ቃልሲ ብማዕዶ፡ ከቢድ’ዩ

2023-04-18 08:12:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 897 times

ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ንናጽነት ንክዕወት ካብ ዝደረኹ ረቛሕታት ሓደ፡ ኣብ ሕቑፊ ህዝቡ ኮይኑ፡ ብህዝቡ ዝሰንቕን ዝዓጥቕን ምንባሩ መሰረታዊ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እቲ ናብ ናጻናትን ልኡላውነትን ዘብጸሖ መስርሕ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ንቃልሱ ከም ብሌን ዓይኑ ዓቂቡ፡  ዝሓብሓበሉ ጉዕዞ ኣብ ታሪኽና ፍሉይ ቦታ ዝወሃቦ ፍጻመ እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡን ብጽንዓት ህዝብና ዝተመስጡን ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ሓደ እዋን “ኤርትራ ኣይኮነንዶ ህዝባ፡  መሬታ’ውን ተዋጋኢ እዩ”  ከም ዝበሉ ዝዝከር እዩ። ሎሚ ብዘይ ትማልን ጽባሕን ትርጉም ስለ ዘየብላ፡ እዚ ናይ ትማሊ ናይ ቃልሲ ጸጋናን ውርሻናን ንመጻኢ እትምርኮሰሉን እትሕበነሉን እምበር፡ ኣስተናዒቕካዮ ዝሕለፍ ሕለገት ኣይኮነን።

ኣብ መዋእል ቃልሲ ንናጽነት፡ ህዝብና ካብ ዓድታት ጀሚርካ ክሳብ ኣውራጃታት ዝነበሮ ሓባራዊ ምምሕዳራዊ ዝርጋሐ፡ ምምስራት ሽዑ ህዝቢ ከም መድረኽ መኸተ ዝሳተፈለን ህዝባዊ ማሕበራትን፡ ንመጻኢ ድማ ናይ ህዝቢ ዲሞክራሲያዊ ዋንነት ስልጣን መንጸፍ ዘንበረለን ትካላት እየን ነይረን። እንተኾነ እቲ ናጽነት ክርከብ ታሪኽ ሕድርን ሓላፍነትን ዘረከቦ ጉጅለ ኢሳያስ ስለ ዝጠለመ፡ ህዝብና ድሕሪ ናጽነት ክረኽቦ ትጽቢት ዝነበሮ ህዝባዊ ስርዓተ-ምሕደራ፡ እነሆ ክሳብ ሎሚ ኣይተረጋገጸን። ንሕና ከኣ ነቲ ዝተጠልመ ሕድሪ ንምምላስ ንቃለስ ኣለና።

ሎሚ ነካይዶ ዘለና ምልኪ ናይ ምውጋድ ቃልሲ፡ ካብቲ ቀንዲ ብደሆታቱ፡ ምስ ሃገርናን ህዝብናን ተመዓዲና ነካይዶ ዘለና ምዃኑ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ብኣካል ምርሕሓቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራ ብዘመናዊ ሜላ ምስ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ  ክትራኸበላ ዘይትኽእል ብዕጽዋን ጽዑቕ ስለያ ህግደፍን ዝሰኮነት ምዃና ከኣ ነቲ  ምርሕሓቕ፡ ምርሕሓቕ ዝውስኸሉ ዘሎ እዩ።

ናብቲ ብሰንኪ ህግደፍ ዝተኽተሎ በሓቲ ፖሊሲ፡ ናብ ህዝብና ንምቕራብ ከም ዝሓሸ ምርጫ ዝውሰድ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ምህላው እዩ። እዚ ብፍላይ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ክፍተን ዝጸንሐን ጌና ቀጻሊ ዘሎን ውጥን እዩ። እንተኾነ እዘን ጐረባብትና ሃገራት በብግዜኡ መልክዖም ብዝቐያይሩ ቅልውላዋት ነናተን ጸገም ዘለወን እየን።  ህልዊ ብውግኣት ዝተሰነየ፡ ዘይርጉእ ኩነታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።

ምስተን ሃገራት ዝግበር ዝምድና፡ ኣብ መንጎ መንግስታትን ትሑት ዓቕሚ ዘለወን ሰልፍታትን ውድባትን ዝጸምድ ስለ ዝኾነ፡ ብኹሉ መልክዓቱ ተመጣጣኒ ኣይኮነን። እዚ ዘይምምጥጣን ዝፈጥሮ ዘይምምዕርራይ ከኣ ተጽዕኖኡ ቀሊል ከምዘይኮነ ክርአ ዝጸንሐ እዩ።  ጐረባብትና መጻኢት ኤርትራ ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓአን እትቃነ ክትከውን ከም ዝደልያ ውሁብ እዩ። ንሕና ድማ ኤርትራ ድሕሪ ህግደፍ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ረብሓ፡ ሰላምን ሓድነታን ክትቅየስ ስለ ንቃልሰ፡ ናይ ፖለቲካዊ ሕሳባት ምውጣጥ ንሓንሳብ ብጋህዲ፡ ንሓንሳብ ድማ ብስዉር ክረአ ናይ ግድን እዩ። ናይ ህግደፍ ምስ ኩለን ጐረባብትና በብግዜኡ ብዘይረትዓዊ ምኽንያታት ውግእ ምኽፋት ድማ ነዚ ምውጣጥ ዘጋድዶ እዩ።

ህግደፍ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ካብኡ ሓሊፉ ኣብዛ ዓለም ድምጾም ከይስማዕ ከይደቀሰ ስለ ዝሓድር፡ ንምረት እቲ ካብ ህዝብኻ ርሒቕካ ዝካየድ ቃልሲ ዝያዳ የጋድዶ። ህግደፍ ስግኣት ዝደረኾ ጉሒላ መደባቱ ንምዕዋት ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ መስ ጐረባብትና ሃገራት ክኽትሞ ዝጸንሐ ጸጥታዊ ስምምዓት፡ ዝቃወምዎ ኣካላት ንምጭዋይን ምቕታልን ንክሕግዞ ምንባሩ፡  ጨካን ባህርያቱ ካብ ዘርእዩ ተግባራት እዩ። እቲ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ናይ ስለያ መርበባት እናዘርሐ ኤርትራውያን ከይቀስኑ ዝኣልሞ ተንኮላትን ገንዘቦም ንምዝማት ዝምህዞ ውዲታትን ከኣ ክሳብ ክንደይ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ርኢቶ ብዘለዎም ኤራትራውያን ወገናት ኣዝዩ ዝሰግእ ፈራሕ ጉጅለ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ በቲ ዝረኸብካዮ ጸቢብ ዕድል ተጠቒምካ ናይ ዘይምድማዕ ድኽመትካ፡ በቲ “ምረት ቃልሲ ካብ ህዝብኻ ርሒቕካ” ኣመሳሚስካ ንምሕባእ ዝዓለመ ክኸውን ኣይግበኦን። ዝተወሰና ተቓወምቲ ውዳበታት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበራሉ፡ ኢህወደግ ኣይሓገዘንን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕሪት ጐቲትወን ዝብል መረረ ብተደጋጋሚ ይለዓል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ውድባት ዋላ ሓንቲ ኣይገበራን ዝብል፡ “ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ” ዝዓይነቱ ሸፈጥን ንሰልፍታትን ውድባትን ኤርትራ ኣብ ሓደ መጉእ ምውቃጥን ይስማዕ እዩ። ኣብዚ ቅድም ክለዓል ዝግበኦ “ነታ ዝነበረት ኣዝያ ውስንቲ ዕድልከ ተጠቒምናላዶ?” ዝብልዩ ክኸውን መተገበአ። ከም ኣቀማምጣ እውን ብዛዕባ ድኽመትን ብርተዐን ክዝረብ እንከሎ፡ ብኣኻ ምጅማር እዩ እቲ ቅኑዕ ኣቀማምጣ። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ፡“ንውዳበታት ምሕዝነትን ኪዳንን፡ ንመድረኻት ኣቃቂ፡ ኣዋሳን ደበረዘይትን፡ ክሳብ ክንደይ ተጠቒምናሉ?” ኢልካ ምሕታት ሓላፍነታዊ እዩ።

ምስ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዝተተሓሓዘ፡ ኢህወደግ ካብ ዝንቀፈሉ ብዙሓት ዛዕባታት ሓደ “ውድባት  ንምርባሕ የተባብዕ ነይሩ” ዝብል እዩ። ኣብዚ ስለምንታይ ኤርትራውያንከ መሰረታዊ ናይ ውድብ መምዘኒ ቀትዕታት ከየማልኡ “ውድብ እየ እሞ መርቑንን ሓግዙንን ይብሉ ነይሮም?” ኢልካ ምሕታት ክቕድም ይግበኦ። ከምቲ ወደን ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን ዝብልዎ፡ ኣብቲ ኢህወደግ ፈጺምዎ ዝበሃል ዕንቅፋታት፡ ናይ ኤርትራውያን ዘይርትዓዊ ተግባራት ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ኣሉታዊ ተዘክሮ እዩ።

ድሕሪ 2018 እውን’ኮ ፡ ነቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ እዮም ዝብሉ፡ ነቲ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም”  ብዝብል ዝኸፈቶ ጠላም ኣፍደገ ዘንጊዕካ፡ ናብቲ ኢትዮጵያውያን ኣንጻር ልኡላውነትና ዘርእይዎ ወስታታት ጥራይ ምምጣጥን ምቁማትን ቅኑዕ ኣይኮነን። ኮታ ብዘይኤርትራዊ ወገን፡ ኢድ ኣእታውነት ዘተባብዕን ኤርትራዊ ኣጀንዳ ዘስሕትን ምልክታት ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ጌጋ ይፍጸም ኣሎ’ሞ ዓገብ ምባል፡ “ብዘይብኣኻትኩም ስለ ዘይኮነልና ኣብቲ ጉዳይና ኣኹድዱ”  ዝብሉ ኤርትራውያን እንተ ነይሮም፡ እቲ ቅድም ክውቀስ ዝግበኦ መን ምዃኑ ርኡይ እዩ።

ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት፡ ንዝመዓድ ምዒዱ፡ ንዝግሰጽ ከኣ ገሲጹ፡ መሰረታዊ መንገዲ ናይ ምትሓዝ ሓላፍነት ዝነበሮ ህዝባና ክኸውን እንከሎ፡ እቶም “ንድሕነት ህዝብና ንቃለስ ኣለና” ዝብሉ ኣካላት’ውን ሓላፍነቶም እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ከስተብህሉ ምተገበኦም። እንተኾነ ብሰንኪ ካብ ህዝብና ርሒቕና ንቃለስ ምህላውና፡ እዚ ዕድልዚ ኣይተረኽበን። ከምቲ “ርሑቕ ዓድሲ መሕሰዊ” ዝበሃል፡ እቲ “ምእንቲ ህዝቢ እየ” በሃላይ ብዙሕ እዩ። “ኣይናይ እዩ እቲ ንሓቀኛ ኣተሓሳስባን ባህግን ህዝቢ ዝውክል?” እምበኣር፡ ኣብ መጻኢ ብህዝባዊ መንፊት ክንጸር እዩ።

Last modified on Tuesday, 18 April 2023 10:20