋድ ብዘለዎ ዓቕሚ ብውሽጥን ብደገን ንዘሎ ቃልሱ ኣሐይሉ ክነጣጠፍ ተበጊሱ ከምዘሎ እናረጋገጸ፤ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድነቱ ከም ዓይኒ ብሌኑ ክሕልዋ ጻውዒቱ የቕርብ።

 2. ልኡላውነት ኤርትራ

ጉዳይ ኤርትራዊ ልኡላውነት መሰረታዊ ጉዳይ ህልውናናን መንነትናን እዩ። ኩሉ’ቲ ዘርዚርካ ዘይውዳእ ኣብ ኤርትራ በዂሩ ዘሎ መሰላትን ነጻነታትን እውን ኣብ ልኡላውነታ ዘውሐሰት ኤርትራ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ። እቲ ብዓለምለኸ ሕግታትን ውዕላትን ዝፍለጥ ናይ መሬት፡ ናይ ባሕርን ናይ ኣየርን ዶባት ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ መግለጺ ሉዓላውነትና ምዃኑ ሰዲህኤ ይኣምን። ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ብዘይ ኣፍልጦን ፍቓድን ህዝብና ኣብ ኤርትራ ሰፊሮም ዘለዉ ናይ ግዳም ሰራዊታት ካብ ሉኣላዊ መሬት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጹ ጕባኤ ይጽውዕ።

ጕባኤ፡ ነቲ ብደም ኣእላፍ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸ ሉኣላዊነት ሃገረ ኤርትራ ዝድግፉ ሓይልታት እናኣመጐሰ፣ ነቶም ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይተዋሕጠሎም ጸረ ሰላም ሓይልታት ድማ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ክምሃሩን ካብ ተዅታዂ ተግባራቶም ክቝጠቡን የጠንቅቕ።

3. ኣድላይነት ሓባራዊ ስራሕ ደንበ ተቓውሞ

ሓድነት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንዓወት ቃልስና መሰረታዊ ውሕስነት ምዃኑ ኵላትና እንሰማማዓሉ ጕዳይ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ንብዙሕ ዓመታት ጸጊሙና ምጽናሑ ድማ ዝከሓድ ኣይኰነን። ሎሚ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ካብ ሕሉፍ ተመኵሮታቱ ተማሂሩ፡ ናብ ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን ገጹ የድህብ ምህላዉ ተስፋ ዝህብ ጕዳይ ምዃኑ ጕባኤ መዚኑ። ካብ’ዚ ተበጊሱ ሰዲህኤ፡-

3.1. ነቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ግንባራትን ተጀሚሩስ ከይተውድኤ ዝጸንሐ መስርሕ ዘተ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ፡ ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽወስድ፤

3.2. ክሳብ ሕጂ ምስ ኩሎም እቶም ምሳና ኣብ ግብራዊ ዘተን ጽምዶን ዘይኣተዉ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ እውን ግዱሳት ኤርትራውያን፡ በበቲ ዝምጥኑዎን ዝሰማምዑሉን ደረጃ፡ ክሳብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝበጽሕ ኮነ ኣብ ሓባራዊ ጽላል ዘስርሓና ኰነታት ንምፍጣር ኣብ ዕቱብ ዘተን ልዝብን ክንኣቱ፤

3.3 ብሓሳብን ብግብርን ምስ ዝሰማምዑውድባት ኣብ ናይ ምጽንባር ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡  መሪሕነት ውድብ ንዕኡ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ጉባኤ ወሲኑ።

4.  ብዛዕባ  ህዝባዊ ምንቅስቓስይኣክል

ምንቅስቓስ “ይኣክል” መግለጺ ናይ’ቲ ኩሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ውዳበታት፡ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ለውጢ ቃልሲ እናሓየለን እናደንፍዐን ናብ ሓድሽ መደረኽ ይኣቱ ምህላዉ ዘመልክት ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ምዃኑ ጉባኤ መዚኑ። ምንቅስቓስ “ይኣክል” ምስ’ቲ ቅድሚኡ ክካየድ ዝጸንሐ ንቕሎታት ክወዳደር እንከሎ፡ ናይ ህግዲፍ ናይ ቀረባ ደገፍቲ ዝነበሩ ከይተረፈ ይሳተፉዎ ምህላዎም ደምበ ተቓውሞ እናዓዀዀ ይኸይድ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤና መዚኑ። ንዘላቒ ቀጻልነቱ ዘውሕስ ኣብ ህዱእ፡ ጸዋርን ምውህሃድን ዝተደኰነ ዝምድናታትን ውዳበን ከምዘድልዮ ብምግንዛብ፡ ምእንቲ ነዚ ክበቅዕ፡ ኣብ ክንዲ ምንጽጻግ ናይ ሕድሕድ ምምልላእ፡ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ዝምድናታት ንምምዕባል ሰዲህኤ ዘለዎ ድልወነት የረጋግጽ።

5፡ ኢድ ኣእታውነት ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኣብ ሃገርና

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ናይ ቀረባን ርሑቕን ሃገራት፡ ከካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህግን ዞባዊ ረብሓን ብምንቃል ናብ ኤርትራ ከባቢና ይቀላቐሉ ኣለዉ። ንኤርትራ ዞባዊ መሳርሒ ክገብርዋ ዝመርጹ ሓይልታት ምስ ስርዓት ኢሳያስ ዘይንጹር ስምምዓትን ዝምድናታትን ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ። ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ኣዕራብ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ደኲኑ፡ ኣብ’ቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ይሳተፍ ምህላዉ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ ኣረጋጊጹ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብሩ ኤርትራውያን በዞም ናይ ግዳም ሓይልታት ይቕተሉ፡ ይንከላበቱን ይፈናቐሉን ምህላዎም ዝተሰምዖ ዓሚቝ ሓዘኑን ጓሂኡን እናገለጸ ብቕጽበት ካብ መሬት ኤርትራ ክወጹ ይጽውዕ።

ጕባኤ፡ ኣብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ንዝተደኰኑ ይኹን ብሕጂ ንኽድኰኑ ዝሕሰቡ ናይ ዝዀነት ትኹን ሃገር ናይ ግዳም ሓይልታት መደበራት፡ ካብኦም ዝርከብ ጕድኣት ደኣ’ምበር ረብሓ ስለዘየለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ክብድሆም ይጽውዕ። 

6: ኤርትራውያን ስደተኛታት

ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝወርዶ ዝነበረ ጭቆና፡ ቅንጸላን ናይ ንብረት ብርሰትንድሒሩ`ውን ብምልካዊ ስርዓተ-ምሕደራ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብዝወረዶ ጭቆናን ኣደራዕን፤ ብተወሳኺ፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዝካየድ ደረት-ኣልቦ ባርነትን ዘኸተሎ ዋሕዚ ኣማእት ኣሽሓት ዝቑጸር ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ምሉእ ዓለም ተበታቲኑ ይርከብ። ብፍላይ መንእሰያትና ኣብ ጕዕዞ ስደቶም ዘጋጥሞም ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ዝዀነ ቆጺርካ ዘይውዳእ በደላት ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ንመንነትናን ክብርናን ዝደወነ ተርእዮ ኢዩ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ብምብጋስ፡-

6.1 ጉባኤህዝብና ካብ’ዚ ኣሰቃቒ ሃለዋት መታን ክገላገል፡ ሓይሉ ኣወሃሂዱ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ስልጣን ንምልጋስ ክቃለስ ይጽውዕ። ጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከተን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራን ሰዲህኤ ይምሕጸነን።

6.2  ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ሰላማዊ ናብርኦም ክመርሑ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ እግሮም ንምትካል ዘኽእሎም ኵሉ መዳያዊ ደገፍን ዝተማልአ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክረኽቡ መሰሎም ምዃኑ ይኣምን።

6.3 ንሕሰም ህዝብና ተረዲኦምን ካብ ሰብኣዊ ርህራሄ ተበጊሶምን ዓቕሞም ብዘፍቅዶ መጠን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቕበሉን ዝናብዩን ዘለዉ ኣህዛብን መንግስታትን ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዝገበርዎ ኣቐባብላ ኣድናቖቱ ይገልጽ። ነተን ብዙሕ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝተቐበላ ክልላት ትግራይን ዓፋርን ድማ ፍሉይ ምስጋናኡ የቕርብ። እዚ ሎሚ እዘን ክልተ ክልላት ንህዝብና ኣብ ግዜ ጸገሙ ዘርእይኦ ዘለዋ ሕውነታዊ ኣተሓሕዛ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ምስዘን ጎረባብታ ንዝህልዋ ጽቡቕ ዝምድና መሰረት ዘቐምጥ ስለዝኾነ ክተባባዕ ዝግብኦ ሰብኣዊ ውርሻ ምዃኑ ጉባኤ ኣረጋጊጹ።

7፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ

ጕባኤ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣካል ጭቁን ህዝቢ ምዃኑ ገምጊሙ። እቲ ዝበዝሐ ንሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ዘምርሕ ዘሎ ኤርትራዊ ካብ’ዚ ትካል’ዚ ዘምለጠ ምዃኑ ድማ መርኣያ ናይ’ዚ ሓቂ’ዚ ኢዩ። ስለዚ ረብሓኡ ምስ ለውጢ እምበር ምስ ጭቆና ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ንህዝቡን ንነብሱን ካብ’ዚ ኣሰቃቒ መነባብሮ ንምንጋፍ ኣብ ጐድኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከወግድ ጸዊዑ።  

8፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ህዝበን ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብድሌት ውልቀ-መራሕቲ ዘይኮነ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝተዋሕሰ፡ ኣብ ናይ ሕድሕድ ጉዳይ ኢድ ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝብል ፖሊሲ ዝተሰረተ ዝምድና ንኽህሉ ጕባኤ ደገፉ ገሊጹ።  እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተገብረ ዘይንጹር ውዕል፡ ንልዑላውነት ሃገርና ኤርትራ ንሓደጋ ዘሳጥሕን ንዕድመ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስን ጭቆናኡን ዘናውሕን ስለዝዀነ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዳግመ-ርእይቶ ክገብርሉ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ ኣትሪሩ ይምሕጸን።

9፡ ኤርትራን ሱዳንን

ህዝቢ ሱዳን ቃልስና ንክዕወት ዝኸፈሎ ዋጋን፡ ህዝብና ኣብ ምዕቛብ ዘርኣዮን ዘርእዮ ዘሎን ሓልዮትን ልግስን ወትሩ እናተዘከረ ዝነብር ኣብነት እዩ። ኣብ መጻኢ እውን ምስ ሱዳን ዝህሉ ዝምድና ኣብ ናይ ሕድሕድ ጕዳይ ጣልቃ ዘይምእታውን ኣብ ንሓባራዊ ረብሓ ተሓባቢርካን ተመላሊካን ምስራሕ ዝብል ፖሊሲ ዝተሰረተ ክኸውን ጕባኤ ኣስሚርሉ።   

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ሱዳን ኣብ ጌና ግቡእ መልክዕ ዘይሓዘ ግና ድማ ተስፋ ዝህብ መስርሕ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምዝርከብ ጕባኤ መዚኑ። ህዝቢ ሱዳን መሰሉ ንምርግጋጽ ዝወሰዶ ስጕምትን ዘርኣዮ ጽንዓትን ድማ ንኢዱ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ጕባኤ ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ሱዳን ደው ከምዝብል እናረጋገጸ፡ ንሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ማዕረ እቲ ትጽቢትን ድሌትን ህዝቢ ሱዳን ክብ ክብል ተማሒጺኑ።

10፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ቅድሚ 3 ዓመታት ጀሚሩ ክሕቆን ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ማዕበል፡ ዘምጽኦ ለውጢ ሓደ ዓመት ሓሊፉዎ ኣሎ። እዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ኣብ ምብጋሱ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን፡ ናብ ሕድሕድ ምቅትታል፡ ምፍንቃልን ስደተን ዝሰፈኖ ዘይርጉእ ኵነታት ከምዝሰገረ ጕባኤ መዚኑ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ለውጢ ንኤርትራ፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ለውጢ ንኢትዮጵያ ስለዝጸሉ፡ ጕባኤና ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ልምዓትን ብልጽግናን ክሰፍን ዘለዎ ትምኒት ኣረጋጊጹ።

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላትን ብሄራትን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ግርጭታት ንምብላሕ ዝኽተሎ ዘሎ ሻራዊ ፖሊሲ ጕባኤ ኰኒኑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ስዉር ውዕላትን ስምምዓትን ንዝሓለፍናዮ መሪር ተመኵሮ ዝደግም ከይከውን ስግኣት ከምዘለዎ ጕባኤ መዚኑ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምወትሩ ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት ሃገሩ ደው ክብል 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ጸዊዑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቶም ኣብ ጐድኒ ልኡላውነት ኤርትራ ደው ዝብሉ ኢትዮጵያውያን እናመጐሰ፤ ነቶም ንኤርትራ ዳግም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኸመልስዋ ዝሕልኑን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኤርትራ ጣልቃ ዝኣትውን ኢዶም ከልዕሉን ንኵናት ጻሕታሪ ዝዀነ መግዛእታዊ ፖሊሲታቶምን መርገጻቶምን ዳግመ-ርእይቶ ክገብርሉን ጕባኤ ይጽውዕን  የጠንቅቕን።

11፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ኤርትራ

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ብዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ንኤርትራ ብ“ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ቅጽል ስም ወይ ሳጓ ከምዝጽውዓ ወይ ከምዝፈልጣ ዝዝከር ኢዩ። በዚ ከይተወሰነ ዝበዝሓ መንግስታት ዓለም ብሓፈሻ፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ድማ ብፍላይ፡ ኩነታት ኤርትራ ኣሰኪፍዎ ፍሉይ ኮሚሽነር መረማሪት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ሰይሙ ክከታተሎ ካብ ዝጸንሕ ድሮ 6ይ ዓመት ሒዙ ኣሎ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ግን፡ ግብሩ ፈሊጡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝከታተሉ ኣካላት ናብ ሃገርና ኣትዮም ከይምርምሩ ክኽልክል ምጽንሑን ምህላውን ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ኢዩ። ጕባኤ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝውሰድ ዘሎ ናይ ምክትታልን ምምርማርን ውሳኔታት እናደገፈ፡ ነቲ ንምጥባሩ ተባሂሉ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝግበረሉ ዘሎ ሓለፋታት ቅቡል ከምዘይኰነ ብትሪ ይገልጽ። ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተኣደነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ግፍዕታትን ዝፈጸሙ መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ጕባኤ ይምሕጸን። ኣብ ርእሲ እዚ፡-

11.1 ንውዕል ሰብኣውን ሲቪላውን መሰላት ዝፈረማ ሃገራት በቲ ባዕለን ዝፈረማሉ ቻርተር ሰብኣዊ መሰል ተማእዚዘን ክኸዳ ጕባኤ ኣትሪሩ ይምሕጸን። እዚ ኣብ ግብሪ ክሳብ ዝውዕል ድማ ብዘለዎ ዓቕሚ ክቃለሰሉ ምዃኑ የረጋግጽ።

11.2 እተን ምስ’ዚ ኩሉ መወዳድርቲ ዘይብሉ ናይ ሰብኣዊ መሰል ግህሰት ኣሉታዊ ምስሉ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ክኸውን ዝፈቐዳ፡ ዝገደደ ከኣ ነቲ ዓይነን እናረኣያ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገዚፍ ግህሰት ሸለል ኢለን፡ ነናብ ርእሰን ከይመጸን፡ ኣብ ኤርትራ ፍሉይ መርማሪ ሰብኣዊ መሰል ኣየድልን ዝበላ ሃገራት ንዝወሰድኦ መርገጽ ጕባኤ   ይቃወመንን ናብ ንቡር ክምለሳ ይጽውዐንን።

11.3 ስርዓት ህግደፍ በቲ ኣረሜናዊ ባህርዩ ምስ ኣስከሬን ከይተረፈ ዝባኣስ ስርዓት ምዃኑ ካብ ማንም ዝተኸወለ ነገር ኣይኮነን። ፈሪሃ እግዚኣብሀር ዘይብሉ ጸረ ሃይማኖት ዝኾነ ፍንፉን ስርዓት ስለዝኾነ ሉእ መዋእሉ ንኹለን ሃይማኖታት ኤርትራ ቅሳነት ክኸልኤንን ንመራሕተን ድማ ክኣስርን ክፈትሕን ይነብር ኣሎ። ነቶም ፍሉጣት ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን በብግኡ ኣሲሩገለ ክሞቱ ገለ ብሕማም ክማስኑ ህዝቢ ኤርትራ ዕረ እናጠዓሞ ጸይሩዎ ዝነብር ዘሎ ሕሰምን ሕብረተሰብ ዓለም ዝርድኦ ግፍዕን እዩ። ሓርበኛ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ዘለኣለም ኣብ ሕልናና ዝነብሩ እዮም። ብሂወቶም ኣብ ምድራዊ ሲኦል ክነብሩ ዝተፈርዶም ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ፓትርያርክ ኣቦና ኣባ እንጦንዮስ ዘሕልፉዎ ዘለዉ ሂወት  ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። መራሕቲ ሃይማኖት መሰኻኽር የሀዋን ጴንጤ ቆስጤንከምኡውንመራሕቲ ካልኦት ሃይማኖታት ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ ኣለዉ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖት ኣቦታትና ዘውርዶ ግፍዒ ከይኣክል ሎሚ ድማ ንህዝቢ ዘገልግላ ዝነበራ ብካተሊካዊት ቤተክርስትያን ዝማሓደራ ኣብያተ ሕክምናክሊኒካትይህግረን ኣሎ። ቅድሚኡ ውን ንንብረት ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ሃጊሩን ካልእ ግፍዕታት ፈጺሙን እዩ። እዚ ድማ መርኣያ ናይቲ ንጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ዝሓንጸጾ ፖሊሲ እዩ። እዚ ስርዓትዚ እብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖትን ንብረተንን ዝፍጽሞ ግፍዒ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ተቐባልነት ዘይብሉ ስራሕ ምዃኑ ጉባኤ ኣጥቢቑ ይገልጽን ይዅንንን። ብኻልእ ወገን ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ኣባ እንጦንዮስ ካብ ማእሰርቲ ንኽፍትሑ ዘቕረቦ ጻውዒት ጉባኤ የሞጉስ።

12. ሰዲህኤ ንኹሎም ብረት ዓጢቖም ድዮም ከይዓጠቑ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ዝተሰውኡ ኤርትራውያን ከም ሓርበኛታት ሃገራውያን ይፈልጦም። ካብዚ እምነትዚ ተበጊሱ ንሰማዕታትና ዝገልጽ ሓወልቲ ክህሉ ይኣምን።

ብዛዕባ መቓብር ሓርበኛታት ብዝምልክት ነዚ ስርዓት ኢሳያስ ዝኽተሎ ዘሎ ሌላን ጉሌላን ዘወገደ መቓብር ሓርበኛታት ክህሉ እናደገፈ፡ ሓርበኛታትና ኣበይ ከምዝቕበሩ ዝውስኑ ድማ ወለዶምን ቤተሰቦምን ክኾኑ ከምዝግባይኣምን።

ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ!

“ንዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንሰላም ንፍትሒ ንብልጽግናን ምዕባለን ንቃለስ”

1 ነሓሰ 2019

3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ሰዲህኤ

Last modified on Monday, 05 August 2019 06:31