ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2018 ፍራንክፎርት

2018-04-11 19:51:38 Written by  Published in EPDP News Read 3515 times

      ምልክታ

          ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2018 ፍራንክፎርት

ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን ዝዳሎ ፈስቲቫል/ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2018 ምስንዳኣት ጀሚሩ። ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2018 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዕለት 03 - 05.2018 ዘሎ እዋን ኽካየድ እዩ። ኣብ‘ዚ ታሪኻዊ ሰፊሕ በዓልዚ፡ ጀርመናውያን ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን በርጌሳውያን ማሕበራቱን ምስ ተሳታፊ በዓል ዝኾነ ህዝቢ ኣራኺቡ፡ ዓውደ ልዝብን ሕድሕዳዊ ናይ ሓሳባት ምርድዳኣን ምልውዋጥን ዝፈጥር መኣዲ እዩ።

ስለዚ ድማ፡ ኩለን/ኩሎም ኤርትራውያን ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝብህጋን/ዝብህጉን ኣብዚ ካብ ዕለት 03 ክሳብ 05 ነሓሰ 2018 (August 03 – 05.2018) ዝካየድ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ዓዳምን ታዓዳምን ብዘይብሉ መንፈስ ክሳትፋን ኽሳተፉን ብኽብሪ ንጽውዕ። ኣሳናዳኢት ሽማግለ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ ነዚ መጸዋዕታ’ዚ ከቕርብ እንከሎ፡ ናይ ምድላው ሓላፍነት ከምዝወሰደ የመልክት ምህላዉ እንተዘይኰይኑ፡ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ፡ ንኩልና ውጹዓት ዜጋታት ብፍላይ፡ ንሰላምን ዕብየትን ዝተግሃን ዝተግሁን መሓዙት ህዝብናን ዝምልከት እምበር፡ ዝኾነ ይኹን ሓለፋታት ስለዘለዎ ኣይኰነን። በዚ ኸኣ፡ ነቲ ጉዳይ ካብ ናተይ ናትካ ዝብል መንፈስ ወጺና፡ ኣብ ቀንዲ ዕላማታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ረጊጽና፡ ብዙሕነት ውዳቤታትናን ብዘየገድስ ንሓባራዊ ዓወት ሰፊሕ በዓል ብሓላፍነት ክንብገስ ብኽብሪ ነዘኻኽር።

መደባት ሰፊሕ በዓል/ፈስቲቫል 2018ን ኣወዳድብኡን ኣብዝስዕብ ክሕበር እዩ።

ፈስቲቫል 2018 ዝካየደሉ ቦታ፡


Die Studierendenschaft der Johann Wolfgang Goethe – universität
Mertonstr. 26 – 28
60325 Frankfurt a. Main

ብሓባር ንቃለስ፣ ምልኪ ክድምሰስ!!!

ስለ ሽማገለ ፈስቲቫል ፍራክፎርት 2018

11.04.2018

Last modified on Wednesday, 11 April 2018 22:08