መንግስቲ ኤርትራ፡ ትጽቢት ህዝቡን ዓለምን ብዘይምኽባሩ ተወቒሱ

2019-07-03 07:02:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2151 times

ወይዘሮ ዳኒኤላ ክራቨትዝ ተኸታታሊት ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብ2 ሓምለ 2019   ኣብ ቀዳማይ ዓመታዊ ጸብጻበን ንኤርትራ ዝምልከት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብጽሑፍ ኣቕሪበን። ኣብዚ ጸብጻበን መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ሓድሽ ናይ ሰላም ስምምዕ ምግባሩን ኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምጽንባራን፡ ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል  ዘይምምሕያሹ  ዝሓደረን ሻቕሎት ገሊጸን። ኣስዒበን ድማ ኤርትራ ኣብቲ ኩነታት ከተመሓይሽ ትኽእል እያ ኢልካ ንምግማት ዘኽእል ዋላ ሓንቲ ምልከት ከምዘየለ ሓቢረን።

እተን ክኢላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ብብዝሒ ሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ኣለዉ ኢለን። ወይዘሮ ክራቨትዝ ኣብዚ ኣጋጣሚ ብጀርመናዊ ዲፕሎማት ንዝቐረበን ሕቶ ክምልሳ እንከለዋ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ ሶማላውያን ስደተኛታት እውን፡ ካብቲ ዘለዉዎ መደበር ወጻኢ ክራኸቡ ስለ ዘይፍቀደሎም፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሮም ካብ ኤርትራ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይሃድሙ ኣለዉ ኢለን፡ ናይ ህድማኦም ጠንቂ ከኣ ኣብ ኤርትራ ናጽነት ስለ ዘይተስመዖም እዮም ክብላ ገሊጸን።

እዘን ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ወይዘሮ ክራቨትዝ፡ ኣብ መእተዊ ጸብጻበን፡ እቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ቀጻሊ ኣሎ  ምስበላ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ 21 ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትካላት ጥዕና ብመንግስቲ ኤርትራ ምምንዝዐን ሓደ ምልክት ምዃኑ  ኣስፊረን። ኣስዒበን ከኣ በዘን ትካላት ክጥቀም ዝጸንሐ ኣብ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ብሰንክዚ ስጉምቲ ክሳቐ እዩ ኢለን።

መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ጸብጻብ ምስተገንዘቡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቡ እቲ ዝተሓተ ተገዳስነትን ፍቕርን ብዘይምርኣዩ ዝሓደሮም ሻቕሎትን ስንባደን ኣንጸባሪቖም።

ልኡኽ ኤርትራ ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ከምቲ ልሙድ ነቲ ዝቕረበ ጸብጻብ “ዘይቅቡል” ኢልዎ። ከምኡ እውን ከም ቬንዙዋላን ኢራንን፡ ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ልኡኽ ኤርትራ ወጊነን። ካብኡ ሓሊፈን ቀጻልነት ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣየድልን ክሳብ ምባል በጺሐን።

Last modified on Wednesday, 03 July 2019 09:05