2023 ኣፋኒና፡ 2024 እንክንቅበል

2023-12-31 18:41:17 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 535 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እነሆ “2023 ዓሚ፡ 2024 ድማ ሎምዘበን” ኣብ ዝበሃላሉ ናይ ግዜ ምትኽኻእ በጺሕና። በዚ ኣጋጣሚ “እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት 2024ን በዓላት ልደተ-ጥምቀትን ብሰላም ኣብጸሓና ኣብጸሓኩም።” ፡ ንብል።

 እዛ “መጻእኩ” ትብል ዘላ ሓዳስ ዓመት ብግደኣ “ዓሚ” እትበሃለሉ ናይ ግዜ ዑደት’ውን ክመጽእ እዩ። ወዮ ኩሉሳዕ፡ ናይ ግዜ ቀጻሊ ጉዕዞ ፍጥነቱ ዘይቅየር ምዃኑ  ስለ ዘይንግንዘብን  ማዕሪኡ ስለ ዘይንስጉምን ይኸውን፡ “እዛ ዓመት እዚኣስ ከይተፈለጠትና ሓሊፋ” ኢና ንብል። ኣብታ ዓመት ሰብ ብዘምጽኦ ሕሰምን መከራን ብምምራር “እዛ ዓመት እዚኣስ እንኳዕ ከደትልና”፡  ብዝብል ምረትና እንገልጸሉ’ውን ኣሎ። እዚ ንግዜ እነሰክሞ ምስምስ ዘይኮነ ናይ ሰባት ናይ ግንዛበ ጸገም ከምዝኾነ ክንርደኦ ይግበኣና።

እቲ ናይ ዓመታት ምትኽኻእ ክንስዕቦ እንተዘይኮይና ጠጠው ከነብሎ ኮነ፡ ከነቐልጥፎ ወይውን ከነደንጉዮ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ንሕና ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ምስ ግዜ ክንገብሮ ዝግበኣና ግዳ፡ ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል፡ ነቲ ብናጻ ዝተዋህበካ ናይ ግዜ ጸጋ ዘይምብኻን፡ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ምውሕላልን ምስትውዓልን እዩ። ሓላፊትን መጻኢትን ዓመታት ዝረኻኸበኦ ሓላፍነትን ዕማምን ኣለወን። እቲ ዝረኻኸበኦ እቲ ንሕና እንሰርሖ እዩ። ንሕና ምእንቲ ኣብ ሎምዘበን ዕዉታት ክንከውን፡ ኣብ ባሕቲ ዓመት ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ዓሚ ተመኩሮና ክንግምግም ይግበኣና። ናይ ገምጋምና ቀንዲ ዕላማ ከኣ፡ ካብቲ ዝሓለፈ እንወታን ኣሉታን ተማሂርና፡ ኣብ ዝሓሸ መጻኢ ንክንርከብን ዳግማይ ንከይንጋገን ብጥንቃቐ ናብ  መጻኢ ዕማምና ንከነማዕዱን  እዩ።

ኣብ 2023፡ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ከም ዝሓለፍዋ  ኩልና ንርደኦ ኢና። ነቶም ጉዳይ ህዝቢ ዘይዓጦምን ሕልናኦም ንህግዲፍ ዘረከቡን ውሑዳት ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ  ጨካንን ጠላምን ተግባራት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት “ኣዝዩ ሕማቕ ነይሩ” ምባሉ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ። ጭካነ ህግዲፍ በዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዓዘብናዮ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከውርዶ ዝጸንሐ ጭቆና  ጠጠው ዝብል ዘይኮነ፡ ክሳብ ተሳዒሩ ኣብ ኢድ ህዝቢ ዝወድቕ፡ ኣብ 2024’ውን ዝገጥመና ብደሆ’ ቀሊል ስለ ዘይከውን ክንቅረበሉ ይግበኣና።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣእትዩ ጠጥቕ’ዩ” ዝብል ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ትጽቢት ኣይነበረን ይኸውን።  እንተኾነ ኮይኑስ፣  ብግብሪ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣደዳ ኩሉ ዓይነት ሳዕቤን ናይ ዘይምልከቶም ውግእ ከም ዝኾኑን ስራቤታቶም ጋና ደሃዮም ንክፈልጡ፡ ብስግኣትን ጭንቅን ይጽበዩ ኣለዉ። እዚ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ ዘሎ ሻቕሎት እምበር  ምስጢር ኣይኮነን። እቶም ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይ ህግዲፍ ገበን ንምኽዋል፡ “ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣይኣተወን” ክብሉ ዝጸንሑ ኣብ ዓመተ-2023 ግና ኩሉ ዘመኻንይዎ ዝነበሩ ሓሶት ምዃኑ ምስተቓለዐ፡ “ዶብ ንምውሓስ ኢዩ ኣትዩ፡ ኣብ መሬቱ እዩ ዘሎ”  ይብሉ ኣለዉ። ኣብቲ ጉዳይ ሻራ ዘየብለን ወገናት ከም ዝምስክረኦ ግና ሰራዊት ኤርትራ ጋና ኣብ ትግራይ ብምህላዉ ተኸሳሲ እይ።

ውግእ ትግራይ ብውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ብምቁራጹ ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ “ተኾሊፍና”፡ ብዝብል ኣስናኑ ዝሕርቅም ዘሎ ህግደፍ፡ ጋና ውግእ ንክጽሕትር ኣብ ቀረባን ርሑቕን የዕገርግር ኣሎ። እዚ ምዕግርጋሩ  ካብ ሓሜትን ሕሹኽሹኽን ሓሊፉ፡ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘይርጉእ ኣካይዳ ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ  ተወሲኽዎ፡ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና እውን ኣብዛ ነፋንዋ ዘለና ዓመት ክንከታተሎ ዝጸንሕና እዩ። እዚ ተረኽቦ ኣብ 2024 ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ድማ እንከታተሎ ክኸውን እዩ። ኣብዛ ኢትዮጵያውያን ፍልልያቶም ብሓይሊ ንምፍታሕ “ውግእ ኣየዋጸኣናን እዩ” ኢሎም መንገዲ ሰላም ዝሓዝሉ መስርሕ፡ 2024 ከኣ ነቲ መስርሕ ኣብ መፈጸምታ ናይ ምብጽሑ ሓላፍነት ክትርከብ እያ። ውጽኢት ናይዚ መስርሕ ሰላም፡ ረብሓኡ ብዓብይኡ ንኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ንኤርትራን ንዞባናን ዘለዎ ፋይዳ እውን ልዑል እዩ።

2024 ካብ 2023 ትርከቦ ዘላ ሓላፍነት ብደረጃ ዓለም እንተመዘናዮ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ካብቲ ዘለዎ ከይገድድ ኣሕዲርዎ ዘሎ ስግኣት ከቢድ እዩ። ኣብ ኤርትራውን ዞባውን ኩነታት  ከኣ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጋና ውግእ ንምቕጻል ኣብ ርሑቕን ቀረባን ኩሉ ዝከኣሎ ይጽሕትር ኣሎ።  ኣብ መንጎ ሱዳናውያን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ፡ ኢሳያስን ከምኡ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጸረ ሰላም ሓይልታትን ናይ ውግእ ህርፋኖም ንምርዋይ ኢዶም ንምእታው ላዕልን ታሕትን ዝብልሉ ዘለዉ እዩ። ጉዳይ ሱዳን ኣብ 2024 እውን መዋግኢ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሓይልታት ከይከውን የስግእ ስለዘሎ፡ ብዝኸፈአ መልክዑ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ክፉት እዩ።

 ነዚ ኩሉ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ስግኣታት ናብ ራህዋን ቅሳነትን ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ዝስከም፡ ሎሚ’ውን ብዓብይኡ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ለውጢ ሓይልታቱ እምበር፡ እቲ ምእጓድ ሓዊ እንተዘይኮይኑ፡ ሰላማዊ መንገዲ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግዲፍሲ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብቲ ንቡር መስመር  ስለ ዝወጸ  ናብ ሰላም ክምለስ ዘይሕሰብ እዩ።

ስለዚ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት  2024፡ ምስ መላእ ህዝብና ኮይና፡ ካብ ጨንቂ ናብ ራህዋ ፈንጢስና ክንሰግር፡ ብዙሓት ካብ ዝሓለፈ ተማሂርና ከነዕርዮም ዝግበኣና ዘይስገሩ ቅድመ-ኩነታት ኣለዉና። ካብቲ መሪሕ ግደ ዝጻወት እሞ ግድን ከነማልኦ ዝግበኦ ሓደ፡ ንስለ ምጭራሕን ምእዋጅን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ሓቢርካ ኣብ ትሕቲ ናይ ሓባር ጽላል ብናይ ሓባር ንቕሎን ተሳትፎን ክትቃለስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን እዩ። እዚ ብፍላይ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል (ላመኣ) ብምምስራት ሓደ ኩቡዖ  ንቕድሚ ሰጒሙ ኣሎ። ኣብ 2024 ከኣ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ኣጽኒዕና ሒዝና ናብ ዝሰፍሐ ጽላል ንምብራኹ ክንቃለስ ኢና።  

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ኣብ 2024 እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝጀመሮ እሞ ኣብ መፈጸምታ ዘየብጸሖ ትልምታቱ ምትግባር፡ ናይ መጻኢ ዓመት ዕማማቱ ኣካል  ክኽውን እዩ። 2023 ብመሰረት ቅዋሙ፡ 4ይ ጉባአኡ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ኣዕዊትዎ እዩ። ኣብዛ ንርከባ ዘለና ዓመት ከኣ፡ ናይቲ ጉባአ ውሳነታት፡ ፖሊሲታትን መደብ ዕዮን ኣብ  ምትግባር ሰፊሕ ዕማም ይጽበዮ ኣሎ።    

Last modified on Sunday, 31 December 2023 20:01