መግለጺ ሓሙሻይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

2019-07-06 22:25:08 Written by  ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2409 times

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ጭቆናን ግፍዕን ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ልዑላውነት ኤርትራ ዕሽሽ ኣብ ዝበለሉን ኲነታት ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ቅሳነትን ተሓሪምዎ ኣብ ዝሕመሰሉን ዘሎ እዋን፡ እዩ ካብ ዕለት 29-30 ሰነ 2019 ምዱብ ሓሙሻይ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ካብ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ዝቐረበ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ጸብጻብ ሰሚዑን ተመያይጡን።

ማእከላይ ባይቶ፡ ነዞም ጸብጻባት ዘድሊ መአረምታን ምምሕያሽን ድሕሪ ምግባር ኣብ’ቲ ቅድሚ 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ዋዕላ ኣባላት ሰዲህኤ ኣውሪዱ ክመያየጠሉን ናይ መወዳእታ መዛዘሚ ክገብረሉን ምዃኑ ወሲኑ ኣሎ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ 4 ዓመታት ብኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ እተኸናወኑ ጕዳያት ኣዝዮም ብዙሓትን ዕዉታትን ምንባሮምን እኳ እንተመዘነ፡ ሰዲህኤ ዝሓለፎም ውሽጣዊ ቅልውላዋትን ብዝተበገሶ ናህሪ ንኸይቅጽል ዘጋጠሞ ማሕለኻታትን ሃሰያታትን ቀለልቲ ከምዘይነበሩ ገምጊሙ። ሳላ ጽንዓትን ተወፋይነት ኣባላቱን ግን፡ ንዅሉ ሰጊሩ፡ ኣብ ልዳት ናይ 3ይን ሓባራውን ጕባኤ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ምብጽሑ ከምዘሐበኖ ኣስሚርሉ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ማእከላይ ባይቶ ን3ይ ሓባራውን ጕባኤ ንምክያድ ብኣባላት ክልቲኡ ውድባት ዝተገብረ ወፈያ፡ ክብ ዝበለ ምስጋናኡን ናእዳኡን ኣብጺሑ። ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ጕባኤን ንሓጻዪት ሽማግለን ድማ፡ ዕዉት ጕባኤ ንምክያድ ዝገብርኦ ዘለዋ ምድላዋት ኣድናቖቱን መጐሱን ገሊጹ። ከምኡ’ውን፡ ነዚ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ውድባት እተበጽሐ ስምምዓት ክውን ንምግባር ከይሰልከዩ ዝጻዓሩ ኣባላት ሽማግለ ልዝብ ክልቲኡ ውድባትን መሪሕነታቱን ምስጋናኡ ገሊጹ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ነቲ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ከምኡ’ውን ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር ተጀሚሩ ዘሎ ልዝብ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ ካብኡ ዝጥለብ ጻዕርታት ከበርክት ድልዊ ምህላዉ ኣረጋጊጹ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ክርአ ዝጸንሐን ዘሎ ምዕባለታትን ውን ዳህሲሱ። እቲ ኣብ መንጐ ስርዓት ኢሳያስን መንግስቲ ኢትዮጵያን እተገብረ ውዕል ሰላም ኰነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝገበሮ መብጽዓ ምፍጻም ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ካብ መብጽዓ ሓሊፉ ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ መዚኑ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ብመራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ክውሃብ ዝተሰምዐ መግለጽታትን ብጽሖታትን ንልዑላውነት ኤርትራ ዝግህስ፡ ንምጥራር ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕሽሽ ዝብል፡ ንናይ ግዳም ሓይልታት ምትእትታው ዕድል ዝህብ፡ ንመንእሰያት ኤርትራ ድማ ንኽስደድ ዘገድድ ኣስጋኢ ኵነታት ፈጢሩ ምህላዉ መዚኑ። “ይኣክል” ዝብል ኣብ ወጻን ኣብ ውሽጥን ዝግበር ዘሎ ተቓውሞ ድማ ግብረ-መልሲ ናይ’ዚ ኣሰካፊ ክስተታት’ዚ ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛብ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ዘጃጀወን መቐጸልታ ናይ’ቲ ቅድሚኡ ክካየዱ ዝጸንሑ ተቓውሞታት ምዃኑን ገምጊሙ። እዚ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ኵሎም ኣብ ግዳም ዝርከቡ ኤርትራውያን ዝነብርሎም ከተማታት ክቕጽልን ንውሽጢ ኤርትራ ክልሕዅን ናይ ኵሉ ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ነዚ ምንቅስቓስ’ዚ ንምእላይ ዝግበር ፈተነታት ኵሉ ዘየዐዉት ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግሃድ ዘሎ ሞት፡ ምፍንቓልን ስደትን ብሓፈሻ፤ ኣብ ባህርዳርን ኣዲስ ኣበባን ብ22 ሰነ 2019 ዝተኸስተ ቅትለታት ድማ ብፍላይ፡ ጕድለት እርኑብን ውሁድን ኣተሓሕዛ ዘስዓቦ፡ ንኢትዮጵያን ህዝባን ናብ ዘይተፈልጠ መጻኢ ዘምርሕ ሓደገኛ ቃራና መንገዲ ኣብጺሕዋ ምህላዉ ተገንዚቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ምብትታትን ነቲ ዞባ ብምሉእ ብኣሉታ ዝጸሉ ምዃኑ መግለጺ ዘየድልዮ ብሩህ ጕዳይ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ብሰንክ’ቲ ብ22 ሰነ 2019 ዘጋጠመ ናይ ሕድሕድ ምቅትታል፡ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን መንግስተ-ሰማይ የዋርሶም፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ጽንዓት ይሃቦ እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ክንገልጽ ንፈቱ።

ማእከላይ ባይቶ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታትን  ብመሰጋገሪ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ዝውሃብ ዘሎ ጐነጻዊ መልስን ብትዅረት ተመልኪትዎ። ሰዲህኤ፡ ነቲ ዘይምኽኑይ ጎነጻዊ መልሲ ወተሃደራዊ መሰጋጋገሪ ባይቶ ሱዳን ቅኑዕ መፍትሒ ኢዩ ዝብል እምነት ስለዘይብሉ ብትሪ ይነጽጎ። ብሰንኪ እዚ ጉጉይ መልሲ እዚ ሂወቶም ንዝሰኣኑ ንጹሃት ዜጋታት ኣመልኪቱ ድማ፡ ንህዝቢ ሱዳን ጽንዓት ይሃብካ ይብል። ህዝቢ ሱዳን ፍትሒ፡ ብልጽግናን ዲሞክራስን ንምርግጋጽ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ መጐሱ ይገልጽ። መንግስቲ ኤርትራን መሓዝቱ ዝዀኑ መለኽቲ መንግስታትን ንረብሓታቶም ክብሉ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ሱዳን ዝገብርዎ ዘለዉ ምትእትታው ደው ከብሉ ድማ ይጽውዕ። 

ምልኪ ንምፍራስን ፍትሒ ንምንጋስን ሓቢርና ንቃለስ

ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ

6 ሓምለ 2019  

Last modified on Tuesday, 09 July 2019 09:58