ሰዲህኤ ኣብ ቦን ናይ ህዝቢ ክፉት ኣኼባ ኣካይዱ

2019-03-04 01:20:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2669 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብቐዳም ዕለት 2 መጋቢት 2019 ኣብ  ከተማ ብቦን፡ ጀርመን፡ ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኺባ ኣካይዱ።  ሓው ዓንደብርሃን ዮውሃንስ፡ ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ቦን-ክለንን ከባቢኣን፡ ንኣኼበኛታት ናይ እንቋ|ዕ ደሓን መጻእክኩም መልእኽቱ ድሕሪ ምትሕልላፍ፡ ንዝተገብረሎም ዕድመ ኣኽቢሮም  ብምምጻኦም ዝተሰምዖ ሓጐስን ክብርን ብምግላጽ  መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰልፊ ኣረኪብዎ።

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ድማ፡ ንኣኼበኛታትን ንኣዳለውቲ ኣኼባን ድሕሪ ምምስጋን ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ዓለምና፡ ዞናናን ሃገርናን ኣዝዩ ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ዝካየድ ዘሎ ናይ ረብሓታት ቅድድማትን ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ኣብሪሁ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብውሽጣውን ግዳማውን ወጥርታት ይሕመስ ምህላዉ ድማ ኣረዲኡ። ኣስዒቡ፡ ኤርትራ፡ ናብ ዘይተፈልጠ መጻኢ ትጕዓዝ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋጽ ተሳትፎ ህዝቢ ክዓብን ኣብ መንጐ ተቓለስቲ ንፍትሒ ዘሎ ፍልልያት ንምጽባብ ዕቱብ ጻዕርታት ክግበር ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

Combine 1

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ እውን ልክዕ ከም’ዚ ሕጂ ተገይሩ ተባሂሉ  ዝዝረበሉ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ወተሃደራውን ጸጥታውን …ወዘተ ስምምዓት  ኣብ መንገ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቲሙ ምንባሩ ኣዘኻኺሩ። እቲ ስምምዓት ግን ህዝቢ ዘይፈልጦ ስለዝነበረ፡ መራሕቲ ክልቲኡ ሃገራት ኣብ መን ጐብለል ናይ ዞና ኰነ፡ መን ዝያዳ ቍጠባዊ ረብሓታት የረጋግጽ፡ ዝብል ውድድራትን ወጥርታትን ስለዝተሸሙ፡ ንህዝቢ ብዶብ ኣመሳሚሶም ኣብ ደማዊ ኵናት ነቚቶሞ ኢሉ።

ሕጂ ድማ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣብ መጀመርያ ክፍላ ናይ ተስዓታት ዝብልዎ ዝነበሩ ጕዳይ ዶብ ካልኣዊ ኢዩ፡ እቲ ኣብ ኣእሙሮና ወይ ኣተሓሳስባና ዘሎ ዶብ ኢና ክንፈትሖ ዘለና እምበር፡ ዶባት ኣብ መሬት ምጥራር ኣገዳሲ ኣይኰነን ክብሉና ይስምዑ ኣለዉ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን እተገብረ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ከምዘይገበረ ገሊጹ። ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣይተፈትሑን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ቀደሙ ብዘይ ደረት ይቕጽል ኣሎ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝዋስእሉ ናይ ውድድር ባይታ የለን፡ መሰላት ዜጋታት ኣይተሓለወን፡ ድሕሪ ዶባት ምኽፋቱ ስደት ብዝኸፍአ ደረጃ ቀጺሉ ኢሉ።

ዲክታቶርያዊ መራሒ ኤርትራ፡ ንህዝቡ ዘየርኣዮ ፍቕርን ስንእንእን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ምርኣዩ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንቃልዓለም ኢለ ዘይኰንኩ ንስኻ ኢኻ  መራሒና ምባሉ፡ እዚ ህዝብታት’ዚ ክልተ ኢዩ ኢሉ ዝኣምን እንተልዩ ዓሻ’ዩ ዝብል መግለጺ ምሃቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድማ ብስም ክልቲኡ ሃገራት ምስ መንግስታት ኣውሮጳ ውዕል ክኽትም ምጅማሩ፡ ኣቶ ለማ መገርሳ፡ መን ይፈልጥ ኣብ መጻኢ ባሕሪ ይህልወና ይኸውን ምባሉ…ወዘተ ዝብሉ መግለጺታት ደማሚርካ ክትርእዮ ከለኻ፡ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትና ዝዝንቢ ዘሎ ሓደጋ ዘሻቕል ምዃኑ ኣገንዚቡ። ብፍላይ ድማ፡ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ዝሓወሰ መንግስቲ ክመርሕ ይደሊ ምንባሩ ምቅልዑ ድማ ንስክፍታታትና ኣጐልቢትዎ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ብዛዕባ እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ዕዮ ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ከምኡ እውን፡ ኣብ መንጐ ሰዲህኤ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ክኸይድ ዝጸንሐ ንምጽንባር ዝዓለመ ርክብ ኣብ ምዝዛሙ ገጹ በጺሑ ከምዘሎ ኣበሲሩ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ኣብ መንጐ ሰዲህኤን ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ንምጽንባር ዝዓለመ ልዝብ ይካየድ ምህላዉ እውን ኣረዲኡ። ቀጺሉ፡ ኣብ መንጐ ሰዲህኤ ኣርባዕተ ውድባት ዝሓቘፈ ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባርን ድማ ሓባራዊ ጽላል ንምቛም ርክባት ይግበር ምህላዉ ሓቢሩ።

ድሕሪ መግለጺ ኣቦ መንበር ናይ ሕቶን መልስን ርእይቶን ዕድል ተዋሂቡ። ኣኼበኛታት ድማ፡ በቲ ኣብ ሃገርና ዝግሃድ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ይሻቐሉ ክምዘለዉ ሓደ ድሕሪ ሓደ እናተንስኡ ገሊጾም። ካብ’ዚ ጸገም’ዚ ንምውጻእ ድማ፡ ህዝቢ ኣብ ከከተማኡ ዝነብረሉ ሃገርን ክውደብ፡ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ድማ ንፍልልያቶም ከቀራርቡ ክጽዕሩ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ

Last modified on Monday, 04 March 2019 02:26