ዑደት ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ
2026-01-08 19:36:50 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 264 timesሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ቻይና፡ ዋንግ ዪ ካብ 7 ክሳብ 12 ጥሪ 2026 ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ ኣሎ። ናይዚ ሚኒስተር ዑደት ናብ ኣፍሪቃ፡ መበል 36 ዓመት፡ “ናይ ሓድሽ ዓመት፡ ቀዳማይ መገሻ ናብ ኣፍሪቃ” ናይ ዝብል ባህሊ መግለጺ ምዃኑ፡ ናይቲ ሚኒስትሪ ወሃቢ ቃል ብ7 ጥሪ 2026 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እዚ ኣባል ማእከላይ ኮሚተን ፖሊት ቢሮን ኮምኒስታዊ ሰልፊ ቻይና ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና፡ ኣብቲ “ቻይና-ኣፍሪቃ ህዝቢ ምስ ህዝቢ” ብዝብል፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ክሳተፍ ምዃኑ እውን እቲ ቻይናዊ ወሃቢ ቃል ኣፍሊጡ።
እዚ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና መገሻ ኣብ ሓድሽ ዓመት ናብ ኣፍሪቃ፡ ነቲ ሚኒስትሪ ንመበል 36 ዓመት ክኸውን፡ ነቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግና ናይ መጀመርታኡ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ሃገሩ ካብ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ናይቲ በዓል መዚ መገሻ፡ ብዙሕ ከም እትጽበ ተጠቒሱ። እቲ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየደ ስነ-ስርዓት፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣፍሪቃን ቻይናን፡ ናይቲ “ቀዳማይ መገሻ ዓምት 2026 ናብ ኣፍሪቃ” መግለጺ ዲፕሎማሲያዊ ልምዲ ናይታ ሃገር ምዃኑ ተሓቢሩ።
እቲ ቻይናዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ኣብዚ መገሻኡ ዝበጽሐን 4 ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያ፡ ታንዛንያን ለሰቶን እየን። ብፍላይ ሓደ ናይ ቻይና ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ናብ ሶማሊያ ዝበጽሕ ዘሎ፡ ድሕሪ 40 ምዃኑ ከኣ ሮይተርስ ሓቢሩ።
እቲ ቻይናዊ በዓል መዚ ቀንዲ ምስ መራሕቲ እተን ዝበጽሐን ሃገራት ዝዛረበሉ ዛዕባታት፡ ዝምድና ህዝቢ ምስ ህብዝን ናይ ሓባር ዕቤትን ከምኡ እውን ጉዳይ ልኡላውነት ሃገራት ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ’ እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ልምዓት ሓገዝ ንምርካብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ቀጻሊ ክልተኣዊ ምትሕብባር ዝኣትዋሉ መንገዲ ምድህሳስ ከም ዘጠቓልል እውን ተፈሊጡ።
ቻይና ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ብቐጻሊ 282.1 ቢልዮን ዶላር ብዝበጽሕ ዓመታዊ ዓቐን ኣብ መዳይ ንግዲ መሓዛ ኣፍሪቃ ኮይና ከም ዝጸንሐት’ውን ኣብቲ መግለጺ ተጠቑሱ።