ሰዲህኤ- ጨንፈር ቶሮንቶ ምስ ግዱሳት ተቓለስቲ መንእሰያት ኤሪትራውያን ኣኼባ ኣካይዱ

2017-09-09 09:02:05 Written by  Published in EPDP News Read 3691 times

ትማሊ ሓሙስ 7 መስከረም 2017 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ጨንፈር ቶሮንቶ ምስ ግዱሳት ተቓለስቲ መንእሰያት ኤሪትራውያን ተቐማጦ ቶሮንቶ ብምርኻብ ምርድዳእ ዝመልኦ ምይይጥ ኣካይዱ።

 

እቲ ኣኼባ ብመንፈስ ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ተታሓሒዝዎ ዘሎ፡ ኩሉ ጸረ ምልኪ ዝቃለስ ክፍልታትን ሓይልታትን ህዝብናን ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ፡ ካብቲ ከም ህዝቢ ንሳቐየሉ ዘሎና ናይ ምንጽጻግን ምፍልላይን  ተመኩሮ  ተማሂርና ንሓደ ህዝባዊ ዕላማ ብሓደ ኰንካ ምስራሕ ዝብል ተበግሶ ማእከል ዝገበረ ኮይኑ፡ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብዕምቈት ተመያይጡሎም።

1,    ራእይን ድሕረ ባይታን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ

2,    ኣድላይነት ውደባ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ

3,    ግደ መንእሰያት ኣብዚ ንህላዌ ህዝብን ሃገርን ኤሪትራ ዝፈታተን ዘሎ ተሃዋሲ ህሞት

4,    ተኻፈልቲ ኣኼባ፣ ሓይልታት ተቓውሞ ንምቅርራብ፡ ሰልፊ ዲሞራሲ ህዝቢ ኤሪትራ  ሒዝዎ ዘሎ ተበግሶ መዚኖም፡ ብፍላይ ግን ኣብቲ ኣገዳስነት ውደባ ዝብል ኣምር ዓሚቕን ሓባራውን መረዳእታ ምምዕባል ኣገዳስነት ከምዘሎዎ ንመላኺ ስርዓት ቀንዲ ዘስግኦ’ውን ናይ ህዝቢ ምውዳብ ምዃኑ፡ እቲ ናይ መንእሰያት ኤሪትራ ዘይምውዳብ ቀንዲ ምኽንያት ምንዋሕ ዕምሪ ውልቀ መለኽቲ ስለዝኾነ መንእሰያትና ብዘይምውዳቦም ንምልኪ ዘገልግል ምዃኑ ተረዳዲኦም።

 

ኣባላት ጨንፈር ቶሮንቶ ንተሳተፍቲ መንእሰያት ብተግዳስነቶምን ደገፎን ኣመስጊኖም፡ ኮምኡ’ውን እቶም ዝተሳተፉ መንእሰያት ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ዘሎዎም ኣድናቖትን ደገፍን ገሊጾም፡ ቀጻሊ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ከካይዱ ብምስምማዕ ድማ ኣኼባ ደምዲሞም።

 

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

Last modified on Saturday, 09 September 2017 11:16