ኤርትራ፡ ቀጻሊ ዓለም-ለኻዊ መጸዋዕታ ብምንጻግ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ቀጺላ

2019-03-13 10:52:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2666 times

ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ዘሎ ተኸታታሊ፡ መበል 40 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ናይ ለውጢ ምልክት ከምዘየለ ተዓዚቡ።

ብ11 መጋቢት 2019 ኣብ ዝተኻየደ ሓጋዚ ምይይጥ፡ ላዕለዋይ ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን መብዛሕተኦም ናይቲ ምይይጥ ልኡኻትን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰል ፖለቲካዊ ኩነታትን ከመሓይሽ ክቐርበሉ ንዝጸንሓ ኣማኢት ምሕጽንታታትን መጸዋዕታታትን ክትግብር ከምዘይበቕዐ ጠቒሶም።

ምክትል ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኬት ጊልሞረ መንግስቲ ኤርትራ ዓለልም ለኻዊ ምሕጽንታ ብምስትብሃል፡ ሓላይ ህዝቡ ኮይኑ፡ ዝሓለፈ ጌጋኡ ብምእራም፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር ካብ ክቱር ጸጥታዊ ምቁጽጻር ናብ ልምዓት ሃገር ከድህቡ ተስፋ ከም ዘለወን ብምጥቃስ፡ ሓያልን ዘስደምምን ምሕጽንታ ኣቕሪበን

ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሓጋዚ ምምይይጥ እናካየደ

ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተላ ዝተመዘዛ ሓዳስ ተኸታታሊት፡ ዳኒየላ ክራቨዝ ብወገነን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ፡ ናይ መጀመርያ ናይ ቃል ጸብጻበን ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪበን። ኣብዚ ጸብጻበን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል እውን ክጥቀምሉ ሓቲተን። ኣተሓሒዘን ከኣ ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ኤርትራ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰል ምብኳሩ ከም ዝሻቕለን ጠቒሰን። ኣብዚ መዳይዚ እቲ ለውጢ ብምትእትታው ግዝኣተ-ሕጊ ክጅምር ከም ዝግበኦ ኣብሪሀን። ልኡኽ ኤርትራ ግና ከምቲ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝበሎ፡ ንኹሉቲ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐርብ ክስን ኣውያትን “ኣብ ኤርትራ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰል የለን” ብዝብል ነጺግዎ።

UN 2ብኻልእ ወገን ከኣ ብ12 መጋቢት 2019 ብዶ/ር ዳንኤል መኮነን ዳይረክተር  ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሕጊ ዝተወደበ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝዘተየ ጠቓሚ ርክብ ተኻይዱ። ኣብዚ ርክብ ኣብ ኤርትራ ዳኛ ዝነበሩ ኣቶ ሃብተኣብ ዑቕባዝግን ወ/ሮ ጀለና ኣፓራክ ካብ ሕቡራት ሃገራትን ቃል ኣስሚዖም። እቶም ቀዳማይ ተዛራቢ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ፍርዲ መስርሕ ክገልጹ እንከለዉ፡ እተን ቀጺለን ቃል ዘስመዓ ወይዘሮ ከኣ፡  ብዛዕባ መስርሕ ፍርዲ ጉዳይ ኤርትራውያን ግዳያትን ካናዳዊ ኩባንያ ነቭሱንን ንተሳተፍቲ ኣብሪሀን።

ብዘይካዚ፡ ካልእ ኣገዳሲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝዝቲ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ፡ ኣብ ዊልሰን ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ሓደ ናይ ክኢላታት ኮሚተ፡ ንልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከቱ ጉዳያት ወጠርቲ ሕቶታት ኣቕሪብሉ።

Last modified on Wednesday, 13 March 2019 12:18