ፓርላማ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ዝምልከት ሓድሽ ኣዋጅ ኣጽዲቑ

2019-01-18 07:49:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2193 times

ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ብ17 ጥሪ 2019 ኣብ ዘካየዶ መበል 19 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ብወግዒ ንዝተመዝገቡ ስደተኛታት ዝያዳ መሰል ዝህብ ኣዋጅ ኣጽዲቑ። እዚ ኣብ ዝሓልፉ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ክንደፍ ዝጸንሐ ኣዋጅ፡ ስደተኛታት ብናጻ ክመሃሩን  ክንቀሳቐሱን ምስ ክእለቶም ዝመጣጠን ስራሕ ክሰርሑን ከም  ዘፍቅድ ተሓቢሩ።

ናይቲ ቤት ምኽሪ ምንጭታት ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ናይ ስደተኛታት መሰል፡ ናይ ኢትዮጵያውያን ናይ ስራሕ ዕድል ከምዘይዕንቅፍ ኣብ ግምት ኣትዩ ከም ዝተጸንዐን ስደተኛታት ዘይኣትውዎ ንኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝተሓዝአ ናይ ስራሕ ቦታታት ከም ዝህሉ እውን ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ኣተገባብርኡ ዕንቅፋት ምእንቲ ከይፍጠር ምስቶም ስደተኛታት ሰፊረምሎም ዘለዉ ኣከባብታት ኣቐዲምካ ልዝብ ከም ዝተገብረሉ ኣብቲ እዚ ኣዋጅ ዝጸደቐሉ ኣኼባ በሪሁ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ዝለዓለ ብዝሒ ዝሕዙ፡ ኤርትራውያን፡ ሶማላውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን እዮም። በዚ ኣጋጣሚ ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ስደተኛታት ብምዕቋብ ቀዳምነት ከም እትሕዝ ተጠቒሱ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሽዱሽተ መደበራት ከም ዝርከቡን ድሕሪቲ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምኽፋቱ ጥራይ 27 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝተመዝገቡ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ክጠቕሱ ከም ዝጸንሑ ዝዝከር እዩ።

ብኻልእ ወገን ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝምድና ናይ ምምሕያሽ ምልክት እንተ ኣርኣየትን ኣብ ልዕሊኣ ዝነበረ እገዳ እንተ ተላዕለላን፡  ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዝኾነ ይኹን ምምሕያሽ ኣየርኣየትን።

Last modified on Friday, 18 January 2019 08:51